ድለ

ዝኽሪ መበል 75 ዓመት ደብዳብ ኣብ ልዕሊ ሃገረ ቫቲካን ዝኽሪ መበል 75 ዓመት ደብዳብ ኣብ ልዕሊ ሃገረ ቫቲካን 

ዝኽሪ መበል 75 ዓመት ደብዳብ ኣብ ልዕሊ ሃገረ ቫቲካን

እታ ቀዳመይቲ ቦምባ ኣብ መጓዓዝያ ባቡር ጣቢያ ቫቲካን እታ ካልአይቲ ኣብ ናይ ቤተ ሙኵራ ቤተ ጥበብ ህብረ ኵትቦ (ሞሳይክ) እታ ሳልሰይቲ ኣብ ሕንጻ ኣመሓዳሪ ሃገረ ቫቲካን ወዲቃን መጉዳእቲ ከምዘስዓባን ይዅን ደኣ እምበር ቀንዲ ዒላማ ናይቲ ስርሒት ደብዳብ ብዛዕባ እቲ ውግእን ዘስዕቦ ማህሰይትን ዝሕብር ዝንበረን ኡሱራትን መልእኽቶምን ኩነታቶምን ዘመሓላልፍ ዝነበረ ራዲዮ ቫቲካን ከምዝነበረ ይሕብሩ፡

ቅድሚ 75 ዓመት ዕለት 5 ሕዳር 1943 ዓ.ም. ኣብ ልዕሊ ሃገረ ቫቲካን ደብዳብ ከምእተፈጸመን ብዛዕባ እቲ ዝተፈጸመ ደብዳብ ዘዘንትው ናይ ታሪኽ መጽሓፍ ኣብቲ እዋን ዝነበረን ዘጋጠመን ኵሉ ታሪኻዊ ከይድታቱን ናይቲ ደብዳብ ፖለቲካዊ ጉድኑን ዝድህስስ ኣውጉስቶ ፈራራ ኣብ ዝደረስዎ መጽሓፍ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን ዕለት 5 ሕዳር 1943 ዓ.ም. ምሸት ሰዓት ሸሞንተን ዓሰርተን ደቓይቕ ሓንቲ ጀት ኣብ ልዕሊ ሃገረ ቫቲካን ድሕሪ ምዝምባያ ሓሙሽተ ቦምብታት ከምዝፈነወትን ኣርባዕተ ዓበይቲ ቦምባታት ክትኮሳ እታ ሓንቲ ግና ወዲቓ ተዓቢሳ ከምዝተረፈት ፈራራ ኣብ መጽሓፎም የዘንትዉ፡

እታ ቀዳመይቲ ቦምባ ኣብ መጓዓዝያ ባቡር ጣቢያ ቫቲካን እታ ካልአይቲ ኣብ ናይ ቤተ ሙኵራ ቤተ ጥበብ ህብረ ኵትቦ (ሞሳይክ) እታ ሳልሰይቲ ኣብ ሕንጻ ኣመሓዳሪ ሃገረ ቫቲካን ወዲቃን መጉዳእቲ ከምዘስዓባን ይዅን ደኣ እምበር ቀንዲ ዒላማ ናይቲ ስርሒት ደብዳብ ብዛዕባ እቲ ውግእን ዘስዕቦ ማህሰይትን ዝሕብር ዝንበረን ኡሱራትን መልእኽቶምን ኩነታቶምን ዘመሓላልፍ ዝነበረ ራዲዮ ቫቲካን ከምዝነበረ ይሕብሩ፡ እታ መጽሓፍ እውን ናይ ሃገረ ቫቲካን ወግዓዊ ቤት ስእልን ሕትመትን ንጽብሒት ዕለት 6 ሕዳር 1943 ዓ.ም. ንጐሆ እቲ ዝተገኦድአን ዝዓነወን ኩሉ ብስእሊ ከምዝሰነዶን ነዚ ኣሳእል እዚ እውን ዝተወከሰ ናይ ታሪኽ መጽሓፍ እውን እዩ።

ኣብቲ እዋን ተኸታሊ ቅድስ ጴጥሮስ ዝነበሩ ር.ሊ.ጳ. ብትውልዲ ሽሞም ኤውጀኒዮ ማሪያ ጁሰፐ ፓቸሊ ዝፍለጡ ፒዮስ መበል 12 ምዃኖም ክፍለጥ እንከሎ፡ ብዛዕባ እቲ ዝተፈጸመ ጸብዳብን መን ፈጸሞን ብመን ትእዛዝ ከ ንዝብል ሕቶ ክምልስ ዝፍትን ናይ ታሪኽ ሊቃውንቲ ዝሃብዎ ትንታኔ ዝውከስ መጽሓፍ እውን እዩ።

ዝኽሪ መበል 75 ዓመት ደብዳብ ኣብ ልዕሊ ሃገረ ቫቲካን

Photogallery

ዝኽሪ መበል 75 ዓመት ደብዳብ ኣብ ልዕሊ ሃገረ ቫቲካን
06 November 2018, 16:05