ድለ

ካርዲናል ፓሮሊን፥ ከባቢ ኣየር ኣብ ስነ ምግባርን ክብርን ኣብ ምዕዳወ መጻእን ክቐውም የተሓሳስቡ ካርዲናል ፓሮሊን፥ ከባቢ ኣየር ኣብ ስነ ምግባርን ክብርን ኣብ ምዕዳወ መጻእን ክቐውም የተሓሳስቡ 

ካርዲናል ፓሮሊን፥ ከባቢ ኣየር ኣብ ስነ ምግባርን ክብርን ኣብ ምዕዳወ መጻእን ክቐውም የተሓሳስቡ

ነቲ ናይ ፓሪስ ስምምዕ ንምትግባር ዘኽእል ባይታ ንምፍጣር ኣሚቱ ዝካየድ ዘሎ ምይይጥ፥ እቲ ክሳብ ሕጂ ነቲ ኣብ ዓለም ተኸሲቱ ዘሎ ምቅይያራት ከባቢ ኣየር ንምብዳሕ ኣገዳስን ሕጹጽን ምዃኑ መንጐ-መንግስታዊ ርክባት ዝሕብሮ እዩ፡

ኣብ ፖላንድ ዛዕባ ከባቢ ኣየር ዝዝትይ ናይ ውዱብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም፥ ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ጉጅለ 24 ለምዘበን ካብ ዕለት 3 ታሕሳስ ክሳብ ዕለት 14 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም. ኣብ ፖላንድ ርእሰ ከተማ ክራኮቪያ ብሸነኽ ምስራቕ ኣብ ክፍለ ሃገር ስለዚያ ኣብ እትርከብ ከተማ ካቶዊዘ ይካየድ ምህላዉ ክፍለጥ እንከሎ ኣብቲ ዋዕላ ናይ ቅድስቲ መንበር ልኡካን መሪሖም ዝሳተፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ዕለት 3 ታሕሳስ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ እዚ ተቕዋማዊ መምርሕታትን መሳለጢያ ኣገባባትን ንምሕንጻጽ ዘብቅዕ ነቲ ናይ ፓሪስ ዛዕባ ምቅይያር ከባቢ ዓየር ስምምዕ ዘተግባር ናይ ሓባር ዓለም ሓቆፋዊ መርሓ ፍኖት ንምቕራብ ኣሚቱ ዝካየድ ዘሎ ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ንተጋባእያን ናይ ቅዱስ ኣቦና ሰላምታን ምንዮት ዕውት ውጽኢትን ቅርበቶምን ኣረጋጊጾም፡ እዚ ነቲ ናይ ፓሪስ ስምምዕ ንምትግባር ዘኽእል ባይታ ንምፍጣር ኣሚቱ ዝካየድ ዘሎ ምይይጥ፥ እቲ ክሳብ ሕጂ ነቲ ኣብ ዓለም ተኸሲቱ ዘሎ ምቅይያራት ከባቢ ኣየር ንምብዳሕ ኣገዳስን ሕጹጽን ምዃኑ መንጐ-መንግስታዊ ርክባት ዝሕብሮ እዩ፡ ስለዚህ ይብሉ ብፁዕነቶም፡ እቲ ናይ ፓሪስ ዋዕላ ነቲ ኣብ ከባቢ ኣየር ዝኽሰት ዘሎ ምቅይያራት ዝግ ንምባልን ንምቁጽጻሩን ዘኽእል ክትግበሩ ቢሉ ዝሓንጸጾ መደባትን ክብጽሑ ቢሉ ዘንበሮም ሸቶታት ኣሚትካ ዝግበር ጻዕሪ ብቑዕ ከምዘይኰነ የመላኽቱ፡ ስለዚህ ነዚ ዘይብቁዕነት ንምብዳህ ግልጽን ንነዊሕ ዝጥምት ብርቱዕ ፖለቲካዊ ድላይ ኣገዳሲ እዩ ኢሎም።

ናይ ዕዮ መርሓ ግብሪ ዓንድታት

ክቐርብ ዝግብኦ ሕቶ እምበኣር ከስ፡ እቲ ኣብ ከባቢ ኣየር ዝኽሰት ብከላን ነዚ ስዒቡ ዝፍጠሩ ምቅይያራት ንምውጋድ ብሓቂ ብቑዕ ፖለቲካዊ ድላይ ኣሎ ዶ ዝብል እዩ፡ ቅድስቲ መንበር እቲ ብከላ ከባቢ ኣየር ንምንካይ ዝግበር ናይ ዕዮ መርሓ ግብሪ ምቛም ይግባእ እትቦሎም ሰለስተ ዓድታት ተመላኽት፡ ስለዚህ ግልጺ ዝዀነ ስነ ምግባራዊ መሰረትን ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ናይ ምንቅቓሕ ጻዕርን ድኽነት ንምውጋድን እዚ ኸኣ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ምዕባለ ብምንቕቃሕ ንሎምን ንጽባሕን ግዱስ ዝዀነ ትኵር ማዕቅን ምድላውን ዝብሉ ተመላኽት ቢሎም፡

ናይ ስራሕ ዕድል

ኣብቲ ናይ ዕዮ መርሓ ግብር ሓድሽ ዓይነት ናይ ኣህላኽነትን ኣገባባትን ተቐባልነት ዘለዎ ናይ ምህርቲ ፖሊቲካን ምክልኻል ምጽንጻንን ምግባረ ብልሽውናን ናይ ከባቢ ሕዝብታት ንጥፉ ሱታፌ ምትብባዕን ዝብሉ መደባት  ምስዃዕ ኣገዳሲ ይኸውን፡ ናይ ሰብኣዊ ክብርን መሰልን ምኽባርን ማሕበራዊ ምክልኻልን ድኽነት ምውጋድን ብፍላይ ከኣ ነቶም በቲ ዝኽሰት ዘሎ ምቅይያር ከባቢ ኣየር ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ብቕዓት ንዘይብሎም ቆላሕታ ምግባር ዝብሉ ጉዳያት ግምት ምሃብ ነቲ ናይ ፓሪስ ስምምዕ ናብ ግብሪ ንምውዓል ዝግበር ጻዕሪ ዓቢይ ደገፍ ካብ ምዃን ሓላፊ ጻዕርታት ኩሉ ስሉጥ ክኸውን ዝድርኽ እውን ምዃኑ ገሊጾም፡ ኣብዚ ከይዲ’ዚ ሓበሬታን ሕንጸትን ምትሕብባርን ኣገዳሲ ይኸውን፡ ስነ ምግባራዊ ማዕቅፍን ማዕርነትን ማሕበራዊ ፍትሕን ተግባራት ኣውን ልዑል ኣገዳስነት ኣለዎ ይብሉ።

ናይ ሕዝቢ ድምጺ

ነኣሽቱ ናይ ከባቢ ትካላትን ኣዋፈርቲ ሃብቲ ገንዘብን ናይ ስነ ምርምር ማሕበረሰብን በርገሳዊ ማሕበረሰብን ናይ ብሰንኪ ምቅይያር ናይ ከባቢ ኣየር ድምጹ ከስምዕ ናይ ዝደሊ ህዝቢ ድምጺ ብምዃን ናይ ፖለቲካ ስልጣናት ቅኑዕን ንነዊሕ ዝጠመተ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብታ ይሴባሕ ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም ዝብልዎ፡ ንሕይወት ዝግባእ ኩነት ኣብ እንነብረሉ መሬት ንምፍጣር ዝሕግዝ ብቑዕ ውሳኔ ንኸመሓላልፉ ኣብ ሓላፍነቶም ክነቓቕሑ ኣለዎም እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ካርዲናል ፓሮሊን፥ ከባቢ ኣየር ኣብ ስነ ምግባርን ክብርን ኣብ ምዕዳወ መጻእን ክቐውም የተሓሳስቡ
05 December 2018, 16:23