ሲኖዶስ፥ መንእሰይ ሕልምታቱ/ትምኒታቱ ኣብ ምኽዋን ቤተ ክርስቲያን ክትድግፎ ሲኖዶስ፥ መንእሰይ ሕልምታቱ/ትምኒታቱ ኣብ ምኽዋን ቤተ ክርስቲያን ክትድግፎ 

ሲኖዶስ፥ መንእሰይ ሕልምታቱ/ትምኒታቱ ኣብ ምኽዋን ቤተ ክርስቲያን ክትድግፎ

መንእሰይ ንቑሕ ተሳታፊ እምበር ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝዓርፈሉ ወይ ተቐባሊ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ጥራሕ ገርካ ምምልካቱ ከብቕዕ ከምዘለዎን፡ ኣብ ናይ ሰበኻኡ ከይድታት ሓላፍነት ዝስምዖ (መታሓላፊ) ክኸውንን ጉባእያውነት ኣብ ሰበኻኡ ክነብር ዝድገፍ ክኸውን እንከሎ፡ መንእሰይ፥ ጐይታ ምኽንያት ዓበይቲ ተኣምራቱ ገይሩ ክጥቀመሉ ዝኽእል ብሉጽ ነገራት ከቕርብ ዝኽእል እዩ

ዕለት 20 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ኣብቲ መንእሰያትን እምነትን ልልያ ጸዋዕታን ኣብ ብዝብል ኣርእስቲ ኣሞርኵይዞም ብዘካይድዎ ዘለዉ መደብ ሲኖዶስ መሰረት ኣብቲ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ብዓሰርተ ኣርባዕተ ንኡሳን ጉጅለታት ተመዳዲቦም ኣብቲ ንይ ሲኖዶስ ናይ መዛተይ ወይ መጋበርያ ዕዮ ሰነድ ሳልሳይ ክፋል ኣተኵይሩ ናይ ዝተኻየደ ዘተ ጸብጻባት ኣማእኪሎም ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ መበል 17 ውዕሎ ከምዘካየዱ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ኣብቲ መበል 17 ውዕሎ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ፥ ቤተ ክርስቲያን ብናይ መእሰያት ትምኒትን ሕልምታን ክትርበሽን ሕልሞን ንምኽዋን ኣብ ምድጋፎም ገዛእ ርእሳ ስንድውቲ እትገብር መኣዝ እያ? ዝብል ሕቶ ኣልዒሎም፡ ነዚ ሕቶ’ዚ ብዝሃብዎ መልሲ እቲ ናይ ሲኖዶስ ናይ መዛተይ ወይ ከኣ መካየዲ ዕዮ ሰነድ ሳልሳይ ክፋል ኣማእኪሎም ዘበገስዎ ዘተ ከምዝዛዘሙን፡ ካብቶም ዝቐረቡ ናይ 14 ንኡሳን ጉጅለ ሲኖዶስ ኣበው ጸብጻባት፡ ሰዓቢ ክርስቶስ ምዃን ዝጠልቦ እምበር እደ ጥበባዊ ጉዳይ ዝምልከት ጥራሕ ዘይኰነ ዝተለወጠ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ወሳኒ ምዃኑ ኣተሓሳሲቦም፡ እዚ ምልዋጥ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ’ዚ ቤተ ክርስቲያን ዝያዳ ከተገልግልን ገዛእ ርእሳ ንኽትከውን ቤተ ክርስቲያናዊ ሕዳሴ ዝብል እዩ፡ ናይቲ ሲኖዶስ ምንዮት ከኣ ቤተ ክርስትያን ምስ ወንጌል ምሉእ ስምምዕ ዘለዎ ኵለተናኣ ወንጌል ኰይና ክትርከ እዩ፡ እዚ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሕዳሴ ካብ መንእሰይ ወለዶ ዝነቅል ኰይኑ፡ መንእሰይ ንቑሕ ተሳታፊ እምበር ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝዓርፈሉ ወይ ተቐባሊ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ጥራሕ ገርካ ምምልካቱ ከብቕዕ ከምዘለዎን፡ ኣብ ናይ ሰበኻኡ ከይድታት ሓላፍነት ዝስምዖ (መታሓላፊ) ክኸውንን ጉባእያውነት ኣብ ሰበኻኡ ክነብር ዝድገፍ ክኸውን እንከሎ፡ መንእሰይ፥ ጐይታ ምኽንያት ዓበይቲ ተኣምራቱ ገይሩ ክጥቀመሉ ዝኽእል ብሉጽ ነገራት ከቕርብ ዝኽእል እዩ።

ናይ እዋናዊ መንእሰያት ብድሆ

ኣብዚ እዋን’ዚ መንእሰይ ክገጥሞን ክብድሆን ዝግብኦ ዝተፈላለዩ ብድሆታት ኣለዉ፡ እዚ ኸኣ ሕሩግነትን ብፍላይ ደቀ ንስትዮ ዘጋጥመን ጸቕጢ ተባዕታውነት ዝብል ባህልን እዚ ዘስዕበለን ጸገምን ጽግዕተይና ምዃንን፡ ናይ ብዙሓት ሓደኣዊ ጾታዊ ስምዒት ዝምባለ ዘለዎም ብሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ መሰረት ኣድልዎ ከየጋጥሞምን ብእምነት ክዓብዩ  ምድጋፍ ዝብልን ቤተ ክርስቲያን ዝዀነ ይኹን ዓይነት ኣድልዎን ምንጻግን ክትቃወምን ስእነት ስራሕን ብዛዕባ ስነ ጾታዊ ዝምልከት ስነ ምግባራዊ ሕቶታ ክድገፉን ምንጻት ጽንስን ንዝብሉ ዝተፈላላለዩ ብድሆታት ቤተ ክርስቲያን ብቑዕ መልሲ ክትህበሉ ዋሕስን እምንቲን ከይና ንኽትርከብ ክትሕደስ ኣለዋ። ወንጌል ጽን ምባልን ምስማዕን ምስ መንእሰያት እተካይዶ ምንጽጻር ስሉጥን ውጽኢታውን መታን ክኸውን ንኣብነት ሙዚቃን ስፖርትን ዝኣመሰሉ ተግባራ ምጥቃም ዝሓትት እዩ፡ ቀዳምነት ቤተ ክርስቲያን ናይ እምነት ጸጋ ምትሕልላፍን ልልያን ውህደታን እዩ፡ ምትሕልላፍ እምነት እተስተውዕል ቤተ ክርስቲያን ።

መደብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንመንእሰያት ካብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንስድራ ቤት ዘይንጸል እዩ

ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ኣብቲ መበል 17 ውዕሎ ብዛዕባ እቲ ዘቤታዊት ቁምስና ዝበሃል ናይ ፍቕርን ሰብኣውነትን ቤት ሕንጸት ናብ ክርስቶስ ንምብጻሕ ናይ ዝግበር ጉዕዞ መበገሲ ተባሂሉ ዝግለጽ ስድራ ቤት ኣማእኪሉ ኣብ ዝተኻየደ ዘተ፡ መደብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንመንእሰይ ወለዶ ካብቲ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንስድራ ቤት ዝተነጸለ ክኸውን ከምዘይግባእ የተሓሳስብ። ኣብ ጐድኒ ስድራ ቤት ቁምስና ናይ ምስማዕን ሱታፌን ተልእዀን ክኸውን ይግባእ፡ ዋላ’ኳ ናይ ምውዳቕ ዝኣመስሉ ተመክሮታት ዘጋጥሞ እውን ይዅን ተላገብ ሕውነታውን ሓሴትን ዝንበሮ ዕብየትን ንቕድሚት ምስጓምን ዘስተማቐረሉ ክኸውን ከምዘለዎ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ መንእሰይ ኣብ እግዚኣብሔር ዘንብሮ እማነ ዝለማመደሉ ክኸውን ሕውነታዊ መንፈስ ዘስርጽ ዝተፈላለዩ ናይ ቁምስና መደባት ዘንጸባርቕ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ የድልዮ ይብሉ።

ሓላፍነት ዘለዎ ዜጋዊ ናይቲ ብስነ ኣሃዝ ዝተራቀ ዓለም መራኸቢ ብዙሃን

ኣብቲ 14 ጉብጅለ ብፅዓን ኣበው ሲኖዶስ ዘቕረብዎ ጸብጻብ፡ ነቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝሰፍሕ ዘሎ ኣዚዩ ብስነ ኣሃዝ ዝተራቐ መራኸቢ ብዙሃን ዘለዎ እወታዊ ድዩ ኣሉታዊ ጐድኑ ኩሉ ግምት ብምሃብ፡ ኣብ መዳይ ኣስፍሆተ ወንጌል ዘለዎ ዓቢይ ኣበርክቶ ጠቒሶም፡ ናይዚ ብስነ ኣሃዝ ዝተራቐ ዓለም ዜጋ ዝዀነ መንእሰይ ሓላፍነት ዝስምዖን ዘለዎን ዜጋውነት መሰረት ነዚ ሓድሽ ባህሊ ንኽነብሮ ምድጋፍ የድሊ፡ ምስ ኣዚ ኣተሓሒዞም እውን ካቶሊካውያን ኣቢያተ ትምህርትን መናብርተ ጥበብን ኵለንተናዊ ምልኡ ሰብኣዊ ሕንጸት ብዓይነታውነት ድዩ ብዝተፈላለየ ጨንፈር ትምህርት ተሞራዃዃስነት ኣቢለን ከቕርባ ዝኽእላ ክዀናን በዚ ኣቢለን ናይ መርኻብ ባህሊ ዘነቓቕሓ ክዀና ሓደራ፡ ሕንጸት ናይ ፍቕሪ ተግባርን ናይ ሱታፌ መባዅዕቲ ስለ ዝዀነ ነዚ ግምት ብምሃብ ተልእዀ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ትምህርትን መናብርተ ጥበብን ዓቢይ ምዃኑ ክስትውዓል ኣለዎ ይብሉ።

ህርኩት ጻዕሪ ንማሕበራዊ ፍትሒ ሓለፋ

ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ብጉጅለ ተመዳዲቦም ድሕሪ ዘካየድዎ ዘተ ዘቕረብዎ ጸብጻብ፡ ንማሕበራዊ ፍትሒ ዝድግፍ ሕርኩት ጻዕሪ፡ ንድኻታት ዘቐድምን ሓለፋ ዝብል ንናይ ምርኻብ ምስ እግዚኣብሔርን ቲዮሎጊያ ስፍራ ቢሉ ብፍሉይ ዝገልጾን፡ በዚ መሰረት ካቶሊካውያን መንእሰያት ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መንእሰያት ኰነ ምስ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ማሕበረሰብ መንእሰያት ዝራኽብን ምስ ኢኣማንያን እውን ዘተ ክህሉ ዝገብር ቃል ኪዳናዊ ርክባት ከቑሙ ኣኽእሎቱ ዘለዎም እያቶም። ካብ ድኻታት ምብጋስ ጥራሕ እዩ ብሉጽ ረቲዕ ዓለም ክትሓልም ዘኽእል፡ መእንሰይ ኣብ ሕብረተሰብኣዊ ጠመቕ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ክህነጽን፡ በዚ ኣቢሉ እውን ምግባረ ብልሽውናን ብላዕን ብምውጋእ ሰላምን ክንክን ምህዳርን ከነቓቕሕ ይኽእል፡ መንእሰይ ወለዶ ብወንጌላውያን ዕሴታትን ብምሕረት እግዚኣብሔርን ኣቢሉ ኣብ ዓለምን ፖለቲካን ኣብ መራኸቢ ብዙሓንን ሓናጺ ሰላምን ናይ ፍቕሪ ስልጣነን ምክንኻን ፍጥረትን ተፈጥሮን ዘቐድም ክኽውን ይኽእል። እዚ ኸኣ እንነብረሉ ዓለም ናይ ቅድስና ዓውዲ ክኸውን ዝድግፍ እዩ።

መንእሰያት ናይ ስደተይናታት ሓዋርያት

ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ነቲ ናይ ስደትን ዓመጽን ኣደዳ ዝዀነ ማሕበረ ክርስቲያንን ስደተይናታትን እናሓሰቡ፡ ነቶም ዝሳቐዩን ስደተይናታት ቅርበትን እንገዳን ምርግጋጽ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣመላኺቶም፡ ብናይ ከባቢ ኣቢያተ ክርስቲያን ኣቢሉ ነቶም ዝሳደዱን ንስደትን ዝዳረጉን ኣብ ሃገሮም እንከለዉ ሓገዝ ክቐርበሎም ዘኽእል መገዲ ምንዳይን ዘለዎ ኣድላይነትን፡ ኣብዚ ኣገልግሎት’ዚ መንእሰይ ናይ መንእሰይ ሓዋርያት ኰይኑ ክርከብ ክድገፍ ከምዘለዎ የተሓሳስቡ፡ …

ጸዋዕታ ቅድስና

ኣብ መወዳእታ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ኣብቲ ኵላዊ ጸዋዕታ ዝዀነ ቅድስና እናሓሰቡ፡ መንእሰይ ቅድስና ሃረር ዝብልን ኣብዚ ጉዕዞ’ዚ ዝሕግዞ ተተግባሪ ምኽርታት ዘናድይ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ መንእሰይ ወለዶ እቲ እግዚኣብሔር ኣብ ቅድሚኡ ዘርህወሉ መገዲ መታን ከለልይ መንፈሳዊ ኩርናዕ ዘይዝንግዕ ድጋፍ የድልዮ ቢሎም፥ በቲ ሓደ መዳይ ዝተሰናደዉ መንእሰይ ንምድጋፍ ብቕዓት ዘለዎምን ንመንእሰይ ኣብ ልልያ ጸዋዕታ ዝድግፉ ዝተሰናደዉ ኣሰነይቲ የድልዩ፡ ቅዳሴ ምስ እግዚኣብሔር እንራኸብሉ ስፍራ ምዃኑን እዚ ኸኣ ብኽርስቶስ ኣቢሉ እግዚኣብሔር ናብቲ ምሳና ንኽራኸብ ዝፍጸሞ ፍጻሜ ምእታው ማለት እዩ፡ ቅዳሴ ‘ቅዱስ ቁርባን’ እቲ ልዑሉ ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ስፍራ እዩ፡ ምእንቲ’ዚ ቅዳሴ ንመንእሰይ ቀረባ ክኸውን ዘኽእሎ ቋንቋ ምጥቃም የድሊ፡ ዝለሲህ እቲ ንመንእሰይ ዘሰንይ ኣካል ነዚ ግምት ዚህብ ኣብዚ መዳይ ብቑዕ ምስንዳው ዝረከብ ክኸውን ኣለዎ ዝብል ሓሳብ ኣብቲ መበል 17 ውዕሎ ከምእተሰመረሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ሲኖዶስ፥ መንእሰይ ሕልምታቱ/ትምኒታቱ ኣብ ምኽዋን ቤተ ክርስቲያን ክትድግፎ
22 October 2018, 17:16