ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሃገረ ፓኪስታን ሓድሽ ናይ ቅድስቲ መንበረ ሓዋርያዊ ልኡኽ ሰምዮም ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሃገረ ፓኪስታን ሓድሽ ናይ ቅድስቲ መንበረ ሓዋርያዊ ልኡኽ ሰምዮም 

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሃገረ ፓኪስታን ሓድሽ ናይ ቅድስቲ መንበረ ሓዋርያዊ ልኡኽ ሰምዮም

ሓድሽ ኣብ ፓኪስታን ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ክሪስቶፈ ዛኪያሕ ኤል ቓሲስ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ብፁዕ ኣቡነ ክሪስቶፈ ዛኪያሕ ኤል ቓሲስ ናብ ማዕርገ ሊቀ ጵጵስና ክብ ኣቢሎም ናይ ሮሰለ ስዩም ሊቀ ጳጳስ ቢሎም ሰምዮም ኣብ ፓኪስታን ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ንኽዀኑ ከምዝሰመይዎም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ሓድሽ ኣብ ፓኪስታን ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ክሪስቶፈ ዛኪያሕ ኤል ቓሲስ፡ ኣብ ሊባኖስ ርእሰ ከተማ በይሩን ዕለት 24 ነሓሰ 1968 ዓ.ም. ዝተወልዱን ዕለት 21 ግንቦት 1994 ዓ.ም. ማዕርገ ክህነት ዝተቐበሉን፡ ካብ ዕለት 19 ሰነ 2000 ዓ.ም. ኣትሒዞም ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ስነ ርክባት ቤት ጽሕፈት ምግልጋል ጀሚሮምን ኣብ ኢንዶነዢያን ቀጺሎም እውን ኣብ ሱዳንን ቱርክን  ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ቤት ጽሕፈት ኣባል በዓል ስልጣንን ከምኡ እውን ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ቤት ጽሕፈት ተመዲም ዘገልገሉ ምዃኖም ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ ቋንቋ ዓረብን ፍረንሳን ጣልያንን ኢንግሊሽን ኢንዶነዚያን ስፓኒሽን ቋንቋ ጀርመንን ጠንቂቖም ዝፈልጡ ምዃኖም ኣፍሊጡ።

 

27 November 2018, 17:09