ዓውደ ዘተ ኣብ መንጐ ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዓውደ ዘተ ኣብ መንጐ ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት 

ዓውደ ዘተ ኣብ መንጐ ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት

እቲ እናሰፈሔን እናዓበየን ዝኸይድ ዘሎ ምትሕብባርን ንኽልቲኣቶም ወገን ናይ ሓጐስ ምኽንያ ከምዝዀነን እውን ተሓቢሩ

ኣብ መንጐ ናይ ቅድስቲ መንበር ምስ ዝተፈላለያ ሃማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ቤት ጽሕፈት ሃይማኖታዊ ዓውደ ዘተን ምስ ዓለም ሓቆፍ ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ቤት ምኽሪ ኣብ ሮማ ዘካየዶ ናይ ሓባር ዓመታዊ ምልእ ዓውደ ጉባኤ ዕለት 11 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ተዛዚሙ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

እቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉብኤ ናይ 2018 ዓ.ም. ፍጻሜታት ዳህሲሱን ኣብ 2019 ዓ.ም. ዝፍጽሞም ዝክረ ነገር ብምሕንጻጽን ነቶም ኣብ ናይ ሓባር ዘተ ክፍጸሙ ቢሉ ዘቕረቦ ዝክረ ነገር ብጥልቂ ከምእተመያየጠሎምን ብፍላይ ናይ ሰላምን ኣብ ሰላምን ሕንጸት ዘለዎ ኣገዳስነት ብኣጽንዖት ብምሕባር፡ መደብ ሕንጸት ኣብ ሰላም ንምርግጋጽ ወሳኒ ምዃኑ ተኣሚኑ ኣብ መንጐ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርቲያን ዓለም ሓቆፍ ቤት ምኽርን እቲ ካብ 1977 ዓ.ም. ዝተበገሰ ምትሕብባር ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ዘዕተሮም ተበጽሖታት ብዝርዝር ቀሪቡ፡ እቲ እናሰፈሔን እናዓበየን ዝኸይድ ዘሎ ምትሕብባርን ንኽልቲኣቶም ወገን ናይ ሓጐስ ምኽንያ ከምዝዀነን እውን ተሓቢሩ።

ጳጳሳዊ ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ሓልዮ ቤት ምኽርን ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ውህደት ዓለም ሓቆፍ ቤት ምኽሪ ኣብ ጐዳና ናይ ሓባር ዘተ ዝተበጽሐ ምርድዳእን ኣብ ዓለም ሰላም ንኽረጋገጽ ብሓባር ዝሳለጡ ተግባራት እቲ ምቅርራብን ናይ ሓባር ዘተን ካብ ሃይማኖታዊ ኵርናዕ ክንየ ንማሕበራውን ሰብኣውን ኩነት ዓበይ ረባሕታ ምዃኡ ብሰፊሕ ከምእተመልከተ ናይ ቅድስቲ መንበር ጳጳሳዊ ቤት ጽሕፈት ሓልዮ ዘተ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዘውጽኦ መገለጺ የመልክት።

ዓውደ ዘተ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት
12 January 2019, 16:58