ድለ

ሲንጋፑር፥ ክሌኣዊ ዘተ እምነት ክርስትናን ሃይማኖት ታኦትን ሲንጋፑር፥ ክሌኣዊ ዘተ እምነት ክርስትናን ሃይማኖት ታኦትን 

ሲንጋፑር፥ ክሌኣዊ ዘተ እምነት ክርስትናን ሃይማኖት ታኦትን

እዚ ናይ ሓባር ዓውደ ዘተ ክልተ ሸቶ ዘለዎ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ቀዳማይ ነቶም ኣብ ናይ ክርስቲያንን ታኦታውያንን ናይ ሓባር ዘተ ዝዓዩ ኣካላት ብቑዕ መሳለጢ ፍልጠትን ዓሚይቕ ኣብ ስነ ፍልጠት ዝተመስረተ ሓድ ሕዳዊ ምልላይ ክህሉን ሓሳብን ርእይቶን ክለዋወጡ ዝብል

ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ምስ ርእሰ ሰበኻ ሃገረ ሲንጋፑርን ምስ ፈደራላዊ ማሕበር ሃይማኖት ታኦትን ብምትሕብባር፥ ክርስቲያናውን ታኦታውን ስነ ምግባር ኣብ ዘተ ብዝብል ኣርእስቲ ዝምራሕ ናይ ሓባር ዓውደ ዘተ ከምዘሰናደዎ ተሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

እዚ ኣብ ሲንጋፑር ኣብ ማእከል ኣባ ዣን ማሪ ቤውረል ( ዕለት 5 ለካቲት  1813 ዓ.ም. ዝተወልዱ ዕለት 3 ሕዳር 1872 ዓ.ም. ዝዓረፉ ፈረንሳዊ ወንጌላዊ ልኡኽ) ካብ ዕለት 5 ሕዳር ክሳብ ዕለት 7 ሕዳር 2018 ዓ.ም. ዝካየድ ካልኣይ መደብ ዓውደ ክሌኣዊ ዘተ እምነት ክርስትናን ታኦት ሃይማኖትን ዋና ርእሰ ጉዳይ ዘተ ክርቲያናውን ታኦታውን ስነ ምግባር  ዝብል ክኸውን እንከሎ፡ ካብ ክርስቲያናውን ታኦታውን ባህልታት ዝተዋጽኡ ካብ ሲንጋፑርን ቻይናን ፈረንሳን ህንድን ማለዢያን ደቡብ ኮርያን ስዊዘርላንድን ሃገረ ቫቲካንን ታይዋንን ዝመጹ ተጋባእያን ዘሳትፍ ክኸውን እንከሎ፡ ናይ ሃገረ ቫቲካን ጉጅለ ልኡካን መሪሖም ዝሳተፉ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ሚገል ኣንገል ኣዩሶ ጒይሮትን ምኽትሎም ኣብዚ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ምስ ታኦት ሃይማኖት ናይ ሓባር ዘተ ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ብፁዕ ኣቡነ ኢንዱኒል ጃናካራትነ ኮዲቱዋኩ ካንካናማላዠን ንናይ እስያ ፈረደራላዊ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ልኡኽ ብፁዕ ኣቡነ ፈሊክስ ማቻዶን ንናይ ዓለም ሓቆፍ ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ጉባኤ ወኪሎም ዝሳተፉ መጋቤ ፒናይል ራጅኩማር ከምዝዀኑ ምስ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዘውጸኦ መግለጺ የመልክት።

ናይቲ ዘተ ዕላማ

እዚ ናይ ሓባር ዓውደ ዘተ ክልተ ሸቶ ዘለዎ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ቀዳማይ ነቶም ኣብ ናይ ክርስቲያንን ታኦታውያንን ናይ ሓባር ዘተ ዝዓዩ ኣካላት ብቑዕ መሳለጢ ፍልጠትን ዓሚይቕ ኣብ ስነ ፍልጠት ዝተመስረተ ሓድ ሕዳዊ ምልላይ ክህሉን ሓሳብን ርእይቶን ክለዋወጡ ዝብል ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ካልኣይ ከኣ፡ ነቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ንናይ ሓባርን ናይ መላእ ዘርኢ ሰብን መሰረታዊ ግብረ ገባውያን ዕሴታት ዝቖመ ሰብኣውን ስነ ምግባራውን ማሕበራውን ኩነት ዘርእዮ ዘሎ ምንቁልቋልን ተተሓሒዞም ዝፍጠሩ ኵለ መዳያዊ ጸገማት ብሓባርን ብናይ ሓባር ርእየትን ኣብ ሓላፍነት ብምትሕብባርን ሕጹጽ መልሲ ክወሃቦ ናይ ሓባር ተግባር ንምሕባር ዝብል ምዃኑ ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዘመሓላለፎ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ሲንጋፑር፥ ክሌኣዊ ዘተ እምነት ክርስትናን ሃይማኖት ታኦትን
02 November 2018, 17:16