ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፍ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ዒራቕ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፍ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ዒራቕ 

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፍ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ዒራቕ

“ብውልቅን ብማሕበርን፡ ክርስቲያንን ኣስላምን እቲ ናይ ፍርሒ ጸልማትን ትርጉም ኣልቦነትን ኣልቦ ሓላፍነትን ናይ ጽልእ ቋንቋን ዝቕንጥጥ ብርሃን ከብርሁን፡ ናይ ሰላምን ሓቅን ፍትሕን ነጻነትን ፍቕርን ዘርኢ ክዘርኡ ዝተጸውዑ እያቶም”

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ዕለት 28 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም. ዝዛዘም ካብ ዕለት 24 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም. ዝጀመርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣብ ዒራቕ ይቕጽል ከዘሎን፡ ብበዓለ ልደት ምኽንያ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ንማሕበረ ክርስቲያን ዒራቕን ንውሉደ ክህነትን ጳጳሳትን ወንጌል ናይ ተስፋን ሰላምን መልእኽቲ እዩ ዝብል ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መልእኽትን ሰላምታን ከምዘብጽሑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ብፁዕ ካርዲና ፓሮሊን ኣብ ዒራቅ ምስ ናይ ምስራቕ ኣቢያተ ክርስቲያን መንፈሳዊ መራሕቲ ይራኸቡ ከምዘለዉን ክሕበር እንከሎ፡ ብፁዕነቶም ኣብ ዒራቕ ርእሰ ከተማ ባቕዳድ ምስ በጽሑ ኣብ ናይ ዒራቕ ቤተ መንግስቲ ምስ መራሔ መንግስቲ ኣዲል ኣቡድ ማዲ ክሌኣዊ ርክብ ከምዘካየዱን፡ ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ናይ ሶሪያ ስርዓት ናይ እትኽተል ምስራቓዊት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እመ መድሃኔ ዓለም ምብጻሕ ኣካይዶም፡ ኣብ ስነ ስርዓት ሊጡርጊያ ዘብርሃን ተሳቲፎም ምስ ኣብቅዑ ናብ ቅዱስ ዮሴፍ ቤተ ክርስቲያን ብምኻድ ድሕሪ ዘካየድዎ ምብጻሕ ብናይ ባቢሎን ናይ ከለዳዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓሪያርክ ብፁዕ ካርዲናል ልዊስ ራፋኤለ ሳኮ ቀዳማዊ ተሰንዮም ብምኽንያት ዓቢይ በዓል ልደት ዘእግዚእነ ኣብ ካቴድራል ባቕዳድ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዘዕረጉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

መልእኽቲ ልደት ንዒራቕ

“ብውልቅን ብማሕበርን፡ ክርስቲያንን ኣስላምን እቲ ናይ ፍርሒ ጸልማትን ትርጉም ኣልቦነትን ኣልቦ ሓላፍነትን ናይ ጽልእ ቋንቋን ዝቕንጥጥ ብርሃን ከብርሁን፡ ናይ ሰላምን ሓቅን ፍትሕን ነጻነትን ፍቕርን ዘርኢ ክዘርኡ ዝተጸውዑ እያቶም” ነዚ ዝበሉ ብፁዕነቶም ኣብ ቤተ መንግስቲ ምስ ናይ ዒራቕ መራሔ መንግስቲ ኣዲል ኣብዱል ማሕዲን ምስ ናይታ ሃገር ላዕለዎት ናይ መንግስቲ ኣካላትን ተራኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብቲ ዘካየድዎ ክሌኣዊ ርክብ ካብ ቅዱስ ኣቦና ንፍቑር ህዝቢ ዒራቕ ዝተመሓላለፈ መልእኽቲ ኣቕሪቦም፥ ኩሉ ክንየው ከከም ናይ ኣጋጣሚ ናይ ባህልን ቋንቋን ሃይማኖትን ፍልልያቱ ከም ንሱነቱን ምቕባል እምበር እቲ ዘሎ ፍልልይ ምኽንያ ሓድ ሕዳዊ ተጻብኦነትን ዓመጽን ግጭትን ክኸውን የብሉን፡ ስለዚ ፍልልያትና ሓድ ሕዳዊ ርክባት ንሓድ ሕድና ዘሀብትም እዩ ከምዝበሉ ዝሓበረ ናይ ቅድቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥

ሊጡርጊያ በዓለ ልደት ኣብ ናይ ሶሪያ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን

ካርዲናል ፓሮሊን ነቲ ኣብታ ናይ ሶሪያ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝተኻየደ ብርሃን ናይ ምውላዕ ሊጡርጊያ ምስ ተሳተፉ ንምእመና ኣብ ዝለገስዎ ቃል፡

ናትኩም ክርስቲያን ህላዌ ኣብ ሃገርኩም ናይ እምነትኩምን ጽንዓትኩምን ፍቕሪ ኣብ ልዕሊ ጽልእ ሰዓሪ ምዃኑ ዝገልጽ ትእምርቲ እዩ፡ እቲ ዘጸናንዕን ሓይሊ ንሕዝቢ ዝጽግው እግዚኣብሔር ኣብ ሕይወትኩም ከምእተቐበልኩምዎ ዝምስክር እዩ”  

ከምዝበሉ የዘኻኽር።

ኣብ ከለዳዊ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን

ንምሸቱ ብፁዕነቶም ባቕዳድ ካቴድራል ቅዱስ ዮሴፍ ተረኺቦም ኣብ ዋዜማ በዓለ ልደት ዘእግዚእነ ብብፁዕ ካርዲናል ልዊስ ራፋኤለ ሳኮ ቀዳማዊ ተዓጂቦም ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፡ ናይ በዓለ ልደት ምንባብ ቅዱስ መጽሓፍ እዋናውን ምስቲ ህዝቢ ዒራቕ ዝነብሮ ዕለታዊ መነባብሮ ዝራኸብን ህዝቢ ምስ ዝነብሮ ሕይወት ጥሙር ምዃኑ ገሊጾም፡ ናይቲ ነቒሑ ምጽኣት ጐይታ ዝጽበይ ህዝቢ ተመክሮ ብጭቡጥ እንታይን ከመይን ከምዝመስል ዝምስክር እዩ፡ ኣብዚ ጽንኩር እዋን ህዝቢ ዒራቕ ብከቢድ ስቃይን ሽግርን ኣብ ዝፍተነሉ ዘሎ እዋን ተስፋ ከይቆረጸ ነቒሑ ነቲ ብእግዚኣብሔር ዝተፈጸመ ዝኣተዎ ቃል ዝጽበይ ምዃኑ ከምዘረጋገጸን ነቲ ዝለዎ ጽንዓት እምነቱ ገሊጾም፡ ጽልእን ዘይምርድዳእን ኩሉ ምስ ዝስገር ካብቲ ዝፈላልይ እቲ ዝተሓባብር ኣዚዩ ብርቱዕ ምዃኑ ንምስክር ቢሎም፡ “ስለ ምስክርነትኩምን ስለ እቲ ህያው ጽንዓት እምነትኩም ኣብነት ንመላእ ማሕበረ ክርስቲያን ዓለም ብምዃንኩም ነመስግን፡ ጽኑዓት ክርስቲያን ምኽንያት ምስጋናን ውዳሴን እዩ፡ ኣብ እምነትን ፍቕርን እትነብርዎ ጽንዓት ይቐጽል ኣብ ምጽናዕኩም ጽንዑ፡ ዕለት ብዕለት ሕውነትን ሰላምን ኣብ ምህናጽ እተርእውዮ ትጉህነት ብብርሃን እቲ ስሌና ንምድሓናን ብዝተወልደ ሕንጻነ ኢየሱስ ይበርትዕ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

መደብ ድሕነት ኣምላኽ ሎሚ እውን ኣብ ታሪኽ መላእ ዓለም ቀጻልነቱ በቲ ሕዝቢ ዒራቕ ዝነብሮ ዘሎ ዕለታዊ ሕይወት ይግለጽ፡ እግዚኣብሔር እሙን ምዃኑን ንደቁ ኣብ ስቓይን መከራን ዘይሓድግ ከምዝዀነ በዓለ ልደት የረጋግጸልና፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ቀረባኹምን ወትሩ ኣብ ጸሎቶም ህልዋት ምዃንኩም ከረጋግጸልኩም እፈቱ እንክብሉ ዝለገስዎ ስብከት ከምዘጠቓለሉ መግለጺ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ሓቢሩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፥ ናይ ባቕዳድ ተሓባባሪ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ሽለሞን ዋርዱኒ፡ ምብጻሕ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ንማሕበረ ክርስቲያን ጥራሕ ዘይኰነ ንመላእ ሕዝቢ ዒራቕ ዓቢይ ሓጐስ እዩ፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከብጽሑና ተስፋና እነንብረሉ ምብጻሕ እዩ እንክብሉ ምስ ቫቲካን ኣገግሎት ዜና ብስልኪ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም።

ዕለት 26 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም. ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ኣብ ክፍለ ሃገር ርእሰ ምምሕዳ ዒራቓዊ ኩርድስታን ምብጻሕ ኣካይዶም ኣብ ከተማ ኤርቢል ምስ ናይቲ ከባቢ ናይ መንግስቲ ኣካላትን ተራኺቦም ኣብ ሰጣሕ ጐልጐል ነነዌ ተራኺቦም ኣብ ከተማ ቃራቆሽ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዘዕረጉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተን መግለጺ የመላኽት።

ብፁዕ ኣቡነ ዋርዱኒ ምስ ቫቲካን ኣገልግሎ ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ህልው ኩነታት ማእከላይ ምብራቕ ነቲ ጥንታውን ኣካል ማእከላይ ምብራቕ ዝዀነ ማሕበረ ክርስቲያን ሕይወት ተስፋ ዘቝርጽ እናዀነ እቲ ከባቢ ብዘይ ማሕበረ ክርስቲያን ክተርፍ ዝድርኹ ዝተፈላለዩ ጸገማት ዝረኣየሉ ኰይኑ ከምዘሎ ገሊጾም፡ ኣስታት ሓደ ሚሊዮን ዝግመት ክፍሊ ማሕበረ ክርስቲያን ዒራቕ ካብ ሃገሩ ተሰዲዱ ይርከብ ኣሎ ቢሎም፡ ካብ ማእከላይ ምብራቕ ማሕበረ ክርስቲያን ክወጽእ ዝግበር ዘሎ ጸረ ማሕበረ ክርስቲያንን ጸረ ሰላማዊ ማሕበራዊ ናብራን ተግባራ ኣውጊዞም፡ እዚ ዅሉ ጸገም ከምዘሎ ኰይኑ እቲ ኣብ ምእከላይ ብምራቕ ዝርከብ ማሕበረ ክርስቲያን ሎሚ እውን እምነቱ ኣብ ጐይታ ኢየሱስ ኣጽኒዑ ካብኡ ኣብ ሃገሩ ንኽተርፍ ዘብቅዖ ሓይሊ እናረኸብር ሰላምን ፍቕርን ሕውነትን ኣብ ምሕናጽ ይርከብ ኣሎ ኢሎም።

ሰላም ክረጋገጽን ቅዱስ ኣቦና ክበጽሑናን ጸሎና እዩ

ኣብዚ ብውግእን ወረ ውግእን ስቐይን ካብ እግዚኣሔር ምርሓቅ ዝብል ዓይነት ባህልን ኣነባራን ዝረኣየሉን፡ ሃብቲ ገንዘብ ዘምልኽ ባህልን ኣብ ዝሰፍሓሉ ዘሎ ዓለም ሕጻን ኢየሱስ ልቢ ሰብኣዊ ፍጥረት ክትንክፍ ፍቕሪ ኣብ ልዕሊ ጽልእ ክነግስን ጸሎትም ምዃኑ ገሊጾም፡ ኣብ ዒራቕ ኩነታት ክመሓየሽ ዝተፈጸሙን ዝሳለጡ ዘለዉ ጻዕርታት ሓቢሮም፡ ኩነታት ይመሓየሽ እውን ኣሎ ቢሎም፡ ብሓባር ምስ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ንጽልን ካብኦም ቡራኬ ቅዱስ ኣቦናን ንቕበል ቢሎም ቅዱስ ኣቦና ክበጽሑና ተስፋ እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ ምሕትት ዛዚሞም።

26 December 2018, 17:23