ዕለት 29 መስከረም ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ዕለት 29 መስከረም ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን 

ዕለት 29 መስከረም ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን

እቲ በቢ ዓመቱ ዝዝከር ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታት ቅድም ቁርብ መዓልታት ምብራዕ ቀዳምይ ውግእ ዓለም ኣብ 1914 ዓ.ም. ከምእተበገሰ

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ግረግ ቡርከ፥ ናይ 2019 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ዕለት 29 መስከረም ክውዕል ቅዱስ ኣቦና ከምዝወሰኑ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ እቲ መበል 105 ዓመት ኣብ 2019 ዓ.ም. ተዘኪሩ ዝውዕል ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ሰንበት መስከረም 29  ክውዕል ካብ ዝተፈላለዩ ኣባይቲ ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ዝቐረበሎም ሓሳብ ተቐቢሎም ከምዝወሰኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተን ሓላፊ ግረግ ቡርከ ገሊጾም፡ ከምቲ ልሙድ ቅዱስ ኣቦና ናይቲ ዓለም ሓቆፍ ፍጻመ ዘመሓላልፍዎ መልእኽቲ ቅድሚ ዕለት 29 መስከረም 2019 ዓ.ም. ብወግዒ ንንባብ ከምዝበቕዕ ኣፍሊጦም።

ዓለም ዓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ታሪኻዊ ብጋሴታቱ

እቲ በቢ ዓመቱ ዝዝከር ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታት ቅድም ቁርብ መዓልታት ምብራዕ ቀዳምይ ውግእ ዓለም ኣብ 1914 ዓ.ም. ከምእተበገሰን እዚ ከኣ ር.ሊጳ. ፒዮስ ዓስራይ ብዙሓት ዜጋታት ኢጣሊያ ኣብቲ እዋን ኣብ ኢጣሊያ ካብ ዝነበረ ኤኮኖሚያዊ ድኽነት ንኸምልጡ ብብዝሒ ዝፍጽምዎ ዝነበረ ስደት ርእዮም፡ ኩሉ ማሕበረ ክርስቲያን ምእንቲ ስደተይናታት ክጽልይ ጻውዒት ኣቕሪቦምን ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 15፥ ንናይ ስደተይናታትን ተመዛበልንትን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ንስደተይናታ ዜጋታት ኢጣሊያ ናይ ሰብኣዊ ሓገ1ዝ ንምቕራብ ጻውዒት ኣቕሪቦም ነዚ ብምስትውዓል ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ከምዝኣወጁ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ታሪኽ ማህደር የመላኽት።

ዓለም ለኻዊ ትርጉም ዘለዎ

ኣብ 1952 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ዓለም ለኻዊ መልክዕ ለቢሱ ብፍላይ ብቤተ ክርስቲያን ደረጃ ከምዝቖመን ነፍሲ ወከፍ ሰበኻ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ናይ ዝኽተሎ ስርዓተ ኣምልዀ መርሓ ዕለት ናይ ገዛእ ርእሱ ዘካሪ ዕለት ክህበሉ ብዝብል ውሳኔ ቆይሙ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ 1985 ዓ.ም. ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልንትን ጉዳይ ኩሉ ኣፍልጦ ክህልዎ፡ ኣብዚ መዳይ ቤተ ክርስቲያን እተቕርቦ ኣገልግሎትን ዕዮ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ምእንቲ ሓልዮ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ዘቓልሕ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉን እቲ ንስደተይናታት ዝብል ዝነበረ ዝክረ ዕለት ናይ ስደተይናታት ጥራሕ ዘይኰነ ናይ ተመዛበልትን እውን ከይኑ ክሕሰብ ኣብ 2014 ዓ.ም. ናይ ስደተይናታትን ገያሾን ሓዋርያዊ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ነበር ከምዝወሰነን፡ ዕለት 2015 ዓ.ም. ቅዱስ ዮሃንስ ጳውሎ ዳግማዊ ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ናይ ላቲን ስርዓት ኣብ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ካልአይቲ ሰንበት ድሕሪ በዓለ ግልጸት ዘእግዚእነ ክበዓል ከምዝወሰኑ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ታሪኽ ማህደር የመላኽት።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 14 ጥሪ 2018 ዓ.ም. ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጐም ምስ ኣብቅዑ ዕለቱ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ምዃኑ ዘኪሮም እቲ ዘሎ ፍልልይ መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ክውገድ  ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ኣብ ወርሒ መስከረም ናይ መወዳእታ ስንበት ተሓሲቡ ክውዕል ዝብል ውሳኔ ከምዘመሓላለፉ ግረግ ቡርከ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ኣዘኻኺሮም።

ዕለት 29 መስከረም ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን
22 November 2018, 17:04