ድለ

ሲኖዶስ መንእሰያት፡ ጸዋዕታ ኣብ ማሕበረሰብ እምበር ኣብ ቤተ ሙክራ ኣይኰነን ሲኖዶስ መንእሰያት፡ ጸዋዕታ ኣብ ማሕበረሰብ እምበር ኣብ ቤተ ሙክራ ኣይኰነን 

ሲኖዶስ መንእሰያት፡ ጸዋዕታ ኣብ ማሕበረሰብ እምበር ኣብ ቤተ ሙክራ ኣይኰነን

እቲ ስለ ጸዋዕታ ዝሓልይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ቀጥታዊ ርክብን ዘተን ብዛዕባ መንእሰይ ምስ መንእሰይን፡ እዚ ክበሃል እንከሎ ከኣ ብዛዕባ መንእሰይ ጥራሕ ዘይኰነስ ምስ መንእሰይ ምዝታይ ዝብል እዩ፡ በዚ መገዲ’ዚ ሕልሚ ኣረጋውያንን ራእይ መንእሰያትን ምራኻብን ክዛተዩ ምግባርን፡

ዕለት 10 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ድሕሪ ቀትሪ እቲ ዛዕባ መንእሰያትን እምነትን ልልያ ጸዋዕታን ብዝብል ሓፈሻዊ ርእሰ ጉዳይ ተመሪሑ ዝካየድ ዘሎ መበል 15 ሓፈሻዊ መደበይና ጉባኤ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ፡ ኣብቲ ናይ መዛተይ ሰነድ ኣብ ካልኣይ ክፍሊ ዝተነብረ ሓሳብ ኣምሪሑ ዝጀመሮ ዘተ መሰረት ገይሩ፡ “ምብራህ፡ እምነትን ልላይ ጸዋዕታን” ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ከምእተመያየጠን፡ ኣብዚ ውዕሎ’ዚ 255 ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ከምእተሳተፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ብዛዕባ ቤተ ክርስቲያንን መንእሰያትን ክዝረብ እንከሎ፡ ብዙሕ ጊዜ ኣብ ቤተክርስቲያን ብዛዕባ መንእሰይ ክሕሰብ መንእሰይ ቤተ ክርስቲያን ናይ መጻኢ ተስፋኣ ዝተነሮ ኣብ ዝብል እምበር ናይ ቤተ ክርስቲያን ንጡፍ ህልውነት ምዃኑ ኣይኰነን ዝሕሰብ፡ ስለዚህ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ብዛዕባ መንእሰይ ዝምልከት ሓድሽ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ዝተሓደሰ ናይ ጸዋዕታ ባህልን ክነቓቓሕን እቲ ናይ ነፍሲ ወከፍ መንእሰይ ህርመት ልቢ ዝዀነ ድምጺ ከለልይ ክድገፍ ከምዘለዎ የተሓሳስቡ።

ዘተ ኣብ መንጐ መንሰይን ኣረጋውያን ክፍሊ ሕብረተሰብን ተጓርኖኣዊ እዩ

ጸዋዕታ ይብሉ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ፡ ኣብ ቤተ ሙክራ ዘይኰነስ ብሓቂ ዘይንጽል ወይ ከኣ ናይ ውሑዳት ዘይኰነ ንኹሉን ናይ ኵሉን ዝዀነ ኣብ ዓውዲ ዝርከብ ቤት ሕክምና ስለ ዝዀነ ኣብ ማሕበረሰብ እዩ ዝኽወን፡ ስለዚህ ቤተ ክርስቲያን ናይ ሱታፌ ስፍራን፡ ምልእተ ትርጉም መታን ክትከውን ብሓቃውያን ርክባታት እያ ክትህብት ዘለዋ። ምእንቲ’ዚ ጸዋዕታዊ ልልያ ክበሃል እንከሎ፡ ናይ ጠመተን ‘ምስ’ - ንምርኻብነት ባህርይ ሰብ ግምት ምሃብ ማለት እዩ፡ እቲ ስለ ጸዋዕታ ዝሓልይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ቀጥታዊ ርክብን ዘተን ብዛዕባ መንእሰይ ምስ መንእሰይን፡ እዚ ክበሃል እንከሎ ከኣ ብዛዕባ መንእሰይ ጥራሕ ዘይኰነስ ምስ መንእሰይ ምዝታይ ዝብል እዩ፡ በዚ መገዲ’ዚ ሕልሚ ኣረጋውያንን ራእይ መንእሰያትን ምራኻብን ክዛተዩ ምግባርን፡ ከምቲ ኣብ ነቢይ ኢዩዔል ዝቐርብ ጻውዒት፡ ቤተ ክርስቲያን ገዛእ ርእሳን ውዕዉዕ ሓይላን ትርእን፡ እቶም መንእሰያት ምስቲ ሞት ስዒሩ ዝተንስኤ ክርስቶስ ዝራኸብሉ ስፍራ ክትከውን ከምዘለዋ የመላኽቱ።

መንእሰይ ንኸፊል ውዕል ምርካብ ዘይኰነስ ሓላፍነት ዝስምዖ ምግባር ክኸውን ምድጋፍ የድሊ

ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ፡ ኣብ እውነተይና ልልያን ሕድ ሕዳዊ ምስምማዕ ኣብ ዝብሉ ተግባራት እናሓሰቡ፡ መልእኽቲ መደብ ምድሓን ኣምላኽ መንእሰይ ክርድኦን ክማርዀን ብዝኽእል ኣገባብ ከቕረብሉ ይግባእ። ስለዚህ ብእግሩ ደው ከይብል ብዝገብሮ ኣባታውነት ዓይነት ኣተሓሕዛ ንዝዀነ ንኸፊል ውዕሊ ምርካቡ ዘይኰነስ ዓበይቲ ሕልምታት ክሓልም መታን በእጋሩ ደው ክብል ኣብ ዘብቅዖ ርእሰ ሓላፍነታውነትን ምሕናጽ ከምዘድሊ የመላኽቱ።

ንድኻታት ኣብ ምፍቃር ምሕናጽ

እቲ ካልኣ ናይ ጸዋዕታ መፍትሕ፡ ሕንጸት ንድኻታት ኣብ ምፍቃር ዝብል እዩ፡ ድኻ እተዘየለ ክርስቲያናዊ ጸዋዕታ ክህሉ ኣይምኸኣለን፡ ቃላት ድኻን ዝተናዕቀን ናይቲ ቃል ቃልኣውነቱ ንኽትርዳእ ይሕግዝ፡ ስለዚህ ቤተ ክርስቲያን ምስቲ ድኻ ክፍሊ ሕብረተሰብ እትዝትይ ምስቲ ዝተናዕቀን ትሑትን ዝዀነ ክፍሊ ሕብረተሰብ፡ ኣብዚ ውልቃውነት ኣብ ዝብል ዓይነት ኣነባብራን ኣካይዳን ጽኑፍ ወይ ክሩር ኣብ ዝዀነሉ ዘሎ ዓለም፡ ኣብ ማሕበራዊ ፍትሕን ኣኽብሮ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ናይ ሕይወት ባህሊ ምጽናዕን ኣብ ዝብል ዕሴት ጠመተኡ ዘንብር ልልያ ጸዋዕታ ኣገዳሲ እዩ።

ስድራ ቤት መንህብ ሕይወትን ጸዋዕታን እያ

ስድራ ቤት ዘቤታዊት ቁምስና እያ፡ ናይ ሕይወትን ጸዋዕታን መንህብ እያ፡ ስለዚህ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ስድራ ቤት፡ ብሓጐስን ብተስፋን እቲ ቀዳማይ ሳምዕ ጸዋዕታ ጽን ትብል፡ ነዚ ኸኣ ኣብ እምነትን ኣብ ናይ ልኡካነ ሓሴት ክጸንዕ ምግባር ናታ ሓላፍነት ይኽውን። …

መርኣያ ኢየሱስ ምስ ክልተ ደቀ መዝሙር ኣብ ኤማኡስ

ነቲ ኣብ ገለ ገለ እዋን ናይ ወንጌል ዕሴታት ዘናሽው እዋናዊ ዓለም ብምርኣይ፡ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ካብ ቤተ ክርስቲያን ስለ እቶም ዝርሕቝ ኣብ ናይ ሓሶት ገነት ጽግዕተይና ዝዀኑ መንእሰያት እናሓሰቡ፡ ነዞም ከምዚ ዓይነት መንእሰያት እንታይ ይገበር ዝብል ሕቶ ኣቕሪቦም፡ ናይዚ መልሲ’ዚ ኣብቲ ኣብ ኤማኡስ ርክብ ኢየሱስን ክልተ ደቀ መዝሙርን ዝርከብ ከምዝዀነን፡ እዚ ምስ መንእሰይ ሓቢርካ ምጉዓዝን ሓቢርካ ጥራሕ ዘይኰነስ ምስኡን ከምኡን ኴይንካ ምስናይ ከምዘድሊ የመላኽት።

ተመዘናዊ ኣሰንዮ

ናይ መንእሰያት ኩነታቶምን ጠባያቶምን ክይኰንካ ምስኦም ምዃን፡ ገዛእ ርእስኻ ኣብ ጐድኖም ምንባር፡ ግዜኻ ምሳኦም ምጥፋእ፡ ግዜ ምጥፋእ ምስ መንእሰይ ምስቲ ዓቢይ ግዜ ሕይወት ምርኻብ እዩ ዝኸውን፡ ልቦም ምውዕዋዕ፡ እዚ እዩ ብሓቂ ህርመት ልቢ ናይ ኣሰንዮ ሃዋርያዊ ግብረ ኖልዎ፡ ኣብዚ ኸኣ መንእሰይ ተመዘናዊ ኣሰንዮ ዝደሊ ምዃኑ ክዝጋዕ የብሉን፡ ናይ መዘናኡ ኣሰንዮ ደላይ እውን እዩ፡ ነዚ ብጭቡጥ ንምግላጽ ከኣ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ምስቶም ኣብዚ ዝካየድ ዘሎ ሲኖዶስ ብመሰል ሰማዒ ዝሳተፉ ምስ ዘለዉ መንእሰያት ብሓባር ኣብ ሮማ ናብ ዝርከቡ ቅዱሳት ስፍራታት ከነግዱ እዮም።

ሓቀይና ናጽነት ኣብ ልቢ ኢየሱስ ገዛእ ርእስኻ ምዃን ማለት እዩ

ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ኣብቲ ሻምናይ ውዕሎ፥ እቲ ብስነ ኣሃዝ ዝተራቀ ዓለም ብቐረባ ምፍላጥ ከምዘድሊ ኣመልኪቶም፡ እዚ ኸኣ እቲ ናይ ኢድ ተለፎን እውን ናብቲ ናይ ሕይወት እውነተይና ሰሜን ዝዀነ ናብ ክርስቶስ ዘብጽሕ ክሳብ ዝኸውን፡ ኣብ መድለይ ገጽ መረብት ድለይ ዝብል እናጠወቑ መልሲ ካብ መራኸቢ ብዙሃን ሃሰስ ዝብሉ መንእሰያት እልፍ ኣእላፍ እያቶም። እቲ ዝረኽብዎ ሓበሬታ ኸኣ ዕደ ጥበባዊ ወይ ስነ ምርምራዊ እዩ ፍቕሪ ግና ኣይኰነን፡ ርዱእ ወይ ስትውዑል ዘይኰነሉ፡ ተኻፋልነት ዘይንበሮ፡ ከም ቤተ ክርስቲያን ብቑዕ ዝዀነ ኣበ ነፍስ ዘይርከቦ እዩ፡ … መንእሰይ ደላይ እውነተይና ናጽነት እዩ፡ ማለት ኣብ ልቢ ኢየሱስ ገዛእ ርእሱ ምዃን ዝደልይ እዩ፡ ኣብቲ ቅቡልን ፍቕሩን ቤታውን ኰይኑ ዝስምዓሉ። ምጥቃም ማሕበራዊ መረብት ንገዝእ ርእሱ ወረቐት ካብ ምብኻን የድሕን፡ ስለዚህ ግቡእ ኣጠቓቕማ ማህበራውያን መረብት ንገዛእ ርእሱ ኣብ ምክንኻን ፍጥረትን ተፈጥሮን ዓቢይ ግደ ከምዘለዎ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ገሊጾም፡ ኣብ ምኽባር ፍጥረትን ተፈጥሮን መንእሰይ ክህነጽ የተሓሳስቡ።

ኣገዳስነት ብስለት ኣብ ፍትወት

ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ፡ ብዛዕባ ኣገዳስነት በሳል ፍትወት ኣደገፎም፡ ፍቅሪ ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ማእከል እዩ፡ ቅኑዕን ግብእን ሕንጸት ኣብ ጾታዊ ስምዒት ዝሓትት ባህርይ እዩ፡ ቅኑዕን ግቡእን ሕንጸት ኣብ ጾታዊ ስምዒት ሓቅነትን ምሉእ ትርጉም ፍቕሪ ግምት ዝህብ ክኸውን ከምዘለዎ ብፁዓን ኣበው ኣብሪሆም፡ ፍቕሪ ኣብ ልልያ ጸዋዕታ መሰረት እዩ፡ ፍቕሪ ምሉእነት እዩ፡ እዚ ኸኣ እቶም ናይ እምነት ሰማዕት ዝዀኑ ካህናትን ደናግል ሰብ ቃል ኪዳንን ይምስክርዎ፡ ገዛእ ርእስኻ ኣሕሊፍካ ምስ ምሃብ ዝተኣሳሰረ እውነተይና ፍቕሪ፡ እዚ ዓይነት ፍቕሪ’ዚ ኣብቲ ንመንእሰይ ዝብል ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ግቡእ ቦታ ክወሃቦ እውን የተሓሳስቡ።

ሲኖዶስ መንእሰያት፡ ጸዋዕታ ኣብ ማሕበረሰብ እምበር ኣብ ቤተ ሙክራ ኣይኰነን
12 October 2018, 17:00