ድለ

ብፁዕ ኣቡነ ኣውዛ፥ ሕቡራት መግስታት ዓለም ኣብ ልዕሊ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዓቢይ እምንቶ ኣለዎ ብፁዕ ኣቡነ ኣውዛ፥ ሕቡራት መግስታት ዓለም ኣብ ልዕሊ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዓቢይ እምንቶ ኣለዎ 

ብፁዕ ኣቡነ ኣውዛ፥ ሕቡራት መግስታት ዓለም ኣብ ልዕሊ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዓቢይ እምንቶ ኣለዎ

ድጋፍ ኣቕራቢ ሃገርን ዓለም ሓቆፍ ማሕበርን ሓገዝ ንናይ ገዛእ ርእሱ ፖለቲካዊ ኤኮኖሚያውን ማሕበራውን ርእየት ንምስፋሕ ዝጥቀመሉ መጋበርያ ክኸውን የብሉን፡ ብዙሕ ግዜ ግና መጋበርያ መስፍሒ ርእየት ብምዃኑ ዓለም ናብ ሓሽ ዓይነት ርእየታዊ ባዕዳዊ መግዛእቲ የሰንይ ኣሎ፡

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 7 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ኣብ ቅድስቲ መንበር ንመላእ ልኡካነ መንግስታት ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንጉሳዊ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተቐቢሎም ዘስምዕዎ መደረ ኣማእኪሎም ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቃለ መሕትት ዘካየዱ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንስታት ዓለም ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳሳ ብፁዕ ኣቡነ በርናርዲቶ ኣውዛ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ዘስምዕዎ መደረ፡ ካብቲ መድብለ ጐናውነትን ካብ ዝብልን ክሳብ እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝሰፍሕ ዘሎ ብሔርተይናውነትን ህዝብነትን ኣብ ሶሪያ ዘሎ ውግእን ጸኣት ስደተይናታን ሕዳሴ ውድብ ሕቡራት መግንስታት ዓለምን ዝብሉ ኣገደስቲ ነጥብታት ብሓፈሻኡ 360 ዲግሪ ዝሃረመ ምልኡ ኩነታት ዓለም ዝዳህስሰ ምዃኑ ሓቢሮም፡

ብሔርተይናውነት ናይ ውዱብ ሕቡራት መንግስታት ተጻይ እዩ

እቲ ኣብ ዓለም ዝሰፍሕ ዘሎ ብሔርተይናውነትን ዝተፈላለዩ ኣብ ዓለም ዝረኣዩ ዓበይቲ ጸገማት ብሓደኣዊ ጐናውነትን (unilateral) መልሲ ንምሃ ዝግበር ጻዕርታት ዘስዕቦ ዘሎ ካልእ ጸገምን ኣብሪሆም፡ መድብለ ጐናውነት ምባል ሕጹጽን ምዃኑን፡ መድብለ ጐናውነት ኣገዳሲ እንተዘይከውን ውድብ ሕቡራት መንስታት ዓለም ቅዋሜኡ ምኽንያታዊ ኣይምዀነን፡ ስለዚህ ካብ ርሑቕ ዓመታት ኣብ ዝነበሩ ጸገማትን ውጥረትን ግምት ብምሃብ ሰላም ክውሕስ ዝኽእል ዘተ ኰይኑ እዚ ኸኣ ብውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም መድብለ ጐናውነት ምንቕቓሕ መሰረት ምዃኑ ታሪኽ ዝምስክሮ ሓቂ እዩ፡ ይዅን ደኣ እምበር ነቲ መሰረት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዘሰናኽሉ ዝተፈላለዩ ብድሆታት ከምዘለዉን በዚ መሰረት ውድብ ሕቡራት መንስታት ዓለም እቲናይ ምቛሙ ምኽንያት ዝዀነ ሓቂ ከይሰሓት ሕዳሲ ዘድልዮ ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና የተሓሳስቡ ኢሎም።

ናይ ደገፍን ምዕባለን ፖለቲካ ምሕዳስ

ድጋፍ ኣቕራቢ ሃገርን ዓለም ሓቆፍ ማሕበርን ሓገዝ ንናይ ገዛእ ርእሱ ፖለቲካዊ ኤኮኖሚያውን ማሕበራውን ርእየት ንምስፋሕ ዝጥቀመሉ መጋበርያ ክኸውን የብሉን፡ ብዙሕ ግዜ ግና መጋበርያ መስፍሒ ርእየት ብምዃኑ ዓለም ናብ ሓሽ ዓይነት ርእየታዊ ባዕዳዊ መግዛእቲ የሰንይ ኣሎ፡ ነዚ መሰረት ብምግባር ቅዱስነቶም ናይ ደገፍን ምዕባለን ፖለቲካ ምህዳስ ዘለዎ ኣገዳስነት ከምዘተሓሳስቡ ብፁዕ ኣቡነ ኣውዛ ገሊጾም፡ ዝቐርብ ሓገዝ ነተን ሓገዝ ዝቐርበለን ሓገራትን ሕዝብን ምእከል ዝገበረ እምበር ናይ ሓገዝ ኣቕራቢ ሃገር ግዙእ ርእየት ዝገብር ክኸውን የብሉን ኢሎም።

መደብ ሕዳሴ ው.ሕ.መ. ዓለም ብዘይ ብቝዕ ርእሰ ማል ክፍጸም ዘይከኣል ይኸውን

ውዱብ ሕቡራት መግስታት ዓለም ንተን ብዙሕ እዋን ሰማዒ ዘይብለን ድኻታት ሓገራት መሰረታዊ እዩ፡ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝበልዎ፡ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ናይቲ ድምጺ ዘይብሉ ሕዝብን ከባቢዓለምን ድምጺ ክኸውን እንክብሉ ንዘቕረብዎ ጻውዒት ዝገልጽ እዩ፡ ሕዳሴ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ኣገዳሲ እዩ፡ ብፍላይ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኣንቶኒዮ ጉተረዝ እቲ ሕዳሴ ንደገፍ ምዕባለ ዝቕንዔ ክኸውን ዘለዎ ድላይ እዩ፡ እቲ ህልው ቅርጺ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ንእዋናዊ ኩነት ዓለም ዝኣረገ እዩ፡ ምእንቲ’ዚ እቲ ቅርጺ ምእዋን ግድን ይኸውን፡ እዚ ምስቲ ህልዉ ኩነት ዓለምን ዝረአዩ ጸገማትን ብድሆታትን ንምግጣን ዝበረኸ ክኸውን ዝብል ምዃኑ ኣነጺሮም፡

ሶርያን ተመዛበልትን፡ ኣገዳስነት ድምጺ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንሕቡራት መንግስታት ዓለም

እቲ ኣብ ሶሪያ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላውን ብምዕራብ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ንጽገት ስደተይናታትን ተመዛበልትን ንምፍታሕ ዝግበር ጻዕሪ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ቀዳምነት ክወሃቦ ዝግብኦ ዝክረ ነገር እዩ፡ ሶርያ ብትኽክል ብዘይ ውልቃዊ ረብሓታት ምንባብን ዘገማታ ምፍታሕን ነቲ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢ ዓለምን ዓለም ሓቆፋውን ምስሕሓባት ንምንባብን መፍትሒ ንኽረክብን ዝድግፍ ይኸውን እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ብፁዕ ኣቡነ ኣውዛ፥ ሕቡራት መግስታት ዓለም ኣብ ልዕሊ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዓቢይ እምንቶ ኣለዎ
11 January 2019, 08:45