ርእይቶ ቅዱስቲ መንበር ብዛዕባ ተልእዀ ዓቃቢ ሰላም ሕቡራት መንግስታት ዓለም ርእይቶ ቅዱስቲ መንበር ብዛዕባ ተልእዀ ዓቃቢ ሰላም ሕቡራት መንግስታት ዓለም 

ርእይቶ ቅዱስቲ መንበር ብዛዕባ ተልእዀ ዓቃቢ ሰላም ሕቡራት መንግስታት ዓለም

ደቀንስትዮ ኣብ ምርግጋጽ ሰላምን ደሕንነትን ምሉእ ሱታፌ ክህልወንን ኣብ ናይ ሰላም ዘተ ዝጭበጥ ግደ ከበርክት ዕድል ክረኽባ ይግባእ፡ … ደቀንስትዮ ኣገዳሲ ዝዀነ ኣስተዋጽኦን ኣብ ትግባረ ስምምዕ ሰላም ዘለወን ዓቢይ ግደ ናይቲ ኣብ ናይ ካልእ ስቓይ ተካፋሊ ናይ ምዃን ባህርኤንን ኣብቲ ናብ ዕርቂ ዝወስድ ጐዳና ምምሓርን ይቕረ ምባልን ኣኽእሎቱ ዝተዓደላ እየን

“ምዕባለ ብዘይ ሰላም፡ ሰላም ከኣ ብዘይ ምዕባለ ኣይመጽእን” ነዚ ዝበሉ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ በርናርዲቶ ኣውዛ ኣብ ሕቡራት መግስታት ዓለም ኣብ ተልእዀ ዓቃቢ ሰላም ኣብ ዓለም ኩነቱን ስርሒትታቱን ኣማእኪሉ ኣብ ዝመኸረ ዓውደ ጉባኤ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ክኸውን እንከሎ፡ ከም ሓይሊ ኣጽዋር ውግእ ዝፍነው ጸኣት ስደተይናታት እውን ክውገድ ጻውዒት የቕርቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ዓቃቢ ሰላም ውግእ ኣብ ዝካየደሉ ከባቢ ተላኢኹ ሰላም ንምምጻሕ ዝዋፈር መጋበያ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ድሕሪ ዝረጋገጽ ሰላም ዝፍጠሩ ምስሕሓባት ናብ ውግእ ከይቕየሩ ድሕሪ ውግእ ወሳንን ኣገዳስን ሕንጸት ሰላም ዘአንፍትን ናይ ሰላም ባህሊ ዘስፍሕ ክኸውን ኣለዎ ዝበሉ ብፁዕ ኣቡነ ኣውዛ፥ ኣስዒቦም

ውግእ ብዓንተውኡ ንምውጋድ ደለይቲ እውነተይና ኵለንተናዊ ምዕባለ ምዃን የድሊ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ 2015 ዓ.ም. ኣብ ኒው ዮርክ ኣብ ናይ ሕቡራት መግስታት ዓለም ጉባኤ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፥ ውግእ ጥሕሰት ዝዀነ ይኹን ዓይነት ሰብኣዊ መሰልን ክብርን እዩ፡ ዝበለዎ ቃል ጠቒሶም፡ ኣተሓሒዞም … ደለይቲ እውነተይና ኩለንተናዊ ሰብኣዊ ምዕባለ እንተድኣ ኰይንና ከይተሓለልና ኣብ መንጐ ሃገራትን ሕዝብታትን ውግእ ከይህሉ ብዓንተውዑ ክንዓይን ናይ ሰላም ባህሊ ከነስፍሕ ንተግህ፡ ምእንቲ’ዚ ናይ ኩሉ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ውሑስ ንምግባር ናይ ሕቡራት መግስታት ዓለም ቅዋም ከምዝሕብሮ፡ ኣብ ዘተን ኣታዓራቒ ሽማግለን ናይ ምትእምማን ሓላፍነት የድሊ” ኢሎም።

ኣብ ምርግጋጽ ስምምዕ ሰላም ግደ ደቀንስትዮ

ደቀንስትዮ ኣብ ምርግጋጽ ሰላምን ደሕንነትን ምሉእ ሱታፌ ክህልወንን ኣብ ናይ ሰላም ዘተ ዝጭበጥ ግደ ከበርክት ዕድል ክረኽባ ይግባእ፡ … ደቀንስትዮ ኣገዳሲ ዝዀነ ኣስተዋጽኦን ኣብ ትግባረ ስምምዕ ሰላም ዘለወን ዓቢይ ግደ ናይቲ ኣብ ናይ ካልእ ስቓይ ተካፋሊ ናይ ምዃን ባህርኤንን ኣብቲ ናብ ዕርቂ ዝወስድ ጐዳና ምምሓርን ይቕረ ምባልን ኣኽእሎቱ ዝተዓደላ እየን፡

ብዘይ ሰላም ምዕባለ ሰላም ብዘይ ምዕባለ ዘይከኣል እዩ

ቅድስቲ መንበር ቀንዲ መንቀሊ ውግእን ሕድ ሕዳዊ ግጭትን ኣዕሚዩቓ ብምልላይ … ምዕባለን ደሕንነትን ሰብኣዊ መሰልን ክብርን መሰረታዊ ምትእስሳር ከምዘለዎ ብምሕባር፡ ብዘይ ሰላም ምዕባለ፡ ብዘይ ምዕባለ ሰላም ዘይጭበጥ ሓሳብ ከይኑ ከምዝተርፍን ኣልቦ ውሕስነትን ኢትሓውነትን ኣልቦ ማዕርነትን ብላዕን ምግባረ ብልሽውናን ዘይእሩም ሕደራን ዘይሕጋዊ ፍሰት ሃብቲ ገንዘብን ሸመተ ኣጽዋርን ኣብ ሕብረተሰብ ናይ ውግእን ዓመጽን መንቀሊ እያቶም፡ ኣብ ውግእ ዝተኣልከ ሕብረተሰብ ክምዕብል ማለት ዘይሕሰብ እዩ፡ ስለዚህ ማንም ዘይንጽልን ኣብ ገዛእ ርእሱ ፍጻሜ ዘይኰነ ተቐባልነት ዘለዎ ምዕባለ ውግእን ዓመጽን ከይህሉ ብሉጽ ቅድመ መከላኸሊ እዩ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ግዱድ ስደት ዳርጋ ኣጽዋር ውግእ እዩ

ብፁዕ ኣቡነ ኣውዛ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ኣብ ዚ እዋን’ዚ ዝረአይ ዘሎ ግዱድ ስደት ከም መጋበርያ ውግእ ምጥቃሙ ዘሎ ኩነት ኣስጋኢ እዩ፡ ብዙሓት ውሁዳን ክፍሊ ሕብረተሰብ ንስደት ዝዳርጐ ዝተፈላለዩ ጸገማት ክጋጥሞ ይረአይ፡ ብግጭትን ኣሳዶን ምኽንያት ክመዛበሉን ክስደዱን ይረአይ፡ ስለዚህ ከምቲ ናይ ሕቡራት መግስታት ዓለም ቅዋም ዘመልክቶ ምኽባር ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዝብል ዕሴት ማእከል ክኸውንን ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ዝብልዎ እውን ጠቒሶም ምትሕልላይን ምክብባርን ዝስደድ ክእንገድን ዑቕባ ክረክብን ተወሃሂዱ ክነብርን ከነቓቓሕን ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቦም፡

ቅድስቲ መንበር ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ተልእዀ ዓቃቢ ሰላም ትንእድ

ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ዘቕረብዎ መደረ፥ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዓቃቢ ሰላም ዝኸፍሎ መስዋዕትነትን ኣብቲ ግጭትን ውግእን ዘለሉ ስፍራ ሰላም ንምውሓስ ዘካይዶ ተልእዀ ከቢድ ከምዝዀነ ኣብሪሆም፡ ቅድስቲ መንበር ነዚ ኣፍልጦ ብምሃብ ውግእን ግጭት ከይሁሉ ወይ ብዓንተውዑ ንምእጋድ ድሕሪ ዝዀነ ይኹን ውግእን ግጭት ዝረጋገጽ ሰላም ነባሪ ክኸውን ናይ ሰላም ባህሊ ንምስፋሕ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ሎሚ ከም ቀደም ክትተሓባበር ስንድውቲ ምዃኑ ብምርግጋጽ ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ርእይቶ ቅዱስቲ መንበር ብዛዕባ ተልእዀ ዓቃቢ ሰላም ኣብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም
05 November 2018, 16:56