ቅድስቲ መንበር ንጸኣት ስደተይናታት ብቑዕ መልሲ ዝህብ ዓለም ሓቆፍ ምትሕብባር ክህሉ ትሓትት ቅድስቲ መንበር ንጸኣት ስደተይናታት ብቑዕ መልሲ ዝህብ ዓለም ሓቆፍ ምትሕብባር ክህሉ ትሓትት 

ቅድስቲ መንበር ንጸኣት ስደተይናታት ብቑዕ መልሲ ዝህብ ዓለም ሓቆፍ ምትሕብባር ክህሉ ትሓትት

ንጉዳይ ጸኣት ስደተይናታት ብቑዕ መልሲ ከቕርብ ዝኽእልእ እቲ ብ 193 ናይ ውዱብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጥቕላሊ ባይቶ ኣባላት ሃገራት ብሓባር ዝተነቓቐሔ ዕውሉም ውዕሊ ክህሉ ዝብል ንድፈ ሓሳብ ቅድስቲ መንበር እትኣምነሉን ንምርግጋጹ ከይተሓለለት ግደኣ ተበርክት ከምዘላ ኣፍሊጦም።

ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ በርናርዲቶ ኣውዛ ኣብ የል መንበረ ጥበብ፥ ብዛዕባ ጸኣት ስደተይናታት ማሕበራዊ ክስተት ዘጽንዕ መክሚላን ማእከል ኣብ ዘስናደዎ ዓውደ መጽናዕቲ ተረኺቦም፥ ቅድስት መንበር ነቲ ማሕበራዊ ክስተት ስደተይናታት ብቀመራዊ ዘይኰነ ሓገራት ሓቆፍ ምትሕብባር ብዝብል ውሳኔ ብቑዕ መልሲ ክወሃቦ ዝግብኦ ሕቶ ምዃኑ ኣሚና እዚ መደብ ኣብ ግብሪ ክውዕል ትሓትት ከምዘላ ዘነጽር ዘረባ ኣስሚዖም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ንቕድስቲ መንበር ምስዳድ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን እዩ፡ ዝተረጋገጸን ውሑስን ስሩዕን ሕጋውን ብብቕዓት ምሕዱርን ዝዀነ ኣብ ልምዓት ግደ ዘለዎ ባህሊ ዘሀብትም ስደት ማለት ምዃኑ ብፁዕ ኣቡነ ኣውዛ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ሓቢሮም፡ ስደት ዝፍጠሩ ጸገማት ድዩ ቅልውላው ንምብዳህ ሕብረተሰብ ዝወስዶ ምርጫ እዩ። ነቲ ኣብ ነፍሲ ወክፍ ሰብ ብኑባሬ ንዘሎ ድላይ ሓሴትን ነጻነትን ንምርግጋጽን ንዝለዓሉ ዕድላትን ንብሉጽ ሕይወት ብቑዕ ምስ ዝዀነ ኵነት ንምርኻብን  ምስዳድ መሰልን ክብርን እዩ፡

ምስዳድ ቀቢጸ ተስፋ ካብ ምዃን ዝነቕል ምርጫ ካብ ምዃን ከብቅዕ ኣለዎ

ንጉዳይ ጸኣት ስደተይናታት ብቑዕ መልሲ ከቕርብ ዝኽእልእ እቲ ብ 193 ናይ ውዱብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጥቕላሊ ባይቶ ኣባላት ሃገራት ብሓባር ዝተነቓቐሔ ዕውሉም ውዕሊ ክህሉ ዝብል ንድፈ ሓሳብ ቅድስቲ መንበር እትኣምነሉን ንምርግጋጹ ከይተሓለለት ግደኣ ተበርክት ከምዘላ ኣፍሊጦም። እዚ ንስሩዕን ውሑስን ስደት ዝብል ሓሳብ ድሕሪ እቲ ኣብ ዓለም ተኸሲቱ ዘሎ ዓለም ሓቆፍ ጸኣት ስደተይናታት ካብ ምንጻግ ክሳብ ምምኽኻር ዝብል ንዝወቡ ዝተፈላለዩ ዓለም ሓቆፍ መልስታት ካብ ምትንታን ዝመንጨወ እዩ፡ እዚ ግና ነቲ ማንም ሕብረተሰብን ውልቀ ሰብን ኣብ ገዛእ ሃገሩ ክቡርን ሕይወት ውሑስ ኰይኑ ክነብር ዘኽእሎ ኩነት ክፍጠረሉ ይግባእ ዝብል ውሳኔ መሰረት ብምግባር እዩ ኢሎም።

ናይ ስደተይናታት ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ምውሓስ

ኣብቲ ዓለም ሓቆፍ ውዕሊ ዛዕባ ጸኣት ስደተይናታት፥ ስደት ግብረ ቀቢጸ ተስፋነት ወይ ከኣ ቀቢጸ ተስፋነት ዘስዕቦ ክኸውን የብሉን ዝብል ሓሳብ ናይ ቅድስቲ መንበር ማእከላዊ ነጥቢ ክሳዃዕ እውን ክምእተገብረ ኣዘካኺሮም፡ ዝዀነ ይኹን ስደተይና ዘለዎ ደረጃ (ኣርካን) ብዘየገድስ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ክኽበረሉ ከምዘለዎ ቅድስቲ መንበር ተተሓሳስብ፡ ስለዚህ እቲ ዕውሉም ውዕሊ ዛዕባ ስደተይናታት፡ ናይ ዝዀነ ይኹን ስደተይና መሰረታዊ መሰሉ ኩሉ ክኽበረሉ ዝሓትት እዩ ኢሎም።

ብርካዊ ሓላፍነት

ቅድስቲ መንበር ጸኣት ስደተይናታት ዓውሎማዊ ክስተት ምዃኑ ደጋጊማ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን እትገልጾ ኣምር እዩ፡ ስለዚህ ነዚ መሰረት ብምግባር ከኣ ዕውሉም መልሲ ዘድልዩ ምዃኑ ተተሓሳስብ፡ እቲ ዕውሉም መልሱ ከኣ ኣብ ብርካዊ ሓላፍነት ዝዓርፍ ክኸውን ኣለዎ፡ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ሉኣላውነትን ፖለቲክውን መንግስታውን ሃገራውን ቅዋሜ ብምኽባር ኩሉ ኣብዚ ሓላፍነት’ዚ ክሳተፍ ከምዘለዎ ትኣምን፡ ሉኣላውነት ነቲ ዓለም ሓቆፍ ናይ ስምምዕ ውዕላት ዘኽብር ማለት እውን እዩ፡ ስለዚህ ቅድስቲ መንበር ውሑስን ስሩዕን ሕጋውን ስደተይናነት ተነቓቕሕ ይብሉ።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ጸኣት ስደተይናታትን

ቅዱስ ኣቦና ቤተ ክርስቲያን ነቲ ማሕበራዊ ክስተት ዝዀነ ጸኣት ስደተይናታት እትህቦ ብቑዕ መልሲ፡ እንገዳን ሓለዋን ምንቕቓሕን ምውሃድን ኣብ ዝብሉ ኣርባተ ግስታት ዝተማእከለ ክኸውን ከምዘለዎ የተሓሳስቡ፡ ምእንጋድ ክበሃል እንከሎ፡ ናይ ስደተይና መሰልን ክብንር ምኽባር ምክልኻል ዝብል እYኡ፡ ናይ ስደተይና መሰልን ክብርን ኣብ ገዛእ ሃገሩ ናይ ሕንጸትን ሰብኣዊ ኣገልግሎታትን ኩሉ ውሑስ ብምግባር ኵለ መዳያዊ ሓለዋ ክረክብ ምግባር፡ ኣብ ዝስደደሉ ከባቢ ሰብኣዊ መሰሉን ክብሩን ተኸቢሩሉን ኣብ ፖለቲካን ኤኮኖምን ማሕበራዊ ሕይወትን ግደኡ ከበርክት ምንቕቓሕን ኣብ ገዛእ ሃገሩ ድዩ ኣብ ዝኣትወለን ሃገራት ተወሃሂዱ ንኽነብር ዘኽእሎ ባህሉን ሃይማኖቱን ኣላልዩ ምስ ዘእንገዶ ሃገር ባህልን ሃይማኖትን ታሪኽን ክላለይ ዘኽእሎ ዕድላት ክቐርበሉ ዝሓትት ምዃኑ ሓቢሮም። እዚ ኸኣ ሕድ ሕዳዊ ግልጽነት ይሓትት ኢሎም።

ኵሉ ናይ ገዛእ ርእሱ ሓላፍነት ክፍጽም

ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ብፁዕ ኣቡነ ኣውዛ ኣብ መወዳእታ መደረኦም፥ እቲ ዛዕባ ስደተይናታት ዝምልከት ዕውሉም ውዕሊ፡ ኣብ ጉዳይ ስደተይናታት ንዝኽወኑ ተበግሶታት ዓለም ሓቆፋዊ መወከሲ ዝኸውን እዩ፡ እዚ ውዕሊ’ዚ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2018 ዓ.ም. ኣብ ማራከሽ ካብ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ኣትሒዚ ኣብ ግብሪ ክውዕል እዩ፡ ኵሉ ሓላፍነቱ ክፍጽምን ንዛዕባ ስደተይናታት ካብ ሓልዮትን ምኽባር ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዝነቐለ ድጋፍ ምቕራብ መሰረታዊ እዩ፡ ሰብ ቍጽሪ ኣይከነን እንክብሉ ዛዚሞም።

ቅድስቲ መንበር ንጸኣት ስደተይናታት ብቑዕ መልሲ ዝህብ ዓለም ሓቆፍ ምትሕብባር ክህሉ ትሓትት
17 November 2018, 17:41