ዓውደ ጉባኤ ማራከሽ፥ ንውሑስን ስሩዕን ሕጋውን ፍልሰት (ስደት)

ቅድስቲ መንበር ቅዱስ እቲ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ስደተይናታት ዝምልከት ጉዳይ ብዘይተሓላለኸ መገዲ ሕጽር ብዝበለ ኣገባብ እንገዳን ሓለዋን ምንቕቓሕን ኵለንተናውነትን ብዝብሉ ኣርባዕተ ግሳት መሰረት ገይሮም ዝሃብዎ ቃለ ምዕዳንን ስልጣናዊ መልእኽቲ መሰረት ብናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ጉዳይ ዝሓልይ ቤት ጽሕፈት ክለንተናዊ ሰብኣዊ ምዕባለ ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኣብ ዕስራ ነጥቢ ኣብሪሁ

ዕለት 9 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም. ዛዕባ ውሑስን ስሩዕን ሕጋውን ፍልሰት ደቅ ሰባት ኣብ ዝብል ዓለም ሓቆፍ ስምም ኣብ ሞሮኮ ከተማ ማራከሽ ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ከምእተበገሰ ክንገር እንከሎ፡ ኣብዚ ዓለም ሓቆፍ ስምምዕ ዛዕባ ፍልሰት ፍጥረት ሰብ ብውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዝተሓንጸደ ናይ ውሳኔ ሰነድ ብሓባር ንምብዓል ዝሓቀነ ዓለም ሓቆፍ ዋዕለ ናይ ቅድስቲ ምንበር ልኡካን ኣውን ከማተሳተፈ ተሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ኣብዚ እቲ ዓለም ሓቆፍ ናይ ስምምዕ ሰነድ ኣብዒሉ ናብ ኣገልግሎት ዘቕርብ ኣብ ሃገራት ዓለም ኣብ ግብሪ ዝውዕል ቀዳማይ ዛዕባ ፍልሰት ስደተይናታት ዘመሓድር ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጠቕላሊ ጉባኤ ብኣብላጺ ድምጺ ተቐባልነት ዝረኸበ ውሳኔ ቅድስቲ መንበር ተሳታፊት ጥራሕ ዘይኰነት እቲ ስምምዕ ምሉእ ብሉእ ተቐባልነት ክረክብ እውን ኣብ ሰብኣዊ ክብርን መሰልን ዝቖመ ልኡL ኣስተዋጽኦ ከምዘበርከተት ክዝከር እንከሎ፡

ር.ሊ.ጳ.፥ እንገዳን ሓለዋን ምንቅቓሕን ኵለንተናውነትን

ቅድስቲ መንበር ቅዱስ እቲ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ስደተይናታት ዝምልከት ጉዳይ ብዘይተሓላለኸ መገዲ ሕጽር ብዝበለ ኣገባብ እንገዳን ሓለዋን ምንቕቓሕን ኵለንተናውነትን ብዝብሉ ኣርባዕተ ግሳት መሰረት ገይሮም ዝሃብዎ ቃለ ምዕዳንን ስልጣናዊ መልእኽቲ መሰረት ብናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ጉዳይ ዝሓልይ ቤት ጽሕፈት ክለንተናዊ ሰብኣዊ ምዕባለ ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኣብ ዕስራ ነጥቢ ኣብሪሁ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንስደተይናታትን ተመዛበልትን እትግልገለሉ ሰነድ ነቲ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ኣብ 2017 ከምኡ እውን ኣብ 2018 ዓ.ም. ብዛዕባ ፍልሰት ስደተይናታት ዝምልከት ሰነድ ንምርቕራብ ኣብ ዝተኻየዱ ኣኼብታት ብምቕራብ ዓቢይ ኣስተዋጽኦ ከምዘበርከተት ክፍለጥ እንከሎ፡ እቲ ብቕድስቲ መንበር ዝቐረበ 20 ነጥቢ ነቲ ናይ ውሳኔ ሰነድ ዓቢይ ሓገዝ ብምዃኑ ንቕድስቲ መንበር ዘሕጉስ ዜና እዩ።

ዓለም ለኻዊ ስምምዕ ዛዕባ ስደተይናታት ንምኽባሩ ሕጋዊ ግደታ ዘይብል

እቲ ሰነድ ኵሉ ከኽብሮ ዝግብኦ ብሕጊ ትሑዝ ዝገብር ዘይከነስ ዘይኰነስ ኣብ ኵለን ሃገራት ኣብ ምሕደራን ክንክክንን ምኽባር ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ንዘካይድኦ ዕማም ደገፍን ኣብ ዘሳልጥኦን ዘቕርብኦን ኣገልግሎትን ንስደተይናታትን ተመዛበልትን ከምኡ እውን ኣብቲ ስድተይናታትን ተመዛበልትን ዘመሓድር ሕግታተን ርእይቶ ዝህብን ሰብኣዊ ዘማእከለ ክይዲ ዘበራትዕ እዩ፡ ብፍላይ ስደተይና ብቐሊሉ ክጥቃዓሉ ካብ ዝኽእል ዝተፈላለዩ ካብ ናይ ገበን ጉጅለታትን መጻወድያ ካብ ሓደስቲ ጊልያነት ሓደጋ ንምድሓን ዝድግፍን ሕንጸት ንስደተይናታትን  ኣብ ዝርከበሉ መዕቆብታት ኵሉ ናይ ሰብኣዊ ድጋፍንን ከም መሰጋገሪ ኣብ ዝርከበለን ሃገራት ድጋፍን ንምቕራብን ብሕጊ ንኽስደድ ዘኽእሎ መገዲ ክፍጠረሉ ዝድግፍ እዩ። ተሰዲዱ ኣብ ዝኣተወለን ሃገራት ተኣንጊዱን ሰብኣዊ ምሰሉን ክብሩ ተኸቢሩሉ ሕንጸት ረኺቡ መጻኢ ሕይወቱ ኣብ ምምራሕ ክነጥፍን ምስ ዝተኣንገደሉ ሃገር ኣውን ተላልዩን ገዛእ ራእሱ ኣላልዩ ክነብር መኻእሎታት ክፍጠረሉ ዘተሓሳስብ ካብ ቅድስቲ መንበር ዝቐረበ ሓሳብ ዝተብሮ እዩ።

ንኽልተ ዓመት ምይይጥ ዝተገብረሉ ዓለም ለኻዊ ናይ ስምምዕ ሰነድ

እቲ ሰነድ ናይ ህብረ ጐድንታት ዕዮ ውጽኢት እዩ፡ ብዙሓት ከምዝብልዎ እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ተኸሲቱ ዘሎ ዓቢይ ሰብኣዊ ቅልውላው ጸኣት ስደተይናታት ንምምሕዳርን ስደተይናታት ንመጋበርያ ናይ ገበን ጉጅለታት ልሙዕ መሬት ከይከውን ዝሕግዝን ከምዝዀነ ክሕብሩ እንከለዉ፡ መንግስታትን ዝተፈላለያ ዘይመንግስታውያን ናይ ረድኤት ማሕበራትን ሃይማኖታትን ኣብ ሓደ ሓሳብ ዘዋፍር ናይ ሓባር መደብ ኣብ ምሕደራ ጸኣት ስደተይናታትን ተመሳሳሊ ከይዲ ክህሉ ዝድግፍ እውን እዩ።

ስክፍታ ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ እቲ ናይ ስምምዕ ሰነድ

ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ጸኣት ስደተይናታት ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ምዝታይን ኣብ ምሕደራኡ ዝድግፍ ናይ ሓባር ሓሳብ ረቒቑ ክቐርብ ምርኣይ ብሓቂ ዓቢይን እወታውን ስጉምቲ ምዃኑ እተኣምነሉ እውን እንተዀነት፡ እቲ ሰነድ ኣብ ገለ ገለ ክፍልታት ዝጥቀመሎም ቃላት ድዩ ዘንበሮም መሰረታውያን ሕግታት ኣብቲ ቅድም ክብል ተኻይዱ ኣብ ዝነበረ ምይይጥ ዘይተለዓሉን ዘይቀረቡ ቃላት ምዃኑን ምስ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ማሕበራዊ ትምህርቲ ዘይቃደው ነጥብታት እውን ዘሳዅዔ ብምዃኑ ንኣብነት ብዛዕባ ክንክን ጥዕና ጉዳይ ኣብ ዝዛረቡ ነጥቢታት ምስ ጽንሲ ምንጻል ዝተተሓሓዘ ዝተነብረ ጉዳይን፡ ከምኡ እውን ካብቲ ባህርያዊ ክልተ ጾታዊ ፍልልይ ወጻኢ ኣሎ ቢሉ ዘንበሮም ኣርባዕተ ጾታዊ ፍልልያት ዝምልከት ጉዳይ ናይ ገዛእ ርእሳ ተዓቃብነት ዘለዋ ምስቲ ኣብቲ ሰነድ ዝተነብረ ሓሳስብ ዘይሰማማዕ ኣመለኽኽታ ከምዘለዋዋ ትሕብር።

ቤተ ክርስቲያን ኣብ ደገፍ መላእ ሰብኣዊ ፍጥረት

ቤተ ክርስቲያን ዘይትሰማምዓሎም ነጥብታት እውን እንተሃሎ ብሓፈሻኡ ነቲ ኣብ ኒው ዮርክ ስዒቡ ኣብ ማራከሽ ዝቐረበ ናይ ስደተይናታት መመሓደሪ ዓለም ሓቆፍ ናይ ስምምዕ ሰነድ ተስፋ ዘለዎ ምዃኑ ኣሚና፡ ኣብ ክንክን ስደተይናታትን ተመዛበልትን ዓቢይ ደገፍ ከም እተቕርብን ሎሚ ጥራሕ ዘይኰነ ካብ ቀደም ዝነበረ ክፍሊ ተልእዀኣ ምዃኑ ትሕብር፡ ሰብ ስደተይና ይዅን ኣይኹን ብምልኣት ክረኣይን፡ ሰብኣውን መንፈሳውን ባህርይኡ  ቆላሕታ ዝገብር እንገዳን ክንክክን ምንቕቓሕን ተወሃሂዱ ከንብሮ ዘኽእሎ ዕድል ክፍጠረሉ ተተሓሳስብ፡ ኣብዚ መዳይ እውን ኣገልግሎት ተበርክት። ብፍላይ ነቶም ትሑታትን ውሁዳንን ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ብቕዓትን ዓቕምን ንዘይብሎምን።

ዓውደ ጉባኤ ማራከሽ፥ ንውሑስን ስሩዕን ሕጋውን ፍልሰት (ስደት)
10 December 2018, 17:17