ክሌኣዊ ስነ ሜላዊ ርክብ ቅድስቲ መንበር፥ ወትሩ ኣብ ዘተ ንረብሓ ሕዝብታት ክሌኣዊ ስነ ሜላዊ ርክብ ቅድስቲ መንበር፥ ወትሩ ኣብ ዘተ ንረብሓ ሕዝብታት 

ክሌኣዊ ስነ ሜላዊ ርክብ ቅድስቲ መንበር፥ ወትሩ ኣብ ዘተ ንረብሓ ሕዝብታት

ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ክሌኣዊ ስነ ሜላዊ ርክብ ኣብ ክልተ ረቛሒታት ዝቖመ እዩ፡ እቲ ቀዳማይ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናጽነት ዝብል ክኸውን እንከሎ እቲ ካልእይ ከኣ ናይ ሃይማኖት ናጽነት ዝብል እዩ

“ቅድስቲ መንበር ኣብ ክሌኣዊ ስነ ሜላዊ ርክባት ንጥፈታታ ንመንግስታት ዘይኰነ ንሃገራት እያ ኣፍልጦ እትህብ” ነዚ ዝበሉ ናይ ጳጳሳዊ ላተራነንሰ መንበረ ጥበብ ዋና ኣመሓዳሪ ፕሮፈሰር ቪቸንዞ ቡዎንዎሞ ክዀኑ እንከለዉ ክፍለፈጥ ዘለዎ መንግስቲ ዝቀያየር ምዃኑ እዩ፡ መንግስታት ይቀያየሩ እያቶም እቲ ነባሪ ግና ሃገርን ሕዝብን እዩ፡ ምእንቲ’ዚ ኩሉ ስለ ሜላዊ ርክባት ቅድስቲ መንበር ምስ ኩለን ሃገራት ዓለም ብዝፍጠር መንግስቲ ምኽንያት ዝቀያየር ወይ ዝውሰን ኣይኰነን፡ ኣብ ክሌኣዊ ስነ ሜላዊ ርክባት ንጥፈታታ ኣፍልጦ ንሕዝብን ሃገር ምዃኑ ኣብሪሆም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅድስቲ መንበር ኣብ ዝዀነ ይዅን ጉዳይ ሃገራት ኢደ ኣታውነት ዘይትገብር ጥራሕ ዘይኰነስ ነቲ ሰብኣዊ ፍጥረት ዘገድሶን ዝምልከቶን ጸገማት ኩሉ ብቕንዕናን ብትሕትናን ገዛእ ርእሳ ኣተወፍይን ንናይ ነፍሲ ወከፍ ስናይነትን ረብሓን ኣገልግሎት ግድስትን ጽን ባሃሊትን ህውስትን እያ፡ እዚ ኸኣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 7 ጥሪ 2019 ዓ.ም.  ንናይ መላእ ሃገራት ዓለም ልኡካነ መንግስታት ኣብ ቅድስቲ መንበር ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንጉሳዊ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተቐቢሎም ፥ ኣብ መንጐ ሃገራት ምትሕብባርን ዓለም ሓቆፍ ናይ ስነ ርክባት ሜላ እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ብዙሕ ዝደክምን ብብሔርተይናነት ኣዚዩ ዝጥቃዕ ዘሎ መድብለ-ጐናውነት ለበስ ክኸውን ዝብልን፡ ከምኡ እውን ነቲ ግድን ዝዀነ ምልዛብ ብምኽባር  ናይ መላእ ኣህዛብ ረብሓ ምንዳይ ኣገዳሲ እዩ፡ ከምዚ እንተዘይኰነ ሓያል ኣብ ልዕሊ ድኻን ድኹምን ጸቕጢ ክገብርን ጸገማት ኣዚዮም እናገደዱ ክኸዱ እያቶም ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ዝለገስዎ ናይ ርሑስ ሓድሽ ዓመትን ምንዮ ንምግላጽ ዘስምዕዎ መደረ ምልኩት ርእየት ምዃኑ ፕሮፈሰር ቡዎንዎሞ ብዛዕባ እቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና መደረ ኣደጊፎም ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣነጺሮም፡

ናይ ቤተ ርክስቲያን ናጽነትን ናይ ሃይማኖት ናጽነትን

ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ክሌኣዊ ስነ ሜላዊ ርክብ ኣብ ክልተ ረቛሒታት ዝቖመ እዩ፡ እቲ ቀዳማይ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናጽነት ዝብል ክኸውን እንከሎ እቲ ካልእይ ከኣ ናይ ሃይማኖት ናጽነት ዝብል እዩ፡ ይኹን ደኣ እምበር እቲ ኣብ መንጐ ካልኦት ሃገራት ዝጸንዕ ክሌኣዊ ርክብ ኤኮኖሚያዊ ድዩ ባህላውን ዝብል ኣብ ናይ ስነ ርክብ ድዩ ኣብ ዓለም ሓቆፍ ከይዲ ስነ ርክብ ኣብ ናይ ዓለም ሓቆፍ መሰልን ግቡእን ዘሎ ቅድስቲ መንበር ነዚ እውን ተኽብር ምዃና ሓቢሮም።

ሓድሽ ቃል ብስራት ናብ ኩሉ ሕዝቢ ዓለም ምቕራብ

ቅድስቲ መንበር ምስ ዝተፈለላለያ ሃገራት ዘለዎ መንግስታዊ ስነ ርክብ ኣብ ዓለም ናይ ክሌኣዊ ስነ ርክብ ሜላ ታሪኽ እቲ ጥንታውን ቀዳማውን ምዃኑ እዩ ዝንገር። ብፍላይ ከኣ ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዋና ሕንጻ ተረኺቦም ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 1965 ዓ.ም. ዘስምዕዎ መደረ ነቲ ቅድሚ ክልተ ሺሕ ዓመታት ኣቢሉ ዝተበገሰ ሓድሽ ብስራት ቃል ዘቃልሕን ንኹሉ ሕዝቢ ዝብል ምዃኑን እዚ ኸኣ ብክሌኣዊ ስነ ርክባት ሜላ ኣቢላ እትገልጾን ፍሉይ መለለይኣ እውን ምዃኑ ትምስክር።

ዝኽፍል ይኽፍል ምስ ኵል ዘተ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብ ቅድስቲ መንበር ዝርከቡ ናይ ዝተፈላለያ ሃገር ልኡካነ መንግስታት ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ካልእ ዘስመርሉ ሓሳብ ይብሉ ናይ ጳጳሳዊ ላተራነንሰ መንበረ ጥበብ ዋና ኣመሓዳሪ ፕሮፈሰር ቪቸንዞ ቡዎንዎሞ ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ ቀንዲ መጋበርያ ናይ ክሌኣዊ ስነ ርክብ ሜላ ዘተ ምዃኑ ብኣጽንዖት የተሓሳስቡ፡ ዘኽፍል የኽፍል ዘተ፡ ናይ ምርድዳእን ናይ ሓባር ሕንጸት ንሕንጸት መራኸቢ ድልድል ብጀካ ዘተ ካልእ ስሉጡ መጋበርያ የሎን።

ነቶም ዝተናዕቁን ኣብ ጠርዚ ክፍሊ ሕብረተሰብ ንዝርከቡ ቀዳምነት

ካልእ ናይ ቅድስቲ መንበር ክሌኣዊ ናይ ስነ ርክብ ሜላ ዝቐውመሉ መትከል፡ ነቶም ዝተናዕቁን ድኻታትን ኣብ ጠርዚ ክፍለ ሕብረተሰብ ንዝርከቡ ዜጋታት ቀዳምነት ምሃብ ዝብል እዩ፡ ስለዚህ ኣብ ጐደና ምዕባለ ንዝርከባ ድኻታት ሃገራትን ኣብ ድኽነት ዝርከቡ ክፍሊ ሕብረተብን ፍሉይ ቆላሕታ ክግበረሎምን ካብ ሕሩግነት ናጻ ክወጹን ኣበርቲዓ ትዓዩ፡ ሕጽር ብዘበል ኣዘራርባ ናይዚ ክፍሊ ሕብረተሰብ ጠበቓ እትቖመሉ መድረኽ እዩ ምስ በሉ ኣስዒቦም፡ ቤተ ክርስቲያን ብቑምስናታታን ሰበኻታታን ካልኦት ዝተፈላለዩ ተቕዋማታ ቤተ ክርስቲያንን ልኡካነ ወንጌልን ኣቢላ ብዛዕባ ዝዀነ ይዅን ሃገር ዘለዋ ናይ ቀረባ ርድኢት ፍልይ ዘብላን ምሉእ እውን እዩ፡ እዚ ኸኣ ካብ ካልኦት ሃገራት ብልኡካነ መንግስታተን ኣቢለን ካብ ዝረኽበዎ ሓበሬታ ንላዕሊ እዩ ኢሎም።

ምኽባርን ምክንኻንን ሰብኣዊ መስልን ክብርን

ሰብኣዊ ፍጥረት ብኑባሬ ዝተዓደሎ ክብሩ መግለጺ ዝዀነ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ፈጺሙ ከይገሃስን እዚ ናይ ሃይማኖት ናጽነት ዘማእከለን ኤኮኖሚያውን ፖለቲካውን ማሕበራውን መሰልን ክብርን ክገሃስ ከምዘይብሉ ተተሓሳስብ እዚ ሓደ ካብቶም ረቛሒታት ናይ ክሌኣዊ ስነ ርክብ ሜላ ምዃኑ እውን ሓቢሮም። ምስ ናይ ቤተ ክርስቲያን ጸዋዕታ ዘይገራጨው እውን እዩ፡ ናይ ኵሉ ናይ ሃይማኖት ናጽነት ክኽበር ተተሓሳስብ፡ ናይ ውሁዳን ይዅን ናይ ብዙሃን ማንም ሃይማኖት ኣብ ልዕሊ ካልእ ሃይማኖት ጸቕጢ ክኸውን ከምዘይብሉ ተስተምህር፡ ናይ ምእማን ናጽነት፡ ነቲ ዝሰፍሕ ዘሎ ንብጻይካ ዘይምግዳስ ዝብል ባህሊ ንምብዳህ ዝድግፍ እውን እዩ፡ ንኣማኒ ጥራሕ ዘይኰነ ነቲ ዘይኣምን ረብሓ ዘለዎን ኣብ ናይ ሃገር ሰብኣውን ማሕበራውን ምዕባለ እውን ዓቢይ ግደ ከምዝመለዎ የብርሁ።

ቅድስቲ መንበር፡ ሰብኣውነት ሰብ ዘማእከለ ክፉት ዝዀነ ክሌኣዊ ስነ ርክባዊ ሜላ

ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ማሕበረሰብኣዊ ጠመቕ ትምህርቲ ዘይድህስሶን ዘይትንክፎን ሰብኣውን ማሕበራውን ኤክኖሚያውን ሕቶ ብፍጹም የሎን፡ ኵላውነት ባህርይ ዘለዎ እዩ፡ ነዚ ሰብኣውነት ዘማእከለ ማሕብረሰብኣዊ ትምህርታ ኣብ ኵሉ ክሌኣዊ ስነ ርክባታ ትገልጾን ተብርሆን ከም መራሓ ፍኖት እውን ተቕርቦ፡ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ማሕበረሰብኣዊ ጠመቕ ትምህርቲ ንኹሉ ክፉት ሰብኣውነት ዘማእከለ እዩ፡ ስለዚህ ኣብ ዝዀነ ይኹን ሃገር መንግስታት ይቀያየሩ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ክሌኣዊ ስነ ርክብ ሜላ ምስ ሕዝብን ሃገር ስለ ዝዀነ ዘይቀያየርን፡ ምስ ዝኸደ ዝኸይድን ምስ ዝነገሰ ዝነግስ ኣይኰነን፡ ናይ ቤተ ክርስቲያን ህላዌ ኣብ ናይ መንግስታት ምቅይያር ዝውሰን ኣይኰነ ኢሎም።

ከም ኣብነት ሃይቲ

ኵሉ ከምዝዝክሮ ኣብ 1991 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ሃይቲ ዝነበረ መንግስቲ ርእሰ ብሔር ኣሪስቲደ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ብዝፈጸመ ዕልዋ መግንስቲ ካብ ስልጣኑ ምስ ተኣልየ ቅድስቲ መንበር ምስታ ሃገር ክሌኣዊ ስነ ርክባዊ ሜላ ኣየቋረጸትን በንጻሩ ሓድሽ ሓዋርያዊ ልኡኽ እያ ዝለኣኸት፡ ብዙሓት ሃገራት ዓለም ቅድስቲ መንበር ኣብታ ዕልዋ መንግስቲ ብምፍጻን ወተሃደራዊ መንግስቲ ኣብ ዝቖመላ ሃገር ሓዋርያዊ ልኡኻ ትምድብ ዝብል ነቐፌታ ይፍነው ነይሩ እዩ፡ ናይ ቤተ ክርስትያን ናይ ክሌኣዊ ስነ ሜላዊ ርክብ መሰረት ፖለቲካዊ ርእየት ዘለዎ ኣይኰነን፡ ሰብ ዘማእከለ እዩ፡ ሕዝቢ ዘማእከለ እዩ፡  ስለዚህ ብቐጥታ ፖለቲካዊ ረብሓ ዝምልከት ኣይኵነን፡ ስብ ክረብሕን ረባሕ ሰብኣዊ ባህሊ ምስፋሕ ዝብል እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃል መሕትት ዛዚሞም።

ክሌኣዊ ስነ ሜላዊ ርክብ ቅድስቲ መንበር፥ ወትሩ ኣብ ዘተ ንረብሓ ሕዝብታት
15 January 2019, 17:24