2018.12.21-ስብከት ዘመነ ምጽኣት 2018.12.21-ስብከት ዘመነ ምጽኣት 

ኢየሱስ ክርስቶስ ሕያው እግዚአብሔር እዩ! ሰባኬ ቤተ ር.ሊ.ጳ ኣባ ካንታላመሳ

ክትከታተልዎ ከምዝቀነኹም ንመሰናደዊ ልደት ዝኸውን ኣስተንትኖ ብሰባኬ ቤተ ር.ሊ.ጳ ኣባ ካንታላመሳ ዓርቢ ዓርቢ ኣብ ዘመነ ምጽኣት ክቐርብ ዝቐነየ ስብከት ሎሚ ሳልሳይን ናይ መወዳእታን ክፋል ቀሪቡ። ኢየሱስ ክርስቶስ ንሕያው እግዚአብሔር ዝገልጽ ጥራይ ዘይኮነስ ንሱ ንባዕሉ ሕያው እግዚአብሔር እዩ ብዝብል መሪሕ ቃል ከኣ ቀሪቡ።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ኣብ’ቲ ፍጹም ሰብን ፍጹም ኣምላኽን ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘተኮረ ስብከቶም ኣብ ካንታላመሳ ‘ኢየሱስ ክርስቶስ ደቂሰብን እግዚአብሔርን ዝራኸቡሉ ወሳኒ ቦታ እዩ። በዚ መራኸቢ ወይ ቢንቶ ኣቢሉ ከኣ ነቲ ናይ እግዚአብሔር ኣቦ ዘለዓለማውነት ምስ’ቲ ድሩት ግዜ ደቂሰባት የወሃህድ’ እንክብሉ ሳልሳይ ስብከት ዘመነ ምጽኣት ኣብ’ቲ ልሙድ ቦታ ማለት ኣብ ሓዋርያዊ ኣደራሽ መበረ ጴጥሮስ ዝርከብ ቤተ ጸሎት እመ መድኃኒ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ምስ መሳርሕቶም ኣብ ዝተረኽቡሉ ሰቢኾም።

ኣባ ካንታላመሳ ኣተሓሒዞም ‘ኢየሱስ ክርስቶስ እቲ ሕያው እግዚአብሔር እዩ፡ ሕይወቱ ከኣ ስለ ካሕሳ ሓጢኣት ኣዳምን ስለ ፍቅሪ ኩሎም ደቂ ሰባትን ኣወፍዩ። ነዚ ንኩሎም ደቂሰባት ብዘይ ሌላን ጉሌላን እዩ ኣወፍዩ፣ ካብ ኩሎም ደቂሰባት ከኣ ነዚ ወፈያ እዚ ተቀቢሎም ንዝጸደቁ እግዚአብሔር ይቅበሎም ኢሎም።

እግዚአብሔር ንጻድቃን ይቅበል!

ሰባኬ ቤተ ር.ሊ.ጳ ወፈያ ኢየሱስ ክርስቶስን ግልጸቱን ብብዙሕ መንገዲ እኳ ክረኤ ዚከኣል እንተኾነ ከምቲ ዮሓንስ ወንጌላዊ ዝብሎ ኣብቶም ናቱ መጸ ንሶም ግን ኣይተቀበልዎን ካብ ዝብል ጀሚርካ ዝቅብልዎን ዘይቅበልዎን ከምዘለው ንምምልካት ‘ከጨንቀና ዘለዎስ ድሕነት ናይቶም ጌና ዘይፈለጥዎን ዘይተቀበልዎን ዘይኮነስ ናይ ቶም ዝፈልጥዎ እሞ ንሱ ከምዘይመጸን ከምዘይፈልጥዎን ኮይኖም ዝነብሩ ዘለው ብዛዕባ ጥምቀቶም ፈጺሞ ዝረስዑ ንቤተክርስትያንን ንዝኾነ ናይ ሃይማኖት ጉዳይን ጓኖት ዝኾኑ ደቅና እዩ። እምበር ኣብቶም ናይ ቀዳሞት ድሕነትነስ ባዕሉ ቅዱስ መጽሓፍ እግዚአብሔር ሌላን ጉሌላን ኣይገብርን እዩ ንእግዚአብሔር ንዝፈርሕን ጽድቂ ንዝገብርን ኩሉ ካብ ዝኾነ ሃገር ይምጻእ ይቅበሎ እዩ ቢሉ የረጋግጸልና’ ኢሎም።

ትሕትና እግዚአብሔር!

እግዚኣብሔር ዘወፈየልና ድሕነት ከስ ንኩሉ ዝኸውን እዩ። እግዚአብሔር ኩሎም ደቂሰባት ክድሕኑ እዩ ዝደሊ። እግዚአብሔር ክፈጥር እንከሎ ብዓቢ ትሕትና እዩ ገርዎ። ከምቲ ንሕና ደቂ ሰባት እንገብሮ ነዚ ኣነ ገረዮ ነዚ ኣነ ፈጢረዮ ዝብል መፈለጥታ ኣይልጥፈሉን። ኩሎም ባዕሎም ክርድእዎን ክፈልጥዎን ንፍጡራት ገዲፍዎ።

ብመንፈስ ቅዱስ ኢየሱስ ንእግዚአብሔር ኣቦ ይገልጸልና!

ኣብ ሕይወት ክርስትና ብዛዕባ ገዛእ ርእስናስ ይኹን ብዛዕባ እግዚኣብሔር ቊሩብ ኣፍልጦ ክህልወና ሒዅ ንብል። ነዚ መሠረቱን ምንጩን ክኸውን ዘለዎ መን ምዃኑ ንምሕባር ኣባ ካንታላመሳ ‘ዝኾነ ቅርዑይ ትምህርቲ ንባበ መለኮት ክርስትና ዝውለደሉን ዝምዕብለሉን ሕይወት ክርስትና ካብ መንፈስ ቅዱስ እዩ። ብመንፈስ ቅዱስ ገሩ ገና ንእግዚአብሔር ኣቦ ኣብ ምግላጽ ዝዋሳእ ዘሎ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ ከመይ መንፈስ ቅዱስ ናይ’ቲ ካብ ምውታን ተፈልዩ ዝተንሰኤ ክርስቶስ ኮይኑ ነቲ ኢየሱስ ኣብ ምድሪ ዝጀመሮ ሥራሕ ይቅጽሎን የማዕብሎን ኣሎ። ሕያው እግዚኣብሔር ከስ ብመንጽር ኣማልኽቲ ጣዖት ንመንፈስ ቅዱስን ንእስትንፋሱን ዘስተንፍስ እዩ። መንፈስ ቅዱስ ኣብ ታሪኽ ናይ’ቲ ካብ ሙታን ዝተንሠኤ ክርስቶስ እስትንፋስ ኮይኑ ይቅጽል ኣሎ።

እግዚአብሔር ብሓቂ ኣሎ!

እቲ ናይ ሕያው እግዚኣብሔር መንፈስ ከስ ኣብ መዓሙቚ ልቢ ደቂሰባት ናይ ጸጋ ኩነት ፈጢሩ ሓደ መዓልቲ ነቲ ዝለዓለ ብርሃን ከምዝረክብ ይገብር። በዚ ከኣ እግዚአብሔር ብሓቂ ከምዘሎን ሕያው ከምዝኾነን ይግለጸሉ። እንተ እቶም ንእግዚአብሔር ኣብ ካልእ ነገራት ሃሰው ዝብሉ ግን ማለት ኣብ ጽሑፋትን ፍልስፍናታትን ኣተሓሳስባ ደቂ ሰባትን ሃሰው ንዝብሉ ግን ኣብ ግዜ ትንሣኤ ሙታን እቲ መልኣኽ ነተን ኣንስቲ ዝበሎ መልእኽቲ ክንደግመሎም የድሊ እዚ ከኣ ኣትን ኣንስቲ ‘ከመይ ኢልክን ኢኽን ነቲ ሕያው ኣብ ማእከል ሙታን ተናድያኦ ዘሎኽን’ እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
21 December 2018, 12:30