ቅድስቲ መንበር ኣብ መበል 24 ዋዕላ ዛዕባ ክንክን ምህዳር ቅድስቲ መንበር ኣብ መበል 24 ዋዕላ ዛዕባ ክንክን ምህዳር 

ቅድስቲ መንበር ኣብ መበል 24 ዋዕላ ዛዕባ ክንክን ምህዳር

እቲ ዝተበጽሐ ስምምዕን ንምኽባሩ ዝድግፍ ዝተሓንጸጸ መርሓ ፍኖት ከም ቀዳማይ ስጉምቲ እምበር እቲ ኣብ ዓለም ተኸሲቱ ዘሎ ምዝባዕን ብከላን ከባቢ ኣየር ምሉእ ብምሉእ ንኸይህሉ ዝገብር ከምዘይኰነ ቅድስቲ መንበር ከም መበገሲ ክኸውን ተተሓሳስብ

ኣብ ፖላንድ ርእሰ ከተማ ክራኮቪያ ብሸነኽ ምስራቕ ኣብ ክፍለ ሃገር ስለዚያ ኣብ እትርከብ ከተማ ካቶዊዘ ኣብ ዝተኻየደ መበል 24 ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ክንክን ከባቢ ኣየር፥ ቅድስቲ መንበር ንትግባሬኡ ሓደራ ቢላ ናይ ፍጥረትን ተፈጥሮን ናይቶም ተነቀፍቲ ክፍሊ ሕብረተሰብ ዓለም ገዓር ተሰማዕነት ክወሃቦ ጻውዒት ተቕርብ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካ

እቲ ኣብ 2015 ዓ.ም. ኣብ ፈረንሳ ከተማ ፓሪስ ዝተኻየደ ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ክንክን ፍጥረትን ተፈጥሮን ዝሓንጸጾ መርሓ ሰነድ ኣብ ግብሪ ንምውዓል እቲ ኣብ ፖላንድ ከተማ ካቶዊዘ ዝተኻየደ መበል 24 ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ከባቢ ኣየር ተጋባእያን ሃገራት ዝተሰማምዓሉ ነቲ ኣብ ዓለም ዝርአይ ክብታ ዋዕይ ትሕቲ ክልተ ኣርካን ክኸውን ዝብል ሸቶ ዝተነብሮ መርሓ ፍኖት ቅድስቲ መንበር ከምዘሐጐሳን፡ ይኹን ደኣ እምበር እቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ምዝባዕን ብከላን ከባቢ ኣየር ብትኽክል ንምግጣም ዘለዎ ሕጹጽ ኣገዳስነት ገና ልዑል ግንዛበ ዝተወሃቦ ከምዘይመስል ተተሓሳስብ።

እቲ ካብ ዕለት 3 ክሳብ ዕለት 14 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም. ዝተኻየደ መበል 24 ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ዛዕባ ምዝባዕ ከባቢ ኣየር  ኣብ ፖላንድ ናይ ቅድስቲ መንበር ልኡካን መሪሖም ዝተሳተፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲላን ፒየትሮ ፓሮሊን ክዀኑ እንከለዉ፡

ናይ መሬት ገዓር ክስማዕ

እቲ ዝተበጽሐ ስምምዕን ንምኽባሩ ዝድግፍ ዝተሓንጸጸ መርሓ ፍኖት ከም ቀዳማይ ስጉምቲ እምበር እቲ ኣብ ዓለም ተኸሲቱ ዘሎ ምዝባዕን ብከላን ከባቢ ኣየር ምሉእ ብምሉእ ንኸይህሉ ዝገብር ከምዘይኰነ ቅድስቲ መንበር ከም መበገሲ ክኸውን ተተሓሳስብ፡ ነቲ ዘሎ ምዝባዕ ከባቢ ኣየር ምብዳህ ሕጹጽ ኣገዳስነት ዘለዎ ምዃኑ ግምት ዝህብ ህንጡይ መደብ ኣገዳስነት ከምዘለዎ ትሕብር፡ እቲ መርሓ ፍኖት ብኵለንተናዊ ሰብኣዊ ምዕባለን ተቐባልነት ዘለዎ ድኽነት ንምውጋድ ብዘኽእል መደብ ዝተሰነየ ክኸውን ከምዘለዎ ተመላኽት።

ናብ ኣልቦ ሕመትን ተቐባልነት ዘለዎ ምዕባለ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ይሴባሕ  ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቶም፡ እቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ምዝባዕ ከባቢ ኣየር ዓለም ሓቆፍ ጸገም ምዃኑ ኣዚዩ ከቢድ ዝዀነ ኣብ ምህዳርን ማሕበራውን ኤኮኖምያውን ፖለቲካውን ናይ ተፈጥሮ ሃብቲ ተኻፊልካ ኣብ ምንባር ሳዕቤን ከምዘለዎ ጠቒሶም፡ ነዚ ብሓላፍነት ዘመዛዝን ሓላፍነት ዝስምዖ ነቲ ምዝባዕን ብከላን ናይ ተፈጥሮ ኣየር ዓብይ ግምት ዝህብ ፖለቲካ ኣገዳሲ ምዃኑ ዝገልጽዎ ሓሳብ ቅድስቲ መንበር ኣዘኻኺራ ኤኮኖሚ ኣልቦ ሕመት (ፍሕመት) ብምግባር ተቐባልነት ዘለዎ ነዳዲ ምጥቃም ነቲ ኣብ ዓለም ዝረአዮ ዘሎ ፍንወት በካሊ ነዳዲ ንምንካይን ክሳብ ንምውጋድ ዘብጽሕ ሜላ ምጥቃም ኣገዳስን ሕጹጽን ምዃኑ ነቲ ዘሎ ብከላን ምዝባዕን ከባቢ ኣየር ብምምልካት ተተሓሳስብ።

20 December 2018, 16:09