ዘደንቑ ናይ እግዚኣብሔር መገድታት፡ ናይ ቤተ ክርስቲያን ስልጣናዊ ትምህርቲ፥ ዛዕባ ድሕነት ዘይክርስቲያን ዘደንቑ ናይ እግዚኣብሔር መገድታት፡ ናይ ቤተ ክርስቲያን ስልጣናዊ ትምህርቲ፥ ዛዕባ ድሕነት ዘይክርስቲያን 

ዘደንቑ ናይ እግዚኣብሔር መገድታት፡ ናይ ቤተ ክርስቲያን ስልጣናዊ ትምህርቲ፥ ዛዕባ ድሕነት ዘይክርስቲ

Nostra Aetate - ዘለናዮ ዘመን ዝብልን Lumen Gentium - ብርሃን ኣሕዛብ ን Ad Gentes - ናብ ኣሕዛብ ን ዝብሉ ውሳኔታ ምጥቃስ እኹል እዩ፡ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ይብሉ ደራሲ ናይቲ መጽሓፍ፡ ዘይ ክርስቲያን ሃይማኖታት እወታዊ ጐድንታተን ኣፍልጦ ይህብን የድንቕን፡

ኣባል ማሕበር ሳሊዚያን ኣባ ኣብራሃም ካቫላካት፥ ዘደንቑ ናይ እግዚኣብሔር መገድታት፡ ናይ ቤተ ክርስቲያን ስልጣናዊ ትምህርቲ ኣብ ዛዕባ ድሕነት ዘይክርስቲያን” ብዝብ ኣርእስቲ ዝደረስዎ ብቤት ማሕተም ቫቲካን ተሓቲሙ ዕለት 29 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ኣብ ናይ መራኸቢ ብዙሓን ሓልዮ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈትን ረድዮ ኣገልግሎ ክፍሊ ዜና ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ብወግዒ ንንባብ ከዝበቕዔ ተሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ኣባ ካቫላካት ዘደንቑ ናይ እግዚኣብሔር መገድታት፡ ናይ ቤተ ክርስቲያን ስልጣናዊ ትምህርቲ ኣብ ዛዕባ ድሕነት ዘይክርስቲያን ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዎ መጽሓፍ፥ ናይ መለኰታዊ ድሕነት መገድታት ንዘይ ክርስቲያን ክፍሊ ሕብረተሰብ ካብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ጉባኤታት ኣበውን Dominus Jesus - ኢየሱስ ጐይታ  ብዝብል ኣርእስቲ ዕለት 6 ለካቲት 2000 ዓ.ም. ኣብቲ እዋን ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ጆሰፍ ራትዚንገር ደሓር ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶ መበል 16 ክታም ዝተነብሮ ጠመቓዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ዛዕባ እንኰነትን ኵላውነትን ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ምድሓን ተግባር ብመሰረት ውሳኔን ዓበይቲ ውሳኔታት ናይ ቤተ ክርስቲያን ጉባኤታትን ክሳብ እዋናዊ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ስልጣናዊ ትምህርቲ ዘጠቓለለ ናይ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ስልጣናዊ ትምህርታትን መሰረት ገይሩ ዝትንትን መጽሓፍ ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፡ እዚ መጽሓፍ ቤት ማሕተም ቫቲካን፥ እምነትን ዘተን ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘቖሞ ሓድሽ ናይ መጽሓፍቲ ዓምድ መሰረት ቀዳማይ መድብላዊ መጽሓፍ ከምዝዀነን ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሃን ሓልዮ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህይነንተ ፓውሎ ሩፊኒ እቲ መጽሓፍ ንንባብ ንምብቃዕ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ገሊጾም፡ ኣብዚ ኵሉ ዝዛረብ ግናኸ ሓደ’ኳ ሰማዒ ዘይኰነሉ ዓለም፡ ከምዚ ዓይነት ዘዛትይ ዓቢይ ኣገዳሲ መጽሓፍ ንንባብ ክበቅዕ ምርኣዩ ዓቢይ ተስፋ እዩ ኢሎም።

ካብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ክሳብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ

ብዛዕባ ድሕነት ዘይክርስቲያን ዝብል ሕቶን ኣብ መንጐ ክርስትናን ካልኦት ሃይማኖታትን ርክብ ዝብል ሓሳብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ብዕምቆት ዝተመልከቶ ምላሽ ዝሃበሉን ዓሚዩቕ እዋናዊ ጉዳይ እዩ፡ እቶም Nostra Aetate - ዘለናዮ ዘመን ዝብልን Lumen Gentium - ብርሃን ኣሕዛብ Ad Gentes - ናብ ኣሕዛብ ን ዝብሉ ውሳኔታ ምጥቃስ እኹል እዩ፡ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ይብሉ ደራሲ ናይቲ መጽሓፍ፡ ዘይ ክርስቲያን ሃይማኖታት እወታዊ ጐድንታተን ኣፍልጦ ይህብን የድንቕን፡ ብዛዕባ ኣብ መንጐ ክርስቲያንን ዘይክርስትያን ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዝምልከት ሰፊሕ ቲዮሎጊያዊ ምይይጥ ተኻይዱ እዩ፡ ነዚ ሓሳብ’ዚ ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ብዕምቆት ኣጽኒዑ ኢየሱስ ጐይታ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘውጸኦ ጠመቓዊ ትምህርቲ ፈቲሹ ከምዝተንተኖ እውን ሓቢሮም፡ ስለዚህ እዚ ጠመቓዊ ትምህርቲ’ዚ ዘነቓቐሖ ርክባትን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝሃብዎ ስልጣናዊ ትምህርትን ኣብ መጽሓፎም ብሰፊሕ ተተንቲኑ ከምዘሎ የመላኽቱ፡

ናይታ መጽሓፍ መቕድም ደራሲ ብፁዕ ካርዲና ላዳሪያ

ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ልዊስ ፍራንሲስኮ ላዳሪያ ኣብ ዝደረስዎ መቕድም፥ እቲ ኢየሱስ ጐይታ ዘርእስቱ ጠመቓዊ ትምህርቲ፡ ንሱ ኸኣ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስን ቤተ ክርስቲያኑን እንኰን ኵላውን ናይ ምድሓን ተግባር ስልጣናዊ ትምህርቲ እዩ፡  እቲ ኣብ ድሕነት እንኰ መንጐይና ኢየሱስ ክርስቶ ጥራሕ እዩ፡ መንጐይና ኣብ መንጐ እግዚኣብሔርን ዘርኢ ሰብን፡ እዚ ኸኣ እግዚኣብሔር መላእ ዘርኢ ሰብ ከድሕን ድላዩ ምዃኑ የነጽር፡ ስለዚህ ከምቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝብሎ፡ መንፈስ ቅዱስ ዝተፈላለዩ ብእግዚኣብሔር ፍሉጥ ዘዀኑ ምስ ስምጢረ ፋሲካ ሁባሬ ዘለዎም ናይ ድሕነት መገድታት የቕርብን የሰናድውን፡ ከይዝንጋዕ ዝግብኦ ግና ይብሉ ብፁዕ ካርዲና ላዳሪያ፥ ኣገባብን መገድታትን ድሕነት ነቶም ክርስቶስ ዘይፈልጡ፥ ነቶም ክርስቶስ ዘይፈልጡ ክርስቶስ ምብጻሕ ኣየድልይን ዝብል ኣይኰነን፡ ከም ኣማራጺ ናይ ድሕነት መገዲ ገርካ እውን ክረአይ ከምዘብሉ ኣብቲ ዝደረስዎ መቕድም የተሓሳስቡ።

ቀጻልነት/ተኣሳስር ኣብ ናይ ጉባኤ ናይ ውሳኤ ሰነዳትን ኢየሱስ ጐይታ

ነቲ መጽሓፍ ንንባብ ንምብቃዕ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ሆንዱራስ ናይ ተጉቺጋልፓ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ኦስካር ሮድሪገዝ ማራዲያጋን ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ኣዩስ ጉይሮትን ከምእተሳተፉን፡ ብፁዕ ካርዲናል ማራዲያጋ ናይታ መጽሓፍ እዋናውነት ኣብቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ስልጣናዊት ትምህርቲ ዘሎ ቀጻልነት እንከመላኽቱ፡ ብፁዕ ኣቡነ ኣዩሶ ጉይሮት ኣውን ብወገኖም፡ ኣብ መንጐ ኣስፍሆተ ወንጌልን ናይ ሃይማኖት ነጻነትን ዘሎ ርክብ ምስ ናብ ኣሕዛብ ዝብል ውሳኔ ኣተሓሒዞም የብርሁ።

ዘደንቑ ናይ እግዚኣብሔር መገድታት
01 November 2018, 16:35