ድለ

ዓብይ ውግእ፡ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን፥ ስነ ርክባዊ ሜላ ቅድስቲ መንበርን ናይ ሰላም ጥበብ እዩ ዓብይ ውግእ፡ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን፥ ስነ ርክባዊ ሜላ ቅድስቲ መንበርን ናይ ሰላም ጥበብ እዩ 

ዓብይ ውግእ፡ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን፥ ስነ ርክባዊ ሜላ ቅድስቲ መንበርን ናይ ሰላም ጥበብ እዩ

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ተረኺቦም ካብቲ ዓቢይ ውግእ ዓለም ዝተበገሰ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ስነ ርክባዊ ሜላ ብድሆታት ኣብ እዋናዊ ዓለም ዝድህስስ ዘስምዕዎ መደረ፡ እቲ መወዳድርቲ ዘይብሉ ከቢድ ኩናት ዓለም፥ ንቤተ ክርስቲያን ኣዚዩ ብጥልቀት ዝተንከፈ እውን እዩ፡

ኣብ መላእ ሃገራት ዓለም ብዝተፈላለዩ መደባት ዝንበር ዘሎ ምዝዛም ዝኽሪ መበል ሚእቲ ዓመት ቀዳማይ ውግእ ዓለም ምኽንያት ጳጳሳዊ ናይ ስነ ታሪኽ ምርምር ተቕዋም ዘዳለዎ ካብ ዕለት 14 ሕዳር ክሳብ ዕለት 16 ሕዳር 2018 ዓ.ም.  ኣይፋል ውግእን ዓመጽን ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ቀዳሞት ክልተ መዓልታት ኣብ ጳጳሳዊ ላተራነንሰ መንበረ ጥበብ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣድራሻን እቲ ናይቲ ዓውደ ጉባኤ መዛዘሚ ሳልሳይ መዓልቲ ዋዕላ ኣብ ሮማ ናይ ሃንጋሪ ናይ ስነ ባህሊ ተቕዋም ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ዝካየድ ከምዝዀነ ተሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ተረኺቦም ካብቲ ዓቢይ ውግእ ዓለም ዝተበገሰ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ስነ ርክባዊ ሜላ ብድሆታት ኣብ እዋናዊ ዓለም  ዝድህስስ ዘስምዕዎ መደረ፡ እቲ መወዳድርቲ ዘይብሉ ከቢድ ኩናት ዓለም፥ ንቤተ ክርስቲያን ኣዚዩ ብጥልቀት ዝተንከፈ እውን እዩ፡ ይኹን ደኣ እምበር እቲ ክትገልጾ ዘይከኣል ዓመጽ ነቲ ካቶሊካዊ ተስፈይናውነት ንሓድሽ ጉዕዞ ርህው ካብ ምዃን ግካ ኣይዓንቀጾን ኢሎም እዚ ንገዛእ ርእሱ እቲ ቅድስቲ መንበርን ካቶሊካዊ ዓለምን ድህረ ወግእ ዓለም ካብ 1918 ክሳብ 1922 ዓ.ም. ዝብል እቲ ጳጳሳዊ ናይ ስነ ታሪኽ ምርምር ተቕዋም ዘሰናደዎ ዓውደ ጉባኤ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ስነ ርክብ ሜላ ዘጋጠሞ ብድሆታት ምልስ ቢልካ ንትምልከት ፍኖት እዩ ኢሎም፡

ንሰብኣዊ ክብረት ምዕያይ

በነዲክቶስ መበል 15 እቲ ካብ 1914 ክሳብ 1918 ዓ.ም. ዝተኻየደ ውግእ፡ ንኤውሮጳ ርእሰ ቅትለት እዩ እንክብሉ ከምዝገለጽዎን እዚ ኸኣ ነቲ ኣብቲ እዋን ዘጋጠመ ናይ ኣርባዕተ መንግስታት ውድቀት፡ ንሱ ኸኣ ናይ ጀርመንን ኣውስትሪያዊ ሃንጋርን ሩሲያን ኦቶማንን መንግስታት ዝምልከት ክኸውን እንከሎ፡ እቲ እዋን ብርቱዕን ርሱንን ጸረ ካቶሊካውነት መንፈስን እግዚኣብሔር ካብ ሰብኣዊ ኩነት ዝግስጽን፡ ቤተ ክርስቲያን ካብ ማሕበራውን ካብ ናይ ዜጋታት ሕይወት ዝሰጉግ ባህሊ ዘለዓዓለ እዩ፡ ቤተ ክርስቲያን ንዝዀነ ይኹን ዓይነት መንግስታዊ ወይ በርገሳዊ ተቕዋም ሓለፋ ከይበለት፡ ናይ ሰብኣዊ ክብርን መሰል ክርስቲያናዊ ሕልናን ምኽባርን ዝብል ድላይ ኣብ ምንቕቓሕ ከምእተጸመደትን እዚ ነቲ ናይ በነዲክቶስ መበል 15 ኣስተውዕሎ ኣስተንፍሶ ዝገበረ እዩ።

ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሓድሽ ዓለም

እቲ ድሕሪ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ዝተቐልቀለ ዓለም ነጻነት ብዓቢይ ሓይሊ ዘመላኽት እዩ ኔሩ፡ እቲ ውግእ ዘተኣታተዎ ማሕበራዊ ቅልውላው ድኽነትን ቤተ ክርስቲያን ንስነ ተራኽቦነት መላ መሰረት ገይራ፡ ነቲ ቅድምን ደሓርን ኣበርቲዓ ንዘበገሰቶ ናይ ሰብኣዊ ኣገልግሎት ኣብ ምስፋሕ ተጊሃ ክትዓይን ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ እውን ዓለም ሓቆፍ ግብረ ገባውን ምእንቲ ሰላም ዝዓይን ስልጣን ከምዝዀኑ ዝሓበረን እዩ እንክብሉ ኣዘካኺሮም

ቀዳማይ ዕዮ ሰላም እዩ

ኣብ ቅድሚ እቲ ዝተለዓዓለ ሓድሽ ዓይነት መንፈስ ናጽነትን ከምኡ እውን ናብ ምልካዊ ስርዓት ክልወጥ ዝኽእል ዓይነት ፖሊቲካ በነዲክቶስ መበል 15 ሓድሽ ዓይነት ናይ ስነ ርክብ ሜላ ኣብቲ ሓድሽ ዝተወልደ ናይ ዓለም መድረኻት ዘነቓቕሕዎን እዚ ኸኣ ከምቲ ሎሚ እውን ዘሎ ናይ ቅድስቲ መንበር ቀንዲ ዕዮ ንሰላምን ምእንቲ ሰላምን ናይ ዓለም መንግስታትን ዓበይቲ መንግስታትን ፍትሕን ማዕርነትን ምዕሩይ ርክብ ኣብ መንጐ ሃገራትን ሕዝብታትን ንምኽዋን ክዓዩን ዝብል እዩ፡ እዚ ኸኣ ኣብቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 15 ናይ ዝክረ ሰላም ኣብ ዝብል ሓጺር መግለጺ ተመልኪቱ ኣሎ፡

ናይ ሃገረ ቫቲካን ስነ ርክብ ሜላን ብድሆታቱን

ብዙሕ እዋን ይብሉ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ቤተ ክርስቲያን ብዙሕ ከቢድ ተቓውሞ ከጋጥማን ከቢድ ህየሳን ዝነበራ ንብረት ክውረስን ኣብቲ እዋን ከባቢ ቦሄሚ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ዝነበረ መንግስቲ ማእከላይ ኤውሮጳ ብሔራዊት ቤተ ክርስቲያን ዝወለደን ኩነት ብምንባሩ ር.ሊ.ጳ. ኣብቲ እዋን ቤተ ክርስቲያን ካብቲ ኰነ ተባሂሉ ዝፍጠር ካብ ዝነበረን ኣብ ልዕሌኣ ዝንዛሕ ዝነበረ መጥቃዕትን ተነጽሎትነት ገጢማ ሓድሽ ዓይነት ሓዋርያዊ ግብረ ኖላውነት ብምብጋስን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ካብኣተን ዝተወልዱ ብፁዓን ጳጳሳት ብምሻምን፡ ኣብ ኵለ መዳያዊ ምንቅስቓሳታ ካብ ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነትን ኣብ መደብ ሕንጸታታን ኩሉ ካቶሊካዊነት ኣተበበዔት። ምስ ኵሎም ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ምስ ዝነበሩ መንግስታት ምእንቲ ህላዌ ካቶሊካውነትን ካቶሊካውያንን ስነ ርካብዊ ሜላ ካብ ምብጋስ ድሕር ኣይበለት፡ ኣብተን ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ዘይተቀበላ ሃገራት ምስ ሃገረ ቫቲካን ስነ ርክባዊ ሜላ ንምቛም ድላይ ኣብ ዘይነበረን ሃገራት ዝተፈላለዩ ናይ ግብረ ሰናይ መደባት ብምንቕቓሕ ንሕዝቢ ቀረባ ካብ ምዃን ዓዲ ኣይወዓለትን ኢሎም።

ስነ ርክባዊ ሜላ ንምብርታዕ

ብሓጺሩ ብመልክዕ ስነ ኣሃዛዊ ጸብጻብ ክረአይ እንከሎ ይብሉ፡ ኣብ ወርሒ መስከረም 1914 ዓ.ም. ቅድስቲ መንበር ምስ 17 ሃገራት ብልኡካን ዝተሰነየ ርክብ ነይሩዋ፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ 1922 ዓ.ም. እዚ ርክብዚ ናብ 27 ሃገራት ክብ ከምዝበለን፡ ቅድሚ ቀድማይ ውግእ ዓለም ወግዓዊ ብምልኡካን መሰረት ዝቖመ ርክባት ምስ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ዘቋረጻ ሃገራት ከይተረፈ፡ ንኣብነት ኣብ ፈረንሳን ዓባይ ብሪጣንያን። እዚ ኸኣ ኣብቲ እዋን’ቲ ሽሕኳ ድቡን ኩነት የዘንብይ እንተነበረ፡ ጐይታ ቤተ ክርስቲያኑ ካብ ምድጋፍ ኣየቋረጸን ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ዓብይ ውግእ፡ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን፥ ስነ ርክባዊ ሜላ ቅድስቲ መንበርን ናይ ሰላም ጥበብ እዩ
15 November 2018, 16:56