ምዝዛም መበል 27 ዓውደ ኣኼባ ናይ ር.ሊ.ጳ. መማክርት ጉባኤ ትስኣቱ ካርዲናላት ምዝዛም መበል 27 ዓውደ ኣኼባ ናይ ር.ሊ.ጳ. መማክርት ጉባኤ ትስኣቱ ካርዲናላት 

ምዝዛም መበል 27 ዓውደ ኣኼባ ናይ ር.ሊ.ጳ. መማክርት ጉባኤ ትስኣቱ ካርዲናላት

ቅዱስነቶም ተካእቲ ኣባላት ክሰምዩ ዝብል መደብ ከም ኵነት ከምዘየቕረቡ እውን ቡርከ ኣዘኻኺሮም

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ሓላፊ ግረግ ቡርከ፡ እቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንናይ ቀረባ ተሓባበርቶም ላዕለዎት ጳጳሳውያን ቤት ምኽርታትን ቅዱሳት ማሕበራትን ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ኣቢሎም ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ክኸወን ዝደልይዎ መደብ ሕዳሴ ዝሕንጽጽን ናብ ፍጻሜ ንምብጻሕን ኣብ ግብሪ ንምውዓልን ዝተሓባበሮም ብጉጅለ ትስኣቱ ብፁዓን ካርዲናላት ዝፍለጥ ጉባኤ መማክር ብቕዱስነቶም ተመሪሑ ንሰለስተ መዓልቲ ዘካየዶ መበል 27 ኣኼባ ኣመልኪቶም ጋዜጣዊ መግለጺ ሂቦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

መማክርት ር.ሊ.ጳ. ትስኣቱ ብፁዓን ካርዲናላት ካብ ዕለት 10 ክሳብ ዕለት 12 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም. ከምዘካየደን፡ ብፅዕ ካርዲናል ኦስካር ሮድሪገዝ ማራዲያጋን ብፁዕ ካርዲናል ራይንሃርድ ማርክስን ብፁዕ ካርዲናል ሰን ፓትሪክ ኦመለይን ብፁዕ ካርዲናል ጁዘፐ በርተሎን ብጹዕ ካርዲናል ኦስቫልዶ ግራሲያስ ከምእተረኽቡን ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ኣብቲ ዓለም ሓቆፍ ስምምዕ ዛዕባ ስደተይናታት ዝዘተየ ኣብ መንጐ መንስታት ዓለም ኣብ ሞሮኮ ከተማ ማራከስ ካብ ዕለት 10 ክሳብ ዕለት 11 ታሕሳስ ኣብ ዝተኻየደ ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ናይ ቅድስቲ መንበር ልኡካን መሪሖም ይሳተፉ ስለ ዝነበሩ ኣብቲ ናይ ትስኣቱ ብፁዓን ካርዲናላት ከምዘይተረኽቡ ቡርከ ሓቢሮም፡ ቅዱስ ኣቦና  ወትሩ ዕለተ ረቡዕ ዘቕርብዎ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ምኽንያት ብጀካ ኣብቲ ናይ ዕለት 12 ታሕሳስ ኣኼባ ኣብ ናይ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ዋዕላ ኣብቲ መበል 27 ኣኼባ መማክብር ትስኣቱ ካርዲናላት መሪሖም ከምእተሳተፉ ገሊጾም።

ቅድም ክብል ኣብቲ ካብ ዕለት 10 ክሳብ ዕለት 12 መስከረም 2018 ተኻይዱ ኣብ ዝነበረ መበል 26 ኣኼባ ኣቕሪቦምዎ ዝነበረ ብዛዕባ ስራሕን መወቕራዊ ትሕተ ቅርጽታትን ናይቲ መማክርት ብፁዓን ካርዲናላት ውዳቤኡን እዚ ኸኣ ካብቶም ኣባላት ትስዓቱ መማክርት ብፁዓን ካርዲናላት ሕገ ቀኖና ከምዘመልክቶ ብዕድመ ምድፋእ ምኽንያት ናብ ልሂቅነት ዝሰጋገሩ ብምዃኖም በዚ መሰረት እውን  ቅዱስ ኣቦና ባዕሎም ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ንብፁዕ ካርዲናል ጆርጅ ፐልን ከምኡ እውን ንብፁዕ ካርዲናል ፍራንሲስኮ ኻቪየር ኤራዙሪዝን ንብፁዕ ካርዲናል ላኡረንት ሞንሰንግዎ ፓሲንያን ብምምስጋን ናይ ስንብታ ልሂቅነት መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም ከምዝነበሩን  እቲ ናይ ሕዳሴ ዕዮ ዝተበገሰ ብምዃኑ ቅዱስነቶም ተካእቲ ኣባላት ክሰምዩ ዝብል መደብ ከም ኵነት ከምዘየቕረቡ እውን ቡርከ ኣዘኻኺሮም እቲ ዕለት 12 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም. ዝተዛዘመ ኣኼባ ነዚ ዅሉ ከምዝዘተየሉ ሓቢሮም።

እቲ ካብ ዕለት 10 ክሳብ ዕለት 12 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም. ዝተኻየደ መበል 27 ኣኼባ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ካብ ሰዓት ትሽዓተ ክሳብ ፍርቂ መዓልትን ፈረቓን ድሕሪ ቐትሪ ካብ ሰዓት ኣርባዕተን ፈረቓን ክሳብ ሰዓት ሸውዓተን ተበራርዩ ከምእተኻየደን፡ ናይ ቅድስቲ መንበር ሚዛን ምጣነን ወጻእታን፡ ከምኡ እውን እቲ ብዛዕባ ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን ኣማእኪሉ ናይ መላእ ሃገራት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ኣበ መናብርት ካብ ዕለት 21 ክሳብ ዕለት 24 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ንኽካየድ ር.ሊ.ጳ. ዝጸውዕዎ ኣውደ ጉባኤን ናይ ኵሪያ ሮማና - ናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ላዕለዎት ኣባይቲ ምኽርን ቅዱሳት ማሕበራትን ላዕለዎት ጳጳሳውያን ኣባይቲ ጽሕፈትን ሓዋርያዊ ቅዋም ሕዳሴን ኣብ ዝብሉ ኣዛዕቦ ከምዝዘተዩን፡ ከምኡ እውን ብዛዕና ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሃ ጉዳይ ሓልዮ ላዕለዋይ ጳጳሳዊ ቤት ጽሕፈት ኣብ ዝምልከት ርእሰ ጉዳይ እውን ከምዝመኸሩ ቡርከ ኣፍሊጦም።

 

13 December 2018, 16:44