ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ወንጌል ኣብ እስያ ንምምስካር ሓድሽ መጋበርያን ኣገባብን ክህሉ ር.ሊ.ጳ.፥ ወንጌል ኣብ እስያ ንምምስካር ሓድሽ መጋበርያን ኣገባብን ክህሉ 

ር.ሊ.ጳ.፥ ወንጌል ኣብ እስያ ንምምስካር ሓድሽ መጋበርያን ኣገባብን ክህሉ

ር.ሊ.ጳ እስያ ህብረ ሃይማኖትን ህብረ ባህልን ህብረ ቋንቋን ዝዓሰላ ሃገር ምዃና ዘኪሮም፡ እቲ ኣብታ ክፍለ ዓለም ዝርከብ ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ሓድነቱ ዓቂቡ ናይ እምነት ኵለተናውነትን ሓድነትን ንኽምስር ምድጋፍ ሓላፍነትና እዩ ቢሎም

ኣብቲ ኣብ ባንኮክ ናይ መላእ ሃራት እስያ ብፁዓ ጳጳሳ ኣባይቲ ምኽሪ ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ድርገታት ኣበ መናብርት ዝካይዶ ዘሎ ዓውደ ጉባኤ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ልኡካ ጉጅለ ንናይ እስያ ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ ዓንቀጸ እምነት ድጋፉ ንምቕራብን ንምንቕቓሕን ንምክልኻልን ብዝብል ዕላማ ይሳተፍ ኣሎ።

ክሳብ ዕለት 18 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ኣብ ታይላንድ ርእሰ ከተማ ባንኮክ ናይ መላእ ሃገራት እስያ ናይ ብፁዓን ኣባይቲ ምኽሪ ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ድርገት ኣበ መናብርት ጉባኤ ዕለት 15 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ከምእተበገሰ ክፍለጥ እንከሎ፡ ኣብዚ ዓውደ ጉባኤ’ዚ ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ላዕለዎት ጉጅለ ልኡካን ብናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ህይነተ ተመሪሑ ይሳተፍ ከምዘሎ ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቲ ዓውደ ጉባኤ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉን፡ እስያ ህብረ ሃይማኖትን ህብረ ባህልን ህብረ ቋንቋን ዝዓሰላ ሃገር ምዃና ዘኪሮም፡ እቲ ኣብታ ክፍለ ዓለም ዝርከብ ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ሓድነቱ ዓቂቡ ናይ እምነት ኵለተናውነትን ሓድነትን ንኽምስር ምድጋፍ ሓላፍነትና እዩ ቢሎም፡ ወንጌል ንምምስካር ኣብ እስያ እዋናዊ ናይቲ ከባቢ ኵነት ዝጠልቦ ሓድሽ መሳለጥያን ኣገባብን ምልላይ ኣገዳሲ እዩ ከምዝበሉ ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር መግለጺ ኣፍሊጡ።

ቅዱስነቶም ኣብቲ ናይ ወንጌል ሓሴት ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቶም ንመላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ንቕድሚት ሰጉሚ እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ ምዕዶ ምስል ቢሎም ዘኪሮምን፡ ኣብ ነፍሲ ወክፍ ናይ ሃገራት ብፁዓን ጳጳሳ ቤት ምኽሪ ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ድርገት ዘለዎ ኣገዳስነት ኣብሪሆም፡ ኣብ መንጐ ጳጳሳት ክፍለ ሃገር እስያ ስሉጥ ምትሕብባር ክህሉን ናይ እምነት ሓድነትን ውህደትን ንምዕቃብ ብሕውነታዊ መንፈስ ተመክሮ ምልውዋጥ ኣድላዪ እዩ፡ እቲ ናይ እስያ ዓውደ ጉባኤ ናይ እምነት ዓንቀጽ ሓልዮ ድርገታት ነዚ ዝምዝክር እዩ ኢሎም።

እቲ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ጉባኤ ምስቲ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ወንጌል ዝተተሓሓዙ ሕቶታት መሰረት ምስ ናይ እስያ ህልው ኩነት ኣላዚቡ ብሱልን ዓሚይቕን ምይይጥን ምንጽጻርን ዝካየደሉ ክኸውንን ጸሎቶም ምዃኑ ኣረጋጊጾም ንመላእ ተጋባእያ ሓዋርያዊ ቡራኬይ አመሓላልፍ ከምዝበሉ ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ዘውጸኦ መግለጺ ሓቢሩ።

ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ዕለት 23 ለካቲት 1967 ዓ.ም. ብዘመሓለፍዎ ውሳኔ መሰረት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ድርገት ከምዝቖመ ዘዘኻኸረ መግለጺ ናይ ዓንቀጸ እምነተ ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ኣስዒቡ፡ እዚ ኸኣ ነፍሲ ወከፍ ጳጳስን ከምኡ እውን ነፍሲ ወከፍ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዛዕባ እምነትን ግብረ ገብን ዝምልከቱ ጉዳያት ክውከስን ዝነበሩን ዘለዉን ክህልዉ ዝኽእሉን ሕቶታት ብእምነት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝወሃቦ ናይ ዓንቀጸ እምነት ምብርህታትን መልስታትን ኣብ ምርካብ ንምድጋፍ ተባሂሉ ዝቖመ ምዃኑ ክሕበር እንከሎ፡ ብግዱስ ፍቓድ ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ዝጽዋዕ ዓውደ ጉባኤ እውን ምዃኑ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ እዚ ኸኣ ንነፍሲ ወከፍ ክፍለ ዓለም ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሕብረትን ናይ ሃገራ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽርን ነፍሲ ወከፍ ጳጳስን ኣብ ዓንቀጸ እምነት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ንምድጋፍን ብዛዕባ ህልው ኩነታትን ሓደስቲ ውሳኔታትን ር.ሊ.ጳ.ን ብናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበርን ዘመሓላፍዎ ሓበሬታት ስልጣናዊ ትምህርትን ንምሕባርን ንምትንታንን ካብኡ ሓሊፉ እውን ካብ ኣባይቲ ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ዝቐርቡ ሕቶታት ንምምላስን ዝብል ዕላማ ዘለዎ ምዃኑ ዝሓበረ ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር መግለጺ ኣስዒቡ፥ እቲ ኣብ ባንኮክ ምስ ናይ መላእ ሃራት እስያ ብፁዓ ጳጳሳ ኣባይቲ ምኽሪ ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ድርገታት ኣባይቲ ምኽሪ ኣበ መናብርት ዝካየድ ዓውደ ጉባኤ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ሱታፌ ንናይ እስያ ብፁዓን ጳጳሳት ድጋፉ ንምቕራብን ኣብ ምንቕቓሕን ምክልኻልን ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዓንቀጸ እምነት ኣብ ዘካይዶ ጻዕሪ ነቲ ናይ ክፍለ ዓለም እስያ ብድሆታት ግምት ብምሃብ ንምድጋፍ ዝኣመተ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብቲ ናይ እስያ ጉባኤ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር  ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ልዊስ ፍራንሲስኮ ላዳርያን ተወሳኺ ዋና ጻሓፊ ናይቲ ቅዱስ ማሕበር ብፁዕ ኣቡነ ጆሰፍ ኣውጉስቲን ዲ ኖያን ይሳተፉ ከምዘለዉ ኣፍሊጡ።

ር.ሊ.ጳ.፥ ወንጌል ኣብ እስያ ንምምስካር ሓድሽ መጋበርያን ኣገባብን ክህሉ
16 January 2019, 17:42