ቅድስቲ መንበር፥ ድኻታት ሃገራት ካብ መጻወዲያ ዕዳ ልቓሕ ወጻኢ ክላቐቓ ምድጋፍ ቅድስቲ መንበር፥ ድኻታት ሃገራት ካብ መጻወዲያ ዕዳ ልቓሕ ወጻኢ ክላቐቓ ምድጋፍ 

ቅድስቲ መንበር፥ ድኻታት ሃገራት ካብ መጻወዲያ ዕዳ ልቓሕ ወጻኢ ክላቐቓ ምድጋፍ

ኤኮኖሚያውን ቁጠባውን ዕዳ ብጠቕላላ ካብ ስነ ምግባራዊ መተክል ንኣብነት ካብቶም ነቲ ናይ ኤኮኖሚ ማእከል ክኸውን ዘለዎ ሰብኣዊ ኵለንተናዊ ምዕባለ ዘነቓቕሑ ነጻነትን ፍትሕን ምትሕብባርን ካብ ዝብሉ ዕሴታት ተነጺሉ ክረአይ የብሉን፡

ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ንግድን ምዕባለን ሓልዮ ጉባኤ ጀነቭ ኣብ ዝርከብ ዋና ቤት ጽሕፈቱ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽኡ ዛዕባ ስነ ቁጠባን ንግድን ምዕባለን ክኢላታት ኣሳቲፉ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ዝሳተፉ ዘለዉን ዘረባ ዘስምዑን ኣብ ጀነቭ ኣብ ዝተፈላለያ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ማሕበራት ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ኢቫን ዩርኮቪች፥ መኽሰብ ንኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ዘየማዕድው እንተድኣ ኰይኑ ኢርትዓዊ እዩ” ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ብፁዕ ኣቡነ ዩርጎቪች፥ ብዙሓት ድኻታት ሃገራት ካብ ድኽነት ንቕላቐቓ ዝወሃበን ናይ ወጻኢ ልቓሕ ንገዛእ ርእሱ ካብቲ ዘለወን ድኽነት ንኸይላቐቓ ኵለ መደያዊ ምትሕልላኻት ዘስዕበለን መጻወዲያ ኰይኑ ከምዘሎ ሓቢሮም፡ ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት ናይ ድኻታት ሃገራት ናይ ወጻኢ ልቓሕ/ዕዳ ብ 8,5 ሚእታዊ ክብ ከምዝበለን ኣብ 2017 ዓ.ም. ጥራሕ 7,64 ትሪሊዮን ዶላር ከምዝበጽሔን ኣመልኪቶም፡ ድኻታት ሃገራት ካብቲ ንወጻኢ ዘቕርብኦ ምህርቲ ዝረኽብኦ ኣቶት 14 ሚእታዊ ትራሕ ንውሽጢ ሃገር ጥቕሚ ክምዘውዓላን እቲ ዝለዓለ ንናይ ወጻኢ ዕዳ መኽፈሊ ከምእተጠቀማሉ እውን ሓቢሮም፡ ዓለም ሓቆፍ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ሓልዮ ማሕበር ከምዘመልከቶ ብልቃሕ ወጻኢ ኣዚየን ኣብ ሓደጋ ዘለዋ ሃገራት ትሕተ ሰሃራ ዝርከባ ከምዝዀናን እዚ ኹሉ ሓደጋ’ዚ መላእ ኤኮኖሚ ናይዘን ሃገራት ክጽወር ናብ ዘይከኣል ምንቁልቋል የብል ኣሎ ኢሎም።

ቅልውላው ዓለም ሓቆፍ ኤክኖሚ ናይ ወጻኢ ዕዳ ክብ ክብል ከምዝገበሮ

እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ዓለም ሓቆፍ ቅልውላው ኤኮኖሚ ናይተን ኣብ ከይዲ ልምዓት ዝርከባ ድኻታት ሃገራት ናይ ወጻኢ ልቓሕ ክብ ክብል ከምዝገብረ ዝገለጹ ብፁዕ ኣቡነ ዩርኮቪች ኣስዒቦም፡ ህልው ሜላ ኤኮኖሚ ድኻታት ሃገራት ዘለወን ሃብቲ ንጭቡጥ ኤኮኖሚ ድጋፍን ናይ ኩሉ ረብሓ ዘውሕስን ኣክንዲ ዝኸውን ነዚ ዝጻረር ኰይኑ ብፍላይ ከኣ በቲ ኣብ 2008 ዓ.ም. ዝተኸስተ ቅልውላው ኤክኖሚ፥ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ከይዲ ኤኮኖሚ ክተኻኸል ኣለዎ ዝብል ሓበሬታ እዩ ይብሉ።

ኤኮኖሚያዊ መኽሰብ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ዘየማዕድው እንተድኣ ኰይኑ ኢርትዓዊ እዩ ዝኸውን

ኤኮኖሚያውን ቁጠባውን ዕዳ ብጠቕላላ ካብ ስነ ምግባራዊ መተክል ንኣብነት ካብቶም ነቲ ናይ ኤኮኖሚ ማእከል ክኸውን ዘለዎ ሰብኣዊ ኵለንተናዊ ምዕባለ ዘነቓቕሑ ነጻነትን ፍትሕን ምትሕብባርን ካብ ዝብሉ ዕሴታት ተነጺሉ ክረአይ የብሉን፡ ኣዚ ማለት ከኣ፡ ከይዲ ኤኮኖምን ምዕባለን ክንየው መስኽሰብ ዝብል ማዕርነት ዘነቓቕሕን ኣብ ሰብኣዊ ኵለንተናዊ ምዓበለ ዘተኰረ ናይ ሃባር ጥቕሚ ዝተኰረ እዩ ክኸውንዝ አለዎ፡ ስለዚህ ናብ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ምዕባለን ኵለንተናዊ ምክፋል ምህርት ዘየማዕድውን ንድኻታት ፉሉይ ቆላሕታ ዘብሉ እንተድኣ ኰይኑ ከይኑ ኢርትዓዊ እዩ ዝኸውን ቢሎም፥

ዕዳጋ ናይ ኣሕዛብን ናይ መላእ ዘርኢ ሰብ ሓባራዊ ጥቕምን ዘገልግል ክኸውን ኣለዎ

እቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ንግድን ምዕባለን ሓልዮ ጉባኤ፡ ድኻታት ሃገራት ዘለወን ናይ ወጻኢ ዕዳ ክጻወረኦ ዝኽእለን ደገፍ ዘቕርብ ብምዃኑ ኣገዳሲ እዩ፡ ስለዚህ እዚ ውድብ’ዚ ዓቢይ ጥቕሚ ኣለዎ፡ እዚ ማሕበርን ካልኦት ዓለም ሓቆፍ ናይ ኤኮኖሚ ተቕዋማት ድኻታት ሃገራት እቲ ዝረኽበኦ ናይ ወጻኢ ልቓሕ ንናይ ሕዝበን ጥቕምን ንፍርያም ኤኮኖሚ ከይዲን ክውዕለኦ ኣብ ምድጋፈን ክጸንዑ ናይ ቅድስቲ መንበር ልኡካን መሪሖም ኣብቲ ጉባኤ ዝተሳተፉን ዘረባ ዘስምዑን ብፁዕ ኣቡነ ዩርኮቪች ገሊጾም፡ ኣብቲ ኣብ 2014 ዓ.ም. ምውፋር ሃብቲ ገንዘብ ኣብ ልዕሊ ድኻታት ሃገራት ዘለዎ ማሕታ ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ናብ ዝመኸረ ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ቅዱስ ኣቦና ኣመሓላሊፎምዎ ኣብ ዝነበረ መልእኽቲ፡ ኤኮኖምን ሃብቲ ገንዘብን ኣብ ስነ ምግባራዊ መትከላት ቆዩሙ ንናይ ሕዝብታትንን ንናይ መላእ ዘርኢ ሰብ ሓባራዊ ጥቕምን ዝውዕል ክኸውን ኣለዎ እክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ጠቒሶም ዘስምዕዎ ዝረባ ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ቅድስቲ መንበር፥ ድኻታት ሃገራት ካብ መጻወዲያ ዕዳ ልቓሕ ወጻኢ ክላቐቓ ምድጋፍ
09 November 2018, 17:27