ድለ

ቅድስቲ መንበር፡ ሰብኣውን ተፈጥሮኣውን ሃብትታት ኣፍሪቃ፡ ንናይ ሕዝቢ ኣፍሪቃ ረብሓ ቅድስቲ መንበር፡ ሰብኣውን ተፈጥሮኣውን ሃብትታት ኣፍሪቃ፡ ንናይ ሕዝቢ ኣፍሪቃ ረብሓ 

ቅድስቲ መንበር፡ ሰብኣውን ተፈጥሮኣውን ሃብትታት ኣፍሪቃ፡ ንናይ ሕዝቢ ኣፍሪቃ ረብሓ

ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ በርናርዲቶ ኣውዛ: ኣፍሪቃ እቲ ዘለዋ ናይ ተፈጥሮ ጸጋታት ዳርጋ መርገም ዝዀና ትመስል ኢሎም።

ዕለት 20 ሕዳር 2018 ዓ.ም. ኣብ ነው ዮርክ ኣብ ናይ ሕቡራት መግንስታት ዓለም ውድብ ዋና ሕንጻ ሰላምን ደሕንነትን ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣብ ዘካየዶ ዓውደ ጉባኤ ዝተሳተፉ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ጸጥታን ደሕንነትን ቤት ምኽሪ ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ በርናርዲቶ ኣውዛ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ኣፍሪቃ ኣብ ከይዲ ምዕባለ ክትድገፍ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ኣፍሪቃ እቲ ዘለዋ ማእለያ ዘይብሉ ናይ ተፈጥሮ ጸጋታታ ንሰብ ብዘይጠቅም ኣገባብ ክምዝመዝን ብዝገደደ እውን ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ዘለዋ ናይ ተፈጥሮ ሃብቲ ንምምዝማዝ ብዝሃቀነ ዕላማ ኰነ ተባሂሉ ዝትዅቶኽ ዓመጽን ውግእን ምኽንያት ኰይኑ ንዝተፈላለዩ ጸገማት የቃልዓ ከምዘሎ ብፁዕ ኣቡነ ኣውዛ ሓቢሮም፡ ዘለዋ ናይ ተፈጥሮ ጸጋታት ዳርጋ መርገም ዝዀና ትመስል ኢሎም።

ተልእዀ ዓቃቢ ሰላም፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ፋሕ ዝበለ እውን እንተዀነ ኣብ ሕንጸት ሰላም ሕቡር ክኸውን

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘሎ ውግእን ዓመጽን ንምውጋድን ናይ ሰላማዊ ሕዝቢ ሕይወት ንምውሓስ ዝዋፈሩ ዓቃቢ ሰላም ሕቡራት መንግስታት ዓለም፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ እውን ይሃሉ ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ሰላም ዝሓንጽ ምትሕብባር ዘለዎ ወፍሪ ምዝርጋሕ የድሊ፡ እዞም ብናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ሰንደቕ ዕላማ ዘገልግሉ ልኡካን ዓቃቢ ሰላም ሕይወቶም ንሓደጋ ዘቃልዑ እያቶም፡ እቲ ዘቕርብዎ ኣገልግልቶ ዓቃቢ ሰላም ኣብተን ዘገልግሉለን ሃገራት ምርግጋእ ውሑስ ክገብሮ ብዝኽእል መደብ ሃገራዊ ዕርቂ ዝተሰነየ እንተደኣ ዘይኰነ ዓቃቢ ሰላም ንበይኑ ሰላም ከውሕስ ኣይክእልን ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ምዕባለ ንምድጋፍ ኣገዳስነት ጽሩይ ናይ ሓባር ህርኵት ጻዕሪ

ብፁዕ ኣቡነ ኣውዛ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብእደ ኣታውነትን ብውሽጣዊ ፖሊቲካ ጉዳያት ዝጽለዉ ዕጡቓት ሓይልታትን ውድባት ኣሸባርትን ዘተኣታትውዎ ዘይምርግጋእን ሕንፍሽፍሽ ዘርዚሮም፡ ብዓለም ደረጃ ንውግእ ኣጽዋር ዝሰላዕ ሃብቲ ገንዘብ ማእለያ ዘይብሉ ክኸውን እንከሎ ንናይ ድኻታት ሃገራት ልምዓት ዝቐርብ ድጋፍ ኣዚዩ ሒደት እዩ፡ ስለዚህ ልምዓት ንገዛእ ርእሱ መሰረት ሰላም እዩ እሞ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ስሩዕን ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ምዕባለ ዘቕውም ልምዓት ዝድግፍ ሓገዝ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ክቐርብ ጻውዒት ኣመሓላሊፎም፡ ብፍላይ ነቲ ውሑስን ብሉጽን ሰብኣዊ ክብሪ ዘኽብር መደብ ሕንጸትን ዝተፈላለዩ ናይ ሰብኣዊ መውሃቢ ኣገልግሎት ዝግብኦ መንእሰይ ወለዶን ውዕዉዕ ዝዀነ ሕዝቢ ኣፍሪቃን ማሕበራዊ ምትሕብባር ዝዓሰሎ መደብ ልምዓት የድልዮ፡ ብዘይ መጻኢ መንእሰይ ኣፍሪቃ ኣደዳ ምዝመዛን ዓመጽን እዩ ዝኸውን፡ ርኡይ እውን እዩ፡ ምእንቲ’ዚ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ብዝዋፈሩ ዓቃቢ ሰላም ሕቡራት መንግስታት ዓለም ኣቢሉ እቲ ዘቕርቦ ኣገልግሎት ዕቃቤ ሰላም ምስ ሕዝቢ ኣፍሪቃ ብምትሕብባር ሕዝቢ ኣፍሪቃ ናይ ተፈጥሮ ጸጋታት ረባሒ ክኸውን ብዝሓለነ መርሓ ግብሪ ከሳልጦ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ኣፍሪቃ ናይ ተፈጥሮ ጸጋታታ ረባሒት ንምዃን ዘብቅዓ ድጋፍ የድልያ እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ዛዚሞም።

ቅድስቲ መንበር፡ ሰብኣውን ተፈጥሮኣውን ሃብትታት ኣፍሪቃ፡ ንናይ ሕዝቢ ኣፍሪቃ ረብሓ

 

23 November 2018, 16:56