ሲኖዶስ፥ ውዕሎ መበል 11 ጸብጻብ ዘተ ናይ 14 ንኡሳን ጉጅለ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ሲኖዶስ፥ ውዕሎ መበል 11 ጸብጻብ ዘተ ናይ 14 ንኡሳን ጉጅለ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ 

ሲኖዶስ፥ ውዕሎ መበል 11 ጸብጻብ ዘተ ናይ 14 ንኡሳን ጉጅለ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ

መንእሰይ ኣብ ጸዋዕታኡ ናብ ትኽክለይናን ቅኑዕን ልልያ ጸዋዕታ ከብል ነጻነቱ ብምኽባርን ጸዋዕታ ብቐዳምነት መለኰታዊ ስራሕ ምዃኑ ዘይዝንግዕ ስንዮታ የድልዮ፡

ዕለት 15 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ እቲ ዛዕባ መንእሰያትን እምነት ልልያ ጸዋዕታን ዘርእስቱ መበል 15 ሓፈሻዊ መደበይና ጉባኤ ሲኖዶስ፡ ኣብቲ ናይቲ ሲኖዶስ ናይ መጋበርያ ዘተ ሰነድ ካልኣይ ክፋል ኣመርኵይዞ ብ 14 ንኡሳን ናይ ዘተ ጉጅለ ተመዳዲቡ ቅድሚ ፍርቂ መዓለቲ ዘካየዶ ዘተ ዘቕረቦ ጸብጻብ ኣሞርኵይዙ ድሕሪ ቐትሪ 259 ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ኣብ ዝተረኽብሉ መበል 11 ዋዕላ ከምእተመያየጠ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

እምነት ቅያን ከምኡ እውን ቤተ ክርስቲያን መንእሰያት ኣብ ጉዕዞኦም ንቕድሚት ከብሉ ዘለዋ ሓላፍነት ዘመላኽት ብምዃኑ፡ ንጸዋዕታ ዝወሃብ መልሲ፡ ሓሴትን ስግኣትን ዘጣመረ ይኸውን፥ ካብ ዝብል ሓሳብ ተበጊሱ እቲ ብ 14 ንኡሳን ናይ ዘተ ጉጅለ ተመዳዲቡ ኣብቲ ናይቲ ናይ ሲኖዶስ ናይ መዛተዪ ሰነድ ካላእይ ክፋል ኣሞርኵይዚ ዝመኸረ ጉባኤ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ኣስተውዕሎ ገይሩ ዝተበገሰሉ ነጥቢ ክኸውን እንከሎ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ይብሉ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ፡ ናብ ናይ እግዚኣብሔር ፍቕሪ ጽውዑን ምስኡን ምእንቲ መላእ ዓለምን ሰብኣዊ ስድራ ቤትን ክግደስን ክከናኸንን ናብ ሱታፌ ምስ እግዚኣብሔርን ዝተጸውዐ እዩ፡ እዚ ኸኣ ናይ መላእ ሕይወት ዝዀነ ናይ እምነትን ከምኡ እውን ንሰብኣዊ ፍጡር ኣብ ዓለም ዝገልጾ ፍልልያት ክንየው ተሓባባርነት ክስምዖ ዝድርዀ ረቲዕ ግንዛበ ክህልዎ ዝገብሮ ጸዋዕታ እዩ። ጸዋዕታ ኵላውነት ቅድስና ዝምልከት እዩ፡ እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ኣስናንካ ነኺስካ ዘይኰነስ ገዛእ ርእስኻ ብሓጐስ ብምውፋይ እዩ።

ምስ ጠመተ ኢየሱስ ምርኻብ

መንእሰይ ኣብ ጸዋዕታኡ ናብ ትኽክለይናን ቅኑዕን ልልያ ጸዋዕታ ከብል ነጻነቱ ብምኽባርን ጸዋዕታ ብቐዳምነት መለኰታዊ ስራሕ ምዃኑ ዘይዝንግዕ ስንዮታ የድልዮ፡ እዚ ኸኣ መሰረታዊ እዩ፡ ምስ ጠመተ ኢየሱስ ምርኻብ፡ ውሳጣዊ ብስለትን ምስ ጸጋን ምሕረትን እግዚኣብሔር ንኽትራኸብ የብቅዓካ፡ በዚ መገዲ’ዚ ጥራሕ እዩ መንእሰይ ኣብ ቅድሚ ሱር መትሕዝ ሕቶታት እዚ ኽኣ ቅድሚ ስቓይን ሞትን ዝምልከቱን ካልኦት ዓበይቲ ናይ ህልውና ሕቶታት ንበይኑ ከምዘሎ ዘይስምዖ፡ በንጻሩ ብከይዲ ልልያ ኣቢሉ እቲ ጥልቂ መለለይኡን ወይ መንነቱን ፈልዩ ብምስትውዓል ንቤተ ክርስቲያን ንሕብረተሰብን እንታይነት እንኰ ኣበርክቶኡ የለልይ።

ኢየሱስ መንእሰይ ኣብ መንጐ መንእሰያት

ኣብ ነፍሲ ወከፍ መንእሰይ ቤተ ክርስቲያን ህላዌ ኢየሱስ ክርስቶስን ህላዌኡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መንእሰይን “ዝተባርከ መሬት”  ትገልጽ፡ እዚ ኸኣ እቲ ኣብ መንጐ ክርስቶስን መንእሰይን ዘሎ ርክብ ምዕሟቕ ዘለዎ ኣገዳስነት የመላኽት፡ ኢየሱስ ነቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ልቢ መንእሰይ ዝኽወን ብስለታዊ ከይዲ ዝግደስ፡  መንእሰይ ኣብ መንጐ መንእሰያት እዩ። እቲ ምስኡ ዝጸንዕ ግላዊ ርክብ ከኣ ነቲ ናይ ግሊ ጸዋዕታ መሰረት እዩ። ናይዚ ጸዋዕታ’ዚ ልልያ ንምክያድ ናቱ ዝዀነ ብቑዕን ግቡእን ስፍራ ኣገዳሲ እዩ፡ ንኣብነት ቤተ ክርስቲያናዊ ማሕበረሰብ፡ እቲ ኣሰናዪ ኸኣ ካህን ክኸውን ግድን ኣይኰነን፡ ብቕዕ ምስንዳው ዘለዎ ናብ እግዚኣብሔር ዝመርሕ እግዚኣብሔር ናብ ልቢ ዘብጽሕ ስምዒትን ሰብኣዊ ርክብን ፈታውነቱን ግምት ዝህብ ጥራሕ ይኹን። ልልያ ክበሃል እንከሎ ኣምበኣርከስ መልሲ ዝሓትት ናይ መጠይቓዊ ሜላ ማለት ዘይኰነስ፡ እንታይደኣ መንእሰይ ንጸዋዕታ ናይ ጐይታ ብናጻ ክምልስ ዘኽእሎ እሙን ምስክርነት ዝሓትት እዩ።

ግላውን ማሕበራውን ስንዮታ

ገዛእ ርእስኻን ከባቢኻን ምጥማት፡ እዚ እዩ መንእሰያት ብቤተ ክርስቲያን ተሰንዮም ክገብርዎ ዝግብኦም፡ ኣብ ክርስትና ሕይወት ዝግበር ስንዮታ ናይ ነፍሲ ወክፍ ናይ ሕልና ምርጫ ዘኽብር ወትሩ ግላውን ማሕበረ-ሰብኣውን እዩ፡ ሕብረተ-ሰብ ከኣ ልክዕ ከምቲ ቤተ ክርስቲያን ንዓለም ማለት ምስ ኢየሱስ ምሉእ ሕብረት ክህልዎ እትመርሕ ብርሃን ምዃና ልክዕ ከማኡ ንመንእሰይ ኣብ ምስናዩ። ስለምንታይ እውነተይና ጸዋዕታ ዕድመ እምበር ብጸቕጢ ዝቐርብ ስለ ዘይኰነ እዩ። ጓሶት ኣብ አመንቲ ሕብረተ-ሰብ ናይ እምነት ተሓባባርን ተደጋጋፍን ሕልናን ኣብ ሕውነትን ጸሎትን ኣብ ምንዮትን ኣብ ምስክርነት ወንጌላዊ ሕይወት ዘሎ ሓሴት   ምንቕቓሕ ወይ ምትብባዕ ዝኽእሉ ክዀኑ ይግባእ። እዚ ኸኣ ወትሩ ሰባት ካብ ዝዀነ ይዅን ካብ ናይ ስልጣን ድዩ ኣካላዊ ዓመጽ ብምሕላውን ምክንኻንን።

ሜሮን ናይ ቤተ ክርስቲያን ማሕተም ዝንበሮ ምስክር ወረቐት ማለት ኣይኰነን

ኣሰንዮ ዝብል ቃል ብእንግሊዘይና Accompany – ብጣልያንይና accompagnare ዝብል ስርወ ቃሉ “cum pane”  ዝብል ላቲናዊ ቃል ከይኑ ትርጉሙ ከኣ ብእንጌራ/ምስ እንጌራ ዝብል እዩ፡ ዝለዚህ ነዚ ዘብርሁ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ስንዮታን ተቋዳስነት ዘጣምር ምዃኑ ኣመላኺቶም፡ ንመንእሰይ፡ እተሰንዮ ቅዱስ ቁርባን ብምክፋል እዩ (ስንዮታን ሱታፌ ኣብ ቅዱስ ቁርባንን) ቢሎም፡ ምስ እዚ ኣተሓሒዞም፡ ንምስጢረ መሮን ዓቢይ ትኵረት ክግበረሉ ከምዝግባእ ከተሓሳስቡ እንከለዉ፡ ምስጢረ ሜሮም ናይ ቤተ ክርስቲያን ማሕተም ዝንበሮ ምስክር ወረቐት ማለት ዘይኰነስ ኣብ እምነት ክትበስል ዝገብር ጸጋ እዩ፡ ስለዚህ ግዜ ዘለዎ  ክብሪ መንእሰይ ከስተውዕሎን ታህዋኽ ክይህልዎ ብምድጋፍ፡ ንመላእ ሕይወተይ ንምባል ዘይፈርሕ ክኸውን መታን ናይ እግዚኣብሔር ትዕግስቲ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ፍጡር ዝተደናገረ ምርጫ ከይፍጽም ዘብቅዖ ስለ ዝዀነ ብጥብቂ ክርዳእ ይሕግዞ።

ንተኣፈፍቲ ዝሓቍፍ

ናይ ቤተ ክርስቲያን ዕማም ናይ መንእሰያት ሓይሊ ዓቢይ ግምት ምሃብን ኣብ ድኻሞምን ተኣፋፍኖቶምን ምድጋፍን ዝብል እዩ፡ ስለዚህ እዚ ሲኖዶስ’ዚ እቶም ኣብ ስቓይን መከራን ዝርከቡን ኣካላውን ስነ ኣእምሮኣውን ማሕበረ-ባህላውን ተነቀፍቲ ዝዀኑ ኣብ ሕይወት ቤተ ክርስቲያን ሕቑፋት ክዀኑ የተሓሳስብ፡ መንእሰያት ኣብ ማሕበረሰቦም ንቑሓት ናይ ለውጢ በዓል ቤታውያን እያቶም፡ ንማሕበራዊ ምድግጋፍ ገዛእ ርእሶም ክፉታት ንኽገብሩ ገዛእ ርእሶም ከም ጸጋ ዘወፍዩ እያቶም። ምእንቲ’ዚ ብውልቂ ነፍሲ ወከፍ መንእሰይ እቶም ናይ ሓደኣዊ ጾታ ናይ ምፍቃር ዝንባለ ዘለዎም እውን ከየግለልካ ቤተ ክርስቲያን መንእሰይ ንሕይወቱ ትርጉም ክህብን ኣብዚ ዓለም ናይ እግዚኣብሔር ምልክታ ንኸለልዩ መታን ተሰንይን ትድግፍን። ሰብኣዊ ፍጥረት ሓቀይና ቤተ ክርስቲያን ንምሕናጽ ኣብሊጹ መታን ክዓዪ እግዚኣብሔር ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ዓበይቲ ነገራት እዩ ዝሓስብ።

ቋንቋዊ ሕቶ

ኣብ ናይ መሰጋገሪ እዋን ከምእንርከብ ብፁዓን ጳጳሳት ገሊጾም፡ እዚ ናይ መሰጋገሪ እዋን’ዚ ዝተሓላለኸ እዩ፡ እቲ ኣብ ስቓይን ዓበይቲ ጸገማትን ዝርከብ መንእሰይ ንሕይወቱ ትርጉም ክህብ ዘኽእሎ ናይ ተስፋ ምልክት እቲ ካብ ኢየሱስ ዝወሃብ መልሲ ምዃኑ ኣብሪሆም።  መንእሰይ ብዛዕባ እቲ ኵሉ ምዃኑን ሃረር ዝብሎን ትጽቢታቱን ብዛዕባ ርክብን ዝስዋዕ ፍቕርን ህልውናን ብዘይ ወለሓደ ውልቃዊ ረብሓ ዝዛረቦም ዝቐርቦምን ልቦም ዝትክፍ ተስፋን ድላይ ሰናይነት ኣብ ውሽጦም ብምብርባር ሕይወቶም ንኽልውጡ ዝድርዀም ፈልዮም ዝፈልጡ እያቶም።

ኣብነት ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ

ናይ ዕለት 15 ጥቅምቲ ውዕሎ ሲኖዶስ ሓሳቡ ናብቲ ዕለት 14 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ቅድስና ዝተኣወጀሎ ጳውሎስ ሻድሻይ ኣቕኒዑ፡ ጳውሎስ ሻድሻይ ጠመተኡ ኣብ መንእሰይን እዋናዊ ዓለምን ኣንቢሩ፡ ሕይወት ብዓቢዩ ጸዋዕታ ምዃኑ ዘነጸረን እዩ እንክብሉ ገሊጾም … ዕለት 25 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ናይ ሲኖዶስ ኣበውን ብመሰል ሰማዒ ኣብቲ ሲኖዶስ ዝሳተፉ ዘለዎ መንእሰያት ብሓባር ዝፍጽምዎ መንፈሳዊ ንግደት ብናይ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዝሰናደው መንፈሳዊ መደብ ክሰናደው ከምዝሓተተ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ሲኖዶስ፥ ውዕሎ መበል 11 ጸብጻብ ዘተ ናይ 14 ንኡሳን ጉጅለ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ
16 October 2018, 17:55