ቅድስቲ መንበር፡  ኣብ ዓበይቲ ውግኣት ዓለም ዝፈሰሰ ደም ንሕንጸት ሰላም ሓይሊ ይኹን ትብል ቅድስቲ መንበር፡ ኣብ ዓበይቲ ውግኣት ዓለም ዝፈሰሰ ደም ንሕንጸት ሰላም ሓይሊ ይኹን ትብል 

ቅድስቲ መንበር፡ ኣብ ዓበይቲ ውግኣት ዓለም ዝፈሰሰ ደም ንሕንጸት ሰላም ሓይሊ ይኹን ትብል

ብፁዕ ኣቡነ ኣውዛ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጠቒሶም፡ ዝካረ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ኣብ ዓለም መሰረት ነባሪ ሰላምን ጥልቂ ሕዳሴን ምልዋጥን ዝዕድል ክኽው

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ሓዋርያዊ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ኣውዛ ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 100 ዓመት ምዝዛም ቀዳማይ ውግእ ዓለም ኣብ ዝቕረበ ብሞዛርት ዝተደርሰ ውሁድ ጥዑም ቅንይት ክርስቲያን ኣብ ተዝካር ዝዝየም ኣብ ዘቕረበ ናይ ውሁድ ጥዑም ሙዚቃ ምርኢት ከምእትረኽቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ በርናርዲቶ ኣውዛ፡ ድሕሪ እቲ ናይ ተዝካር ውሁድ ጥዕም ሙዚቃ ምርኢት፡ ኣብቲ ምርኢት ንዝተረኽቡ ዕዱማት ኩሎም ስለ ምርኻቦም ንምምስጋን ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፥ እቲ ብምኽንያት ቀዳማይ ውግእ ዓለም ዝፈሰሰ ናይ ሚሊዮናት ኣሕዋትን ኣሓትን ደም ነቲ ኣብ ዓለም ነባሪ ሰላም ንምርግጋጽን ውሑስ ንምግባርን ንዝግበር ጻዕሪ ዘህይውን ዘጠጥዕን ይኹን ኢሎም፥

ሎሚ እውን ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዝናወጽ ናይ ውግእ ማዕበል

ኣብቲ ዕለት 12 ሕዳር 2018 ዓ.ም. ብሓልዮት ናይ ቅድስቲ መንበር ቋሚ ተዓዛቢ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ዓለምን ናይ ማልታ ልዑላዊ ማሕበርን ምስ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ማሕበር ቅዱስ ዮሓንስ ብምትሕብባር ኣብ ዘዳለውዎ መደብ፥ ብፁዕ ኣቡነ ኣውዛ፥ እቲ ናይ ተዝካርን ሰላም ለኪ እተሰምየ ብሞዛርት ዝተደርሰን ውሁድ ሙዚቃን ናይ ሳሙኤል ባርበር ብቐስታ ዘርእስቱ ውሁድ ሙዚቃ ብዙሓት ናይ ዘጓኖፎም ሓዘንን ፍቱዋቶም ብሞት ዝተፈለይዎም ሓዘኖምን ክንየው ሓዘን ዘሎ ተስፋ ዝሕብርን ካብ ሰብ ሓሊፉ እቲ ብኑባሬ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዘሎ ተስፈይናነት ከምዘጸናንዕ ዝምስክር እዩ ኢሎም፡

ዝካረ ቀዳምይ ውግእ ዓለም ናብ ምልዋጥ ከሰንይ

ብፁዕ ኣቡነ ኣውዛ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጠቒሶም፡ ዝካረ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ኣብ ዓለም መሰረት ነባሪ ሰላምን ጥልቂ ሕዳሴን ምልዋጥን ዝዕድል ክኽውን ቢሎም፡ ዓወት ኣብ ልዕሊ እቲ ዝተሳዕረ ሕፍረት ውርደትን ማለት ከምዘይኰነ ብምእማን፡ ኣብ ውግእ ኵሉ እዩ ዝኸስር፡ እቲ ዓቢይ ዓወት ውግእ ምግሳጽ እዩ፡ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ውድብ ዕላማ ውግእን ሳዕቤናት ውግእ ብዓንተውኡ ምክልኻልን እቲ ኣብ ቀዳማይን ካልኣይ ውግእ ዓለም ዝፈሰሰ ደም ዝወለዶ ሰላም ምንቕቓሕን ዝብል ምዃኑ እውን ኣዘካኺሮም፡።

ናይ ሰላም ባህሊ ንምሕናጽ ካብ ዝሓለፉ ጌጋታትካ ምምሃር

ትሽዓተ ሚሊዮን ወተሃደራትን ሸውዓተ ሚሊዮን ሰላማውያን ዜጋታትን ዓለም ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ዝኸሰሮ ሕይወት ክኸውን እንከሎ ኣብ ልዕሊ’ዚ እውን እቲ ውግእ ሓዲግዎ ዝሓለፈ ስቓይን መከራን ሕማምን ምኽንያት ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞም ማእለያ ዘይብሎም እውን ክምዝዀኑ ብፁዕ ኣቡነ ኣውዛ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ገሊጾም፡ ዝካሬ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ካብ ዝሓለፉ ጌጋታትካ ተማሂርካ ናይ ሰላም ባህሊ ንምሕናጽ ዝድርኽ ይኹን፡ እቲ ኣብቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዝቐረበ ውሁድ ሙዚቃ ብናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ውሁድ ቡዚቀይና ጉጅለን መዘምራን ቻምበርን ብሓባር ዘቕረብዎ ውሁድ ሙዚቃ እውን ኣብ ሕንጸት ሰላም ግደ ኣለዎ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ቅድስቲ መንበር፡ ኣብ ዓበይቲ ውግኣት ዓለም ዝፈሰሰ ደም ንሕንጸት ሰላም ሓይሊ ይኹን ትብል
14 November 2018, 15:59