ዓለም ሓቆፍ መዕዘብ ስድራ ቤት ቆይሙ

ኣብ ውልዶ ሕብረተሰብ ስድራ ቤት ዘለዎ ግደን ዕሴታቱን ርዱእ ክኸውን ኣብዚ መዳይ ናይ መጽናዕቲ ሰነዳት ምዝርጋሕ

ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ተቕዋምን ናይ ሙርሲያ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብን ዓለም ሓቆፍ መጽናዕታዊ ስነ ምርምር ዛዕባ ስድራ ቤት ማእከል ብናይ ሓባር ተበግሶ፥ ፍሉይ ናይ ስድራ ቤተ ዕሴት ፈልዩ ንምንባብ ዘኽእል ኣስተንትኖ ዝሕብር ዓለም ሓቆፍ መዕዘብ ስድራ ቤተ ከምዝቖመ ዕለት 6 ታሳስ 2018 ዓ.ም. ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ካብ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መገለጺ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ናይ ስነ ሕይወት ተቕዋም ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ቪንቸንዞ ፓሊያ፥ እቲ ዝቖመ ዓለም ሓቆፍ መዕዝብ ስድራ ቤት ንምልላይ ኣብ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ተረኺቦም፡ ስድራ ቤት ናይ ሕብረተሰብ ሃብቲ እዩ ቢሎም፡ እዚ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ናይ ቲዮሎጊያ ጳጳሳዊ ተቕዋም ስነ መጽናዕቲ ቃል ኪዳንን ስድራ ቤትን ኣብ ስፐይን ሙርሲያ ኣብ ዝርከብ ካቶሊካዊት መንበረ ጥበብን ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ሚላኖ ዝርከብ ዓለም ሓቆፍ ናይ ስነ ስድራ ቤት መጽናዕቲ ተቕዋም ብውህደት ዘበገስዎ መደብ ምዃኑ ኣፍሊጦም።

ኣብ ውልዶ ሕብረተሰብ ስድራ ቤት ዘለዎ ግደን ዕሴታቱን ርዱእ ክኸውን ኣብዚ መዳይ ናይ መጽናዕቲ ሰነዳት ምዝርጋሕ ዝብል ዕላማ ዘለዎ ከምዝዀነን፡ ኣብዚ ዝተበገሰ መደብ ኣብ ኢጣሊያ ስፐይንን ፊንላንድን ስሎቫኪያን ረፓብሊክ ቸክን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን መክሲኮን ኣርጀንቲናን ቺለን በኒን ከንያን ሆንግ ኮንግ ዝርከባሉ ናይ 15 ሃገራት 20 ናይ ስነ ምርምር ተቕዋማት ስዕበተን ከምዘረጋገጻ ብፁዕነቶም ኣፍሊጦም። ኣብ ሕብረተሰብን ኣብቲ ናይ ሕብረተሰብ መሰረት ዝዀነ ኣባይቲ ስድራን ምግምማዕ ኣብ ዝሰፍሓሉ ዘሎ እዋን ስድራ ቤታዊ ዕሴት ምትብባዕን ምዝርጋሕን ኣዚዩ ልዑል ኣገዳስነት ኣለዎ ምስ በሉ፡ ሎሚ ናይ ቀጻልነት ስልማት ኖበል ንኣባይቲ ስድራ እዩ ክወሃብ ዘለዎ ኢሎም።

በለቲ፥ ኣብ ልዕሊ ኣባይቲ ስድራ ትሕዝቶኣውን ዓቐናዊ ምልከታ

እቲ ዝቖመ ዓለም ሓቆፍ መዕዘብ ኣባይት ስድራ www.familymo nitor.net ዝብል ናይ ገዛእ ርእሱ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ዘለዎን ብቛንቋ እንግሊዘይናን ስፓይኖሎን ጣልያንይናን ዝቖመን ካብ ወርሒ ጥሪ 2019 ዓ.ም. ጀሚሩ ኣብ ኣገልግሎት ክውዕል ምዃኑ ናይ ዓለም ሓቆፍ ስነ ምርምር ኣባይቲ ስድራ ማእከል ዋና ኣመሓዳሪ ፍራንቸስኮ በለቲ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ሓቢሮም፡ እዚ ብኣኦም ዝመሓደር ማእከል ብስነ ካቶሊካዊ ርእየት ንምቕራብ ዝዓዪ ኰይኑ ምስ ካልኦት ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ርእየት ኣስተንፍሶ ምስ ዝገብራ መናብርተ ጥበብን ምስ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስን ምስ ካልኦት ዝተፈላለየ ክውንታውነት ኣባይቲ ስድራ እውን ብምትሕብባር ኣብቲ ዓለም ሓቆፍ መዕዝብ ስድራ ቤት ከምዝሳተፍ ገሊጾም፡ ኣብ ቀዳሞት ሰለስተ ዓመታት፥ ስድራ ቤትን ንዋታውን ተራኽቦነታውን ድኽነት ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ዓሚዩቕ መጽናዕቲ ዘካይድን ብፍላይ ኣብ ኩነት ደቀንስትዮን ሕጻናትን ግደ ሓደስቲ ምዕባለ ዕደ ጥበባትን ምዕባለ ብስነ ኣሃዝ ዝተራቐ ማሕበራውያን መርበብን ዝትኰር እዩ ኢሎም፡ ኣተሓሒዞም ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ንስድራ ቤት ዘተኵር መደባት እውን ብዕምቆት ክምልከት እዩ።

07 December 2018, 16:22