ብፁዕ ኣቡነ ኣዩስ ግይክሱት፥ ክርስቲያንን ታኦታውያንን ኣብ ድልያ ዓውሎማዊ ስነ ምግባር ብፁዕ ኣቡነ ኣዩስ ግይክሱት፥ ክርስቲያንን ታኦታውያንን ኣብ ድልያ ዓውሎማዊ ስነ ምግባር 

ብፁዕ ኣቡነ ኣዩስ ግይክሱት፥ ክርስቲያንን ታኦታውያንን ኣብ ድልያ ዓውሎማዊ ስነ ምግባር

ድልያ ዓውሎማዊ ስነ ምግባር ማለት ውልቃዊ ይኹን ቅርጻዊ መንፈስ ክፍኣት ዘወግድ ውሳጣዊ ምልዋጥ ክህሉ ዝብል ኣብ እምነት ክርስትና ኰነ ኣብ ሃይማኖት ታኦትን ዘሎ ዘይሕለል ናይ ሓባር ተመክሮ ከምዘሎ ዝምስክር እዩ፡

ክርስትናን ታኦትነትን ናይ ሓባር ውርሻ ዕሴት ዝቛደሱ እያቶም፡ ነዚ ዝበሉ ኣብ ሲንጋፑር ኣብ ዝተኻየደ ካልኣይ መደብ ዓውደ ዘተ እምነት ክርስትናን ሃይማኖ ታኦትን ተረኺቦም ዘረባ ዘስዑ ብፁዕ ኣቡነ ኣዩሶ ጊይክሶ ክዀኑ እንከለዎ፡ ኣብቲ ናይ ሓባር ዘተ እምነት ክርስትና ሃይማኖት ታኦትን ኣብ ድልያ ዓውሎማዊ ስነ ምግባር ዝብል ምዃኑ ገሊጾም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ድልያ ዓውሎማዊ ስነ ምግባር ማለት ውልቃዊ ይኹን ቅርጻዊ መንፈስ ክፍኣት ዘወግድ ውሳጣዊ ምልዋጥ ክህሉ ዝብል ኣብ እምነት ክርስትና ኰነ ኣብ ሃይማኖት ታኦትን ዘሎ ዘይሕለል ናይ ሓባር ተመክሮ ከምዘሎ ዝምስክር እዩ፡ እዚ ድልያ’ዚ ንኹሉ ዝምልከት እዩ፡ ኣብ መንጐ ዝተፈላለዩ ባህልታን ሃማኖታትን ሓድ ሕዳዊ ምፍላጥን ብዘይ ቅድመ ፍርድን ቅድመ ኩነትን ዘተ ክህሉ ከምዘለዎ የተሓሳስብ፡ ነዚ ዝበሉ ኣብቲ ናይ ሓባር ዘተ ናይ ቫቲካን ልኡካን መሪሖም ዝተሳተፉን ኣብቲ ናይቲ ጉባኤ ኣብ ናይ ዕለት 6 ሕዳር 2018 ዓ.ም. ውዕሎ ዘረባ ዘስምዑ ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታ ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ሚገል ኣንገል ኣዩሶ ኪይክሶ እዮም፡ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሉ ብፁዕነቶም ምስ ምኽትሎም ብፁዕ ኣቡነ ኢንዱኒል ጃናካራትነ ኮዲዙዋኩ ካንካናማላዠ ተሰንዮም ኣብ ታይላድ ዝርከብ ናይ ቡድሃ ሃማኖት ቅዱስ ስፍራ መበል 230 ዓመት ዝኽሪ ምስረታ ኣብ ዝካየድ ዓውደ በዓል ክሳተፉ ናብ ታይላንድ ከምዝነቐሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የመልክት።

ክርስትናን ታኦትን ተኻፈልቲ ናይ ሓባር ክቡር ውርሻ

ኣብቲ ዝተኻየደ ናይ ሓባር ዘተ፡ ክርስቲያንን ታኦታውያንን ብሓባር ነቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ቅልውላው ስነ ምግባር ኣሞርኵይዞም ሓሳብ ንሓሳብ ከምእተለዋወጡን፡ ነዚ ስነ ምግባራዊ ቅልውላው’ዚ ንምብዳህ እንታይ ይገበር ንዝብል ሕቶ እውን መልሱ ኣብ ምልዋጥ ማሕበራዊ መዋቕርን ቅርጽን መፈሳዊ ምዕባለን ከምዘድሊ ከምዝዀነ ብፁዕ ኣቡነ ኣዩሶ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ብኣጽንዖት ገሊጾም፡ ሰብኣዊ ፍጥረት ሓድ ሕዳዊ ተሞራዃሲ ብምዃኑ ዝተወሃሃደን ስሙር ሕብረተሰብ ምንቕቓሕ ከምዘድሊ የመላኽት፡ ኣብ ዓለም እቲ ዘሎ ባህላውን መንፈሳን ፍልልያትን ኣብ መንጐ ክርስትናን ታኦት ሃይማኖትን ዘሎ ፍልልይ ከምዘሎ ኰይኑ ኣብ መንጐ እዘን ክልተ ሃይማኖታት ተኻፋልነት ናይ ሓባር ውርሻ ከምዘሎ ንጹር እዩ፡ ናይ ክልቲኣተን ሃይማኖታት መንፈሳዊ ድዩ ፍልስፍናዊ ጥበብ ስልጣኔንን ባህልን ኣብ ምህናጽ ዓቢይ ኣበርክቶ ኣለዎ፡ እቲ ኣብ መንጐ ክልቲኣተን ሃይማኖታት ዘሎ ተኻፋልነት ናይ ሓባር ክቡር ውርሻ ካብ ባህርያዊ ሕጊ ዝምንጨው እዩ፡ ስለዚህ እዚ ሰብኣዊ ባህርያዊ ሕጊ’ዚ ኣብ መንጐ ፍጥረት ሰብ ስነ ምግባራዊ ምትእስሳር ክህሉን ነፍሲ ወከፍ ሰብን ፍልስፍናውን ተኣምኖታውን ተቕባል ሰብኣው ፍጥረት ተማራዃሲ ምዃኑ እዩ ዘረጋግጽ ምስ በሉ ብፁዕነቶም ናቲ ካልኣይ ዓውደ ዘተ ኣፈ ጉባኤ ኣስዒቦም፡ እቲ ናይ ዓለም ሓቆፍ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ቲዮሎጊያ ድርገት፡ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይቲ ባህርያዊ ሕጊ ወናኒት ኣይኰነትን  እንክብል ዝገለጾ ሓሳስብ ጠቒሶም፡ ባህርያዊ ሕጊ ኣብ ኩሉ ፍጥረት ሰብን ተፈጥሮን ብኑባሬ ዘሎ እዩ ኢሎም።

ኣገዳስነት ክቡራት ዋጋታትን ኵላዊ ደንብታትን ዘሕብር ዓውሎማዊ ስነ ምግባር

ብፁዕ ኣቡነ ኣዩሶ ኣብቲ ዓውደ ዘተ ናይቲ ኣብ 1964 ዓ.ም. ዝተመስረተ ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣመጻጽኣ ታሪኹን ፍጻሜታትን ስጉምታቱን ኩሉ ዘርዚሮም ምስ ሓበሩ፡ ነቲ ናይ ታኦታውያን ሃይማኖት መስራቲ ላኦ ትዙ ኣብቲ ታኦ ተ ቺን ማለት ኣብቲ ናይ ሕይወትን ክቡራት ዋጋታት ኦም ኣብ ዝብል መንፈሳዊ መጽሓፉ ዘንበሮም ስነ ምግባራዊ መትከል ጠቒሶም፡ እቲ ሎሚ ኣብ መንጐ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ታኦታዊ ሃይማኖትን ናይ ሓባር ዘተ ኣገዳስነት ዘለዎ ኽከውን ዝገበሮ፡ እቲ ኣብ ዓለም ዝሰፍሕ ዘሎ ድኽነት ኣብ ምንባር ክቡር ዋጋን ብፍላይ ከኣ መንእሰይ ወለዶ እቲ ናይ ጽባሕ ትውልዲ ብዘይ ግብረ ገብን ዕሴትን ንኽነብር ዝድርዀ ዘሎ ቅልውላው ክቡራት ዋጋታትን ስነ ምግባርን ዘጥቕዕ ዘሎ ኵለ መዳያዊ ድኽነትን፡ ስእነት ስራሕን ኣልቦ ሕንጸትን ናይ ዝተፈላለዩ ወልፍታት ብቐሊሉ ጽግዕተይና ምዃንን ኣኽራርነትን ምግባረ ብልሽውናን ስደትን ዝኣመሰሉ ዘርዚሮም፡ ዝሰፍሕ ዘሎ ባህላውን ሃይማኖታውን ዓመጽን፡ ምዕባለ ስነ ሕይወታዊ ዕደ ጥበብ ንብሉጽነት ዘይኰንስ ዘርኢ ፍጥረት ሰብ ንምቁጽጻርን ንኣድቆሎትን ዝኣመሰሉ ፍጥረት ሰብ ክም መጋበርያ ዝዕፍን ባህልታት ዘስዕቦ ዘሎ ምንቁልቋልን፡ ዝብሉ ጸገማት ኣልቦ ዶብ እያቶም፡ ምእንቲ’ዚ እቲ ንምብዳሆም ዝግበር ጻዕሪ ኣብ ብሔራዊ ከባቢ ተሓጺሩ ዝተርፍ ዘይኰነስ ዓለም ለኻዊ እዩ ክኸውን ዘለዎ፡ ግብረ ገባውን ስነ ምግባራውን ምንቁልቋል ሰብኣዊ ፍጥረት ተሓታቲ ምዃኑ ባዕሉ ዝፈልጦ እውን እዩ፡ ካብዚ ብምንቃል ዓውሎማ ስነ ምግባር ምንቕቓሕን ኣብዚ መዳይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ተመክሮታተል ክለዋወጣን ኣብ ሕንጸት ሰብኣዊ ፍጥረት ክተሓባበራ ግድን እዩ ቢሎም፡ እቲ ካልኦት ኣብ ልዕሌኻ ክፍጽምዎ ዘይትደልይ ኩሉ ንስኻ ብተራኻ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ዘይምፍጻም ዝብል ወርቃዊ መምርሒ ኣብ ኵለን ሃይማኖታት ዘሎ ስነ ምግባራዊ ናይ ሓባር ውርሻ እዩ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ብፁዕ ኣቡነ ኣዩስ ግይክሱት፥ ክርስቲያንን ታኦታውያንን ኣብ ድልያ ዓውሎማዊ ስነ ምግባር
07 November 2018, 17:05