ሲኖዶስ መበል 13 ውዕሎ፡ ምስክርነት ቅዱሳት ቅዱሳትን ናይ እዋንና ሰማዕታትን መንእሰያት ሲኖዶስ መበል 13 ውዕሎ፡ ምስክርነት ቅዱሳት ቅዱሳትን ናይ እዋንና ሰማዕታትን መንእሰያት 

ሲኖዶስ መበል 13 ውዕሎ፡ ምስክርነት ቅዱሳት ቅዱሳትን ናይ እዋንና ሰማዕታትን መንእሰያት

ኣብዚ እዋን’ዚ ዝቐርብ ምስክርነት እምነት ክርስትና፡ ብዙሕ ሓደስቲ ምልዋጣት የተባብዕ ምህላዉ ክፍለጥ እንከሎ፡ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ መንእሰይ ናብ ቅድስና ዘንቃዕርርን ንቕድስና ሃረር ዝብልን ብዘይ ቀለዓለም ዝሓቶ እውን ምዃኑ ገሊጾም፡ ሓቀይና መሰኻኽርን ዝውከስዎምን ኣስተንፍሶ ዝዀንዎምን ረቲዓንነት ዝነብሩ ጸላያን ኣስተንታንያንን ኣብ ማሕበራዊ ጉዳይ ዝዓዩን ናይ ተቕዋም ሰራሕተይናታት ጥራሕ ዘይኰን ጓሶት ዘናድዩ እያቶም። ስለዚህ እዩ ከኣ ምልዋጥ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣድላዪ ዝበሃል።

ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ዕለት 16 ጥሪ 2018 ዓ.ም. ድሕሪ ቐትሪ ነቲ ኣብ መበል 12 ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ኣብቲ ናይ ሲኖዶስ ናይ መዛተዪ ሰነድ ተነቢሩ ዘሎ ሳልሳይ ክፋል ኣሞርኵይዞም ዘበገስዎ ዘተ ኣስዒቦም መበል 13 ውዕሎ ከምዘካየዱን ኣብዚ ውዕሎ’ዚ 251 ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ከምእተሳተፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅድስና ዘይብጻሕ ረቒቕ ሓሳብ ከምዘይኰነ ኣብ እንነብረሉ ዘሎና እዋንና ከይተረፈ ብዙሓት መንእሰያት ብቓልን ሕይወትን ዘወፍይዎ ምስክርነት የረጋጾ። ኣብቲ መበል 13 ውዕሎ፥ ማሕበረ ክርስቲያን ብዙሕ ግዜ ንኣሳዶ ዝቃላዕ ውሁዳን ኣብ ዝዀነሉ ከባብ ዝነብሩ መንእሰያት ዝህብዎ ኣብነት ሕይወት ክርስትና ብኣጽንዖት ከምእተገልጸን፡ ብቐዳምነት ከኣ በቲ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘለዎም ኣምነት ምኽንያ ናይ ደም ሰማዕትነት ዝኸፍሉሉ ከባቢ ማእከላይ ምብራቕን፡ ደሓር እውን ኣብ ህንዲ ዘለዉ እምነቶም ኣብ ምንባርን ምዕቃብን ዝኸፍልዎ መስዋዕትን፡ ስለ እምነቶም ናይ ደም ሰማዕትነት ንኽቕበሉ ዘርእይዎ ቅሩብነት ከምተመልከተ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ።

ምስክርነት እምነት ክርስትና ሓደስቲ ምልዋጥ የነቓቕሕ

ኣብዚ እዋን’ዚ ዝቐርብ ምስክርነት እምነት ክርስትና፡ ብዙሕ ሓደስቲ ምልዋጣት የተባብዕ ምህላዉ ክፍለጥ እንከሎ፡ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ መንእሰይ ናብ ቅድስና ዘንቃዕርርን ንቕድስና ሃረር ዝብልን ብዘይ ቀለዓለም ዝሓቶ እውን ምዃኑ ገሊጾም፡ ሓቀይና መሰኻኽርን ዝውከስዎምን ኣስተንፍሶ ዝዀንዎምን ረቲዓንነት ዝነብሩ ጸላያን ኣስተንታንያንን ኣብ ማሕበራዊ ጉዳይ ዝዓዩን ናይ ተቕዋም ሰራሕተይናታት ጥራሕ ዘይኰን ጓሶት ዘናድዩ እያቶም። ስለዚህ እዩ ከኣ ምልዋጥ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣድላዪ ዝበሃል። መንእሰይ በቲ ዝተፈጸመ ናይ ወሲብ ዓመጽ ምኽንያት ኣብ ቅድሚኡ ብዝፍጠር መሰናኽላት ድሮ ተቖጢዑ ዘሎ ብምዃኑ ምቁራት ቃላት ጥራሕ ኣይኰነን ዘድልዮ ቢሎም ዝሓበሩ ብፁዓን ጳጳሳት፥ ግልጽነትን ናይቲ ብጸጋ እግዚኣብሔር ክኡል ዝኸውን ምርጫ ድንግልናን ንጽሕና ሕይወት ሓሴት ዝምስክሩ ጓሶት የተሓሳስቡ።

ቤተ ክርስቲያን ናይ ዓለም ብዘይ ምዃን ኣብ ዓለም፡ ሓቅን ምሕረትን እትሕብር

ናይ ዓለም ብዘይ ምዃን ኣብ ዓለም ምዃን፡ ቤተ ክርስቲያን ብዙሕ ዘይትዛረብ ኣእንጋዲት፡ ግዜኣን ጉልበታን ንመንእሰያት ኣተወፍይ፡ ሓቅን ምሕረትን ዘይነጻጸሉን ዘይነጻጸጉን ሕመርቱ ከኣ ክርስቶስ ምዃኑ ብጥልቂ ዘብርሁን ዝነብሩን፡ ሓጢኣት እምበር ሓጥኣን ዘየውግዙ፡ ብፍቕሪ ዘሰንዩ ኣበ ነፍሳት የድልዩ፡ እግዚኣብሔር ከም ምዃንና ይቕበለና ግና ከምቲን ኣብቲ ምዃንና ግና ኣይሓድገና፡ ስለዚህ ዝተወለጡ ሓደስቲ ሰባት ንኽንከውን የብቅዓና፡ ቤተ ክርስቲያን ናይ መንእሰይ ድኻምን ጻዕርን ናታ ገይራ እትነብ ናብቲ ኣብ ባሕሪ ዘሎ መንእሰይ እትቕዝፍ ምልሕቓ ከኣ ክርስቶስ እዩ።

ናይ መስቀል ቃል ዘይትኽሕድ ቤተ ክርስቲያን

ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ነቲ ኣብ ዓለም ብስፍሓት ዝንበር ናይ ሓሶት ኣብነታውያን ዝዀኑ ዝተፈላለዩ ጽግዕተይናነትን በራሲ ታሕጓሳትን ዕሴታት ድዩ ክርስቲያናውያን ዕሴታት ዝብሉ ንኣብነት ስድራ ቤት ዘጠቓልል ኣይፋ ዝብል፡ እግዚኣብሔር ካብ ልቢ ሰብ ከወግድ ዝገብር፡ ቍሳውነት ባህልን ሄዶንነትን ማለት ትፍግዕተይናነትን ኮኒኖም፡ ቤተ ክርስቲያን ናይቲ ናይ ቃል ብስራት ሕመረ ዝዀነ ሞት ስዒሩ ዝተንስኤ ክርስቶስ ሓይሊ ከይኸሓደት ንኣኡ ተባዕ ሓባሪት ክትከውን የተሓሳስቡ፡ መንእሰያት መስቀል ኣየፍርሖምን ግልጺ እምበር ዘይንጹር ወንጌል ኣይኰኑን ዝደልዩ፡ ጸዋዕታ ስቑል ኢየሱስ፡ ብርታዐ እምበር ድኽመትን ስዕረትን ማለት ከምዘይኰነ ዘቃልሕ ክኸውን ኣለዎ፡ ምንእስቲ ቤተ ክርስቲያን መንእሰይ ወለዶ ጸሎት መቝጸርያ ክደግምን ኣብ ቅዱሳት ምስጢራትን ኣብ ቅዱስ ቁርባን ክሳተፍን እተበራትዕ እያ።

ዓቢይ ሓደጋ  ስእነት ስራሕን ስደትን

ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ኣብ ዘካየድዎ ውዕሎ፡ እቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ንብዙሓት መእሰያት ዘጥቅዕ ስእነት ስራሕ እናሓሰቡ፡ ቤተ ክርስቲያን ከም ስድራ፡ ነቲ ብስእነት ስራሕ ዝተጠቕዔ መንእሰይ ኣብ ምድጋፉ ክትውዕል ከምዝግብኣን፡ መደብ ንኡስ ልቓሕ ኣቢላ ሓገዛ እናቕረበት፡ ናይ ሕይወት ትርጉም እናመስከረት ዓቕማን ሓይላን ምእንቲ መንእሰይን ንመንእሰይን ብሉጽ ማሕበረሰብ መጻኢ ውሑስ ንምግባር እናዋፈረት ደገፋ ብግብሪ ከተቕርብ ከምዝግብኣ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ይምዕዱ፡ እዚ ኸኣ ጓሶት ንመንእሰይ ወለዶ ቆላሕታ ክግበሩን ብፍላይ ከኣ እቲ ቤቱን ስድራ ቤቱን ዛሕዚሑ ክስደድ ንዝግደድ መንእሰይ ትኵረት ክግበርን ንመንግስታን ንናይ መንግስታት ተቕዋማት ጻውዒት ከቕርቡ ከምዘለዎም ብምዝኻኻር መንእሰይ ብዙሕ እዋን ኣብ ዝተፈለለዩ ከባቢታት ስለ እቶም ዝተናዕቁን ስለ ክንክን ምህዳርን ዓቢይ ቆላሕታ ዝገብር እውን ብምዃኑ ናይ ኵለንተናዊ ሕብረተሰብኣዊ ዕብየት ከይዲ ቀንደይና ተዋስኢ ክኸውን ምሕጋዝ ኣገዳሲ ምዃኑ ብፁዓን ኣበው ይሕብሩ።

ቤተ ክርስቲያን፥ ክርስቲያናዊ ሕንጸት እትነጽግ ክትከውን ኣይግባእን

ኣብቲ ናይ ክፉትነትን ዘተን ሕልናዊ ሕንጸትን ግብረ ገባዊ ዕሴታት ዝበራታዓሉ ኣብ ኣባይቲ ትምህርቲ ኰነ ኣብ መናብርተ ጥበብ፡ ቤተ ክርስቲያን መንእሰይ ናይ ምሕናጽ ሓላፍነታ ክትነጽግ ከምዘይግብኣ ብፁዓን ኣበው ኣተሓሳሲቦም፡ ኣተሓሒዞም እውን ካልኦት ኣቢያተ ትምህርቲ ካብ ምቛም ነተን ዘለዋ ኣቢያተ ትምህርቲ ምድሓን የድሊ ኢሎም። ዝተቐበልካዮ መብራህቲ ክትዓብጦ ስለ ዘይኰነ ግብረ ኣስዳዒ ሃይማኖት ኣይፋል ብምባል ካቶሊካዊ እምነት ኣስተንፍሶ ዘለወን ኣቢያተ ተምህርቲ ምብርታዕ ከምዘድሊ እውን ሓቢሮም። ንደቃቶም ብቑዕ ትምህርቲ ንኽረኽቡ ኣብ ምግባር ናይ ኤኮኖሚ ዓቕሚ ንዘይብሎም ድኻታት ኣቢያተ ስድራ ምድጋፍ ኣገዳሲ እዩ እንክብሉ ብፁዓን ኣበው የተሓሳስቡ።

ቃል ምስክርነት ብምስማዐ መሰል ካብ ዝሳተፉ ዘለዉ

ኣብ መዛዘሚ እቲ መበል 13 ውዕሎ ሲኖዶስ፡ ካብቶም ብመሰል ምስማዕ ካብ ዝሳተፉ ዘለዎ 49 መንእሰያት ውሽጢ ኣብቶም ኣብ ቤተ ክርስቲያን ካብ ዝተወልዱ ምንቅስቓሳት ናይ ምልዋጥ ጸጋ ዝተዓደሉን፡ ንሓድሽ ወለዶን ኣባይቲ ስድራን ደቀንስትዮን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ግምት ዝህብን ኣብ ሓላፍነት ዘዋስእ ዕድል ክፍጠረር ዘተሓሳስብን ኣብ ኣስፍሆተ ወንጌል ዝተግህ ማሕበረሰብኣዊ ሕይወት ኣብ መንጐ መንእሰያት ክቐውምን፡ ሕንጸት ዘርኣ ክህነት ኣብ ስነ ሓሳብን ኣምራውን ዝብል ኣብነት ካብ ምቕራብ ሓሊፉ ንናይ መንእሰይ ዕለታውን ጭቡጥ ሕይወት ቀረባ ክዀኑ ዝድግፎም ሕንጸት እውን ክረኽቡ ይግባእ ዝብሉ ሓሳባትን ምስክርነን ከምዝቐረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ።

ሲኖዶስ መበል 13 ውዕሎ፡ ምስክርነት ቅዱሳት ቅዱሳትን ናይ እዋንና ሰማዕታትን መንእሰያት
18 October 2018, 17:54