ብፁዕ ኣቡነ ሺክሉና ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ዋና ጸሓፊ ንኽዀኑ ተሰምዮም ብፁዕ ኣቡነ ሺክሉና ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ዋና ጸሓፊ ንኽዀኑ ተሰምዮም 

ብፁዕ ኣቡነ ሺክሉና ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ዋና ጸሓፊ ንኽዀኑ ተሰምዮም

ብፁዕ ኣቡነ ሺክሉና ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጸረ ናይ ወሲብ ዓመጽ ቃልሲ ዓቢይ ኣበርክቶ ዘለዎም፡ ብፍላይ ናይቶም ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣደዳ ዝዀኑ ዜጋታት ሕቶን መሰልን ክብንር ብሓፈሻኡ ኣብ ምርግጋጽን ምኽባርን ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዓቢይ ኣበርክቶ ዘለዎም፡

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ሰበኻ ማልታ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ቻርለስ ጁድ ሺክሉና ናይ ሰበኻ ማልታ ሓዋርያዊ ሓላፍነቶም ከምዘሎ ኰይኑ ብድርቡ ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ዋና ጸሓፊ ንኽዀኑ ከምዝሰመይዎም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ካብ ማልታዊት ስድራ ቤት ኣብ ካናዳ ከተማ ቶሮንቶ ቅድሚ 59 ዓመት ዝተወልዱን ድሕሪ ቁሩብ ኣዋርሕ ምስ ወለዶም ናብ ትውልዲ ሃገር ወለዶም ዝተመልሱ 59 ዓመት ዝዕድመኦም ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ቻርለስ ጁደ ሺኩልና፥ ኣብ 19 ዓመት ዕድመኦም ናብ ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ሰበኻ ማልታ ኣትዮም ኣብ መንበረ ጥበብ ማልታ ብስነ ፍትሓ ብሔርን ብቲዮሎጊያን ተመሪቖም ናብ ሮማ ተላኢኾም ኣብ ጳጳሳዊ ግረጐሪያና መንበረ ጥበብ ብሕገ ቀኖና ምስ ተመሪቖምን ኣብ 27 ዓመት ዕድመኦም ማዕርገ ክህነት ከምአተቐበሉን፡ ኣብ 2012 ዓ.ም. ብቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ጳጳስ ንኽዀኑ ተሰምዮም ማዕርገ ጵጵስና ካብ ኢድ ቅዱነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ተቐቢሎም ኣብ 2015 ዓ.ም. ናይ ማልታ ሰበኻ ሊቀ ጳጳሳት ንኽዀኑ ብቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምእተሰምዩን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የመልክት።

ካብ 1990 ክሳብ 1995 ዓ.ም. ኣብ ቤት ፍርዲ ሰበኻ ማልታ ናይ ውዕላውን ፍትሓውን ባህርይ ሕጊ ዘነቓቕሕ ቤት ጽሕፈት ሓላፍን ኣብ ማልታ መንበረ ጥበብ ናይ ቲዮሎጊያ መምህርን፡ ናይ ሰበኻ ማልታ ዓቢይ ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ሓለቓን ኰይኖም ዘገልገሉን፡ ኣብ 1995 ዓ.ም. ብፍቓድ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ቤት ፍርዲ ሓዋርያዊ መንበር ፍትሒ ናይ ዘነቓቕሕ ቤት ጽሕፈት ትኩእ ኣመሓዳሪ ኰይኖምን ደሓር እውን ኣብ ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ናይ ፍትሒ ዘነቓቕሕ ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ኰይኖም ኣብ ዘገልገልሉ እዋን ኣብ ጳጳሳዊ ግረጐሪያና መንበረ ጥበብ ናይ ስነ ሕገ ቀኖና መምህር ኰይኖም ከምዘገልገሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ኣብ ጸረ ናይ ወሲብ ዓመጽ ቃልሲ ዘለዎም ዕዙዝ ኣበርክቶ

ብፁዕ ኣቡነ ሺክሉና ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጸረ ናይ ወሲብ ዓመጽ ቃልሲ ዓቢይ ኣበርክቶ ዘለዎም፡ ብፍላይ ናይቶም ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣደዳ ዝዀኑ ዜጋታት ሕቶን መሰልን ክብንር ብሓፈሻኡ ኣብ ምርግጋጽን ምኽባርን ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዓቢይ ኣበርክቶ ዘለዎም፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ዝርከባ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ዝተፈጸሙ ወይ ተፈጺሞም ዝበሃሉ ናይ ወሲብ ዓመጽ ንኸጻርዩን ክምርምሩን ብቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተላኢዀምን፡ ኣብ ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ዛዕባ ናይ ወሲብ ዓመጽ ዝምርምር ቤት ጽሕፈት ዝበጽሖ ሓበሪታ ዝምልከ ስንኩፍ ጉዳያት ዘጻርይ ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ኰይኖምን ኣብ ቺለ ብኣባ ካራዲማ ኣብ ሰበኻ ኦሶርኖ ዝተፈጸሙ ናይ ወሲብ ዓመጽ ንኸጻርዩ ተላእዀም ዘይሕለል መርመራ ዘካየዱ ከምዝዀኑን ዝገለጸ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ ኣብ 2012 ዓ.ም. ኣብ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ግረጐሪያና ብዛዕባ ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣብ ዝዘተየ ዓውደ ጉባኤ ተረኺቦም፥ ቤተ ክርስቲያን ኣብ እተካይዶ ጸረ ናይ ወሲብ ዓመጽ ቃልሲ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰበኻታት ኣብ ዓለም ምትሕብባር ዝሓትት ካብ ምዃን ሓሊፉ፡ ናይ ወሲብ ዓመጽ ቅድሚ ምፍጻሙ ኣብ ቀዲምካ ምጥንቃቕ ሕንጸት ዓቢይ ትኵረት ክግበርን፥ ናይ ዝዀነ ይኹን ናይ ቤተ ክርስቲያን ተቕዋም ድዩ ናይ ገዳማትን ማሕበራትን ስም ከይጽልም ብዝብል ምስምስ ዝተፈጸመ ናይ ወሲብ ዓመጽ ሓባቢእካ ምሕላፍ ዓቢይ ሓደጋ ከምዝዀነን፡ ጸረ ሰብኣዊ ገበናት ከዋዊልካ ዝሕላፈ ኣይኰነ ከምዝበሉ ጠቒሱ፡ ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣደዳ ዝዀኑ ጽን ዝብል ናይ ምሳምዕ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ክተባባዕ እውን ኣለዎ ቢሎምን፡ ኣብ ምኽባርን ምክንኻንን ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ብፍላይ ምእንቲ ትሕቲ ዕድመ ዜጋታት ኣዚዮም ዝጣበቑ ምዃኖም የዘኻኽር።

ብፁዕ ኣቡነ ሺክሉና ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ዋና ጸሓፊ ንኽዀኑ ተሰምዮም
14 November 2018, 15:54