ድሕረ ባዕዳዊ መግዛእቲ ድኽነት ኣብ ኣፍሪቃን ኣፍሪቃውያን ንሓድሽ ግሊያነትን ድሕረ ባዕዳዊ መግዛእቲ ድኽነት ኣብ ኣፍሪቃን ኣፍሪቃውያን ንሓድሽ ግሊያነትን  

ድሕረ ባዕዳዊ መግዛእቲ ድኽነት ኣብ ኣፍሪቃን ኣፍሪቃውያን ንሓድሽ ግሊያነትን

ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ ፍጥረት ዝወርድ ዘሎ ሓደጋ ተሓተትቲ ንፍርዲ ንምቕራብ ዘኽእል ከቢድ ናይ መቕጽዒ ሕጊ ብብሔራውን ዓለም ለኻውን ደረጃ ክህሉን ዓለም ሓቆፍ ምትሕብባር ሓይሊ ጸጥታን ኣባይቲ ፍርድን ወሳኒ እዩ

ጳጳሳዊ ናይ ስነ ምርምር ተቕዋም ዘሰናደዎ ዕለት 12 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም. ዝተኸፍተ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ብዛዕባ ናይ ገበን ጉጅለታት ዘካይድዎ ንግድ ሰብ ንምውጋእ ዝመክር ኣፍሪቃውያን ደቀንስትዮ ደያኑን ዓቃቤ ደያኑን ኣሳቲፉ ደቀንስትዮ ኣፍሪቃውያን ኣደዳ ንግድ ሰብ ኣብ ዝብል ሓሳብ ኣማእኪሉ ዝተካየደ ዓመታዊ ዓውደ ጉባኤ ዕለት 14 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም. ተዛዚሙ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ጳጳሳዊ ናይ ስነ ምርምር ተቕዋም ዘዳለዎ ዛዕባ ንግድ ሰብ ዘማእከለ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተዋጽኣ ደናይኑን ዓቃቢ ደያኑን ብጠቕላላ ልዕሊ 50 ካብ ዝተፈላያ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተዋጽኣ ደቀንስትዮ ኣኽበርቲ ሕጊ ዘሳተፈ ዓውደ ጉባኤ፡ ጓለንስተይቲ ብዛዕባ ሕይወትን ሰብኣዊ ፍጥረትን ዘለዋ ኣመለኻኽታን ብዛዕባ ስቓይን ብዛዕባ ሕግን ፍትሕን ምትሕብባርን ጉዳይ እውን ጥንቁቕን ልዑልን ክኸውን እንከሎ፡ ነዚ ዓቢይ ግምት ብምሃብ፥ ደያኑ ኣፍሪቃ ብዛዕባ ንግድ ሰብን ናይ ገበን ጉጅለታትን ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ሰፊሕ ምይይጥ ከምዘካየዳ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ኣድሪያና ማሶቲን ሊንዳ ቦርዶኒን ካብ ዘመሓላለፈኦ ሓበሬታ ክፍለጥ እንከሎ፡ ደቀ ንስትዮ ኣፍሪቃውያን ይዅና ዘይኣፍርቃውያን ካብቲ ልዑል ሰብኣዊ ክብር ዘሕስር ናይ ገበን ጉጅለታት ንመደለቢ ሃብቲ ገንዘብ ዝጥቀምሉ ጸያፍ ተግባር መጋበሪያ ፍትወተ ስጋ ንኽላቀቓ ዝተፈላለየ ጐስጓስን ዘካይዳን ብዙሓት ደቀንስትዮ ዘድሓናን ኣባልማሕበር ደናግል ኮንሶላታ ኢጣሊያዊት እናቴ ኤውጀኢያ ቦነቲ ከምተዓዛቢት እውን ከምእተሳተፋ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። 

ንግድ ውሳጣዊ ኣካል ሰነብነት ምስፋሕ ኣብ ኣፍሪቃ

እናቴ ቦነቲ ብዛዕባ እቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ኣመልኪተ፡ ቅድም ቀዳድም እወታዊ ምንባሩን ነቲ ሕጻናትን ገዛእ ርእሶም ንምክልኻል ዓቕምን ብቕዓትን ንዘይብሎም ኣፍሪቃውን ብናይ ገበን ጉጅለታት ተገዲዶም ንዝተፈላለዩ ጸረ ሰብኣዊ ክብሪ ዝቃልዑ፡ ናይ ህብረ ኢዳስትሪታትን ናይ ገበን ጉጅለታት ህርፋን ንምድላብ ብሃብቲ ገንዘብን መርወዪ ንኽዀኑ፡ ካብቲ ዝወደቕሉ ሓድሽ ግሊያነት ንኽላቀቑን ነቶም ሰብኣዊ ክብሪ ብዘሕስር ክሳብ ሞት ንዘብጽሕ ዘስካሕክሕ ተግባር መጋብርያ ንኽዀኑ ዝሽየጡን ዝልወጡ ንምድሓንን ተሓተትቲ ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ብምክትታል ንፍርዲ ንምቕራብ ዝግበር ጻዕሪ ካብቲ ዘለዎ ብዝለዓለ ደረጃ ተበራቲዑ ክቕጽል ኣለዎ ቢለን፡ ኣብ ኣፍሪቃ ዘይሕጋዊ ንግድ ውስጠ ሰብኣዊ ኣካል ሰብ ይሰፍሕ ኣሎ ኢለን፡ ሓንቲ ነፍሰ ጹር ኣደ ኣብ ቤት ሕክምና ክትሓርስ ምስ እትኸይድ ድሕሪ ሕርሲ እቲ ሕጻን ሙት ኰይኑ እዩ ተወሊዱ ዝብል ናይ ሓሰት ጸብጻብ ሓኪም ዝወሃበን ኣዴታት ውሑዳት ኣይኰናን፡ ድሮ እቲ ሕጻን ንንግድ ውስጠ ኣካል ሰብ ክውዕል ተሸይጡ እዩ፡ ስለዚህ እዚ ዓቢይ ገበን ክትትል ዘድልዮ ጸረ ሰብኣዊ ተግባር ምዃኑ ይገልጻ። እቲ ዓውደ ጉባኤ ኣዴታት ኣፍሪቃ ፍትሒ ክረኽባ ዝብለ እውን ምዃኑ ምስ ቫቲካን ነውስ ኣብ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት ሓቢረን።

ከምዚ ዝኣመሰለ ዓውደ ጉባኤ ኣገዳስን ወሳንን ኣዩ ኣብ ቃልሲ ጸረ ናይ ገበን ጉጅለታት

ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ዝተሳተፋ ናይጀሪያዊት ናይ ናይጀሪያ ላዕለዋይ ፈደራላዊ ቤት ፍርዲ ዳይና ሰሲሊያ ኦላቶረጉን ምስ ቫቲካን ነውስ ኣብ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት፥ ንግድ ሰብ ኣብ እንነብረሉ ዓለም ፍልይ ብዝበለን ነቲ እዋናዊ ስልጡን ዝዀነ ብስነ ኣሃዝ ዝተራቐ መራኸቢ ብዙሃን ዝጥቀም እዩ፡ ናይጀሪያ ንኣብነት ይብላ፡ በዚ ዓይነት ሓደጋ ንግድ ሰብ ኣዚየን ካብ እተጠቕዓ ሃገራት ዓለም እያ፡ ብዙሓት ናይ ገበን ጉጅለታት ንዝተፈላለዩ ጸረ ሰበኣውን ጸያፍን መጋበርያ ዝዀና ደቀንስትዮን ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን ብዝተፈላለየ መገዲ ናብ ኤውሮጳ ንክወጹ ከምዘሰጋግሩን፡ ነቶም ዝስደዱ ስራሕ ክትረኽቡ ኢዅም ብዝብል ምስምስ ናብ ኤውሮጳ የብጽሑን ኣብ ኤወሮጳ ምስ ኣተዉ ዝቕበልዎም ናይ ገብን ጉጅለታት እያቶም፡ ስለዚህ እዚ ዓይነት ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ ፍጥረት ዝወርድ ዘሎ ሓደጋ ተሓተትቲ ንፍርዲ ንምቕራብ ዘኽእል ከቢድ ናይ መቕጽዒ ሕጊ ብብሔራውን ዓለም ለኻውን ደረጃ ክህሉን ዓለም ሓቆፍ ምትሕብባር ሓይሊ ጸጥታን ኣባይቲ ፍርድን ወሳኒ እዩ ኢለን።

ንግድ ሰብ፥ ክብሪ ሰብ ዘጽንት ገበን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቅድም ክብል እውን በነዲክቶስ መበል 16 ንግድ ሰብ ጸረ ሰብኣዊ ገበን እዩ፡ እዚ ኸኣ ሰብኣዊ ፍጥረት ዝንጽልን ክብሩ ዘሕስርን ናብ ግኡዝነት ዝቕይር ምዃኑ የተሓሳስቡ፡ ኣካላውን ስነ ኣእምሮኣውን መግረፍትን ዓመጽን ናይ ወሲብ ዓመጽን ንግድ ናይ ሰብነት ውሳጣዊ ኣካልን ኵለ መዳያዊ ምዝመዛን ዝኣመሰሉ ጸረ ሰብኣውያን ተግባራት ንምውጋድ፡ ይብሉ ብፁዕ ኣቡነ ሶሮንዶ ናይ ጳጳሳዊ ናይ ስነ ምርምር ተቕዋም ዋና ኣመሓዳሪ እውን ብውገኖም ስም ቫቲካን ነውስ ኣብ ዘካየድዎ ቃለመሕትት፡፥ ናይ ኩሉ ምትሕብባር ይሓትት፡ ብዙሓት ደቀንስትዮ ማእለያ ንዘይብሉ ጸገማትን ኢሰብኣዊ ተግባራትን ክቃልዓን መጋበሪያ ሩካቤ ንኽዀና ምድራኽ ኣብ ልዕሊ ፍቕሪ ዝፍጸም ክሕደት እዩ፡ እዚ ክሕደት’ዚ ካብ ሕልፈት ዝገደደ እዩ ኢሎም።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኣደዳ ንግድ ሰብ ዜጋታት ናይ ደያኑ ህርኩት ጻዕሪ ማእከል ክዀኑ

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ወርሒ ጥሪ 2016 ዓ.ም. ኣብቲ እዋን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተኻይዱ ኣብ ዝነበረ ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ጸረ ንግድ ሰብ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ደያኑ ኣብ ዕዮኦም ነቶም ኣደዳ ንግድ ሰብ ዝዀኑ ዜጋታት ቆላሕታ ክገብሩ እንክብሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ካብቲ መጻወዲያ ጊልያነት ተላቒቖም ምስ ሕብረተሰብ ተወሃሂዶም ክብሮም መሰሎም ተሓልዩ ከንብሮም ዘኽእሎም ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ሕንጸት ክረኽቡ ይግባእ፡ ደቀንስትዮ ካብቲ ሓድሽ ጊልያነት ክላቐቓ ኩሉ በቢ ዘለዎ ሓላፍነት ክነጥፍ እውን ኣተሓሳሲቦም ከምዝነበሩ ዘኪሮም፡ ኣብ ዓመት 50 ሚሊዮን ደቀንስትዮ ኣደዳ ንግድ ሰብ ከምዝዀናን ብፍላይ እቲ ዝለዓለ ሚእታዊ ኣብ ክፍሊ ዓለም ኣፍሪቃ ዝረኣይ እዩ ይብሉ።

እቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ፥ መንእሰይ ኣፍሪቃ ብዛዕባ ንግድ ሰብን ናይ ገበን ጉጅለታን ዝምልከት ሓበሬታ ክህልዎን ብዛዕባ እዚ ጉዳይ’ዚ ካብ ኣባይቲ ትምህርቲ ጀሚሩ ኣፍልጦ ክረብን ናይ ሃገሩን ናይ ገዛእ ርእሱን መጻኢ ቀንደይና ተዋሳኢ ክኸውን ክድገፍ ኣለዎ ዝብል ሓሳብ እውን ከምዘቕረበ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ሊንዳ ቦርዶኒ ሓቢረን። 

17 December 2018, 13:59