ሲኖዶስ፡ ብተኻፋልነትን ኣቑሳል ብምፍዋስን ዝለዓሉ ሸቶታትን ብምሕባር ምስናይ ሲኖዶስ፡ ብተኻፋልነትን ኣቑሳል ብምፍዋስን ዝለዓሉ ሸቶታትን ብምሕባር ምስናይ 

ሲኖዶስ፡ ብተኻፋልነትን ኣቑሳል ብምፍዋስን ዝለዓሉ ሸቶታትን ብምሕባር ምስናይ

ኣቲ መንፈሳውን ናይ ልላይን ኣሰንዮ ጥበብ ናይ ካህናትን ውፉያን ሕይወት መሰል ስልጣን ዝብል ነጻሊ ተግባር ኣይኰነን፡ ስለዚህ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ፡ ኣብ መንፍሳውን ልልያን ስንዮታ መንእሰያት ሰብ ሓዳርን ክዋስኡ ምግባር ኣገዳሲ እዩ፡ ኰይኑ ግና ምስናይ ሃንደበታዊ ምህዞ ዘይኰነስ ብተኻፋልነት ዝፍጸም እዩ ይብሉ።

ኣብ ዙሪያ መንእሰያት ዝዝትይ ዘሎ መበል 15 ሓፈሻዊ መደበይና ሲኖዶስ ብፁዓን ጳጳሳት ዕለት 10 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ዘካየዶ ሻድሻይ ውዕሎ፡ ኣብቲ ናይ ሲኖዶስ ናይ ዘተ መጋበርያ ሰነድ ካልኣይ ክፍሊ ኣብ ዘሎ ነጥቢ ኣተኵሩ ከምእተመያየጠን፡ እዚ ነቲ ዕለት 9 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ኣብ ዘካየዶ ሓምሻይ ውዕሎ ዝዘተየሉ ናይ መንእሰይ ክውንነት ምንባብን ምትንታንን ድሕሪ ዝብል ነጥቢ ስዒቢ ዝመጽእ ስንዮተ ኣብ ዝብል ሓሳብ ዝመኸረ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ መወዳእታ እውን እቲ ናይ ሲኖዶስ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ዘሰናድው ድሮ ሓሙሽተ ኣባላት ናይ ዝሓቁፍ ድርገት ኣባላት ንኽኰኑ ሰለስተ ኣካላት ከምእተሰምዩ፡ ኣብቲ ሻድሻይ ውዕሎ 257 ፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ተሳቲፎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ኣብ መበል 23 ዓመት ዕድመኡ እቲ መንእሰይ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዙ፡ ጐይታይ እንታይ ክገብር ትደልየኒ እንክብል ንዘቕረቦ ሕቶ ነታ ኣብ 13 ክፍለ ዝመን ዝነበረት ቤተ እግዚኣብሔር ዳግም ሕነጽ ዝብል መልሲ ከምዝረኸበሉን፡ ሎሚ እውን እቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መንእሰይ ልቢ ዘቃልሕ ህልቅ ተመክሮ እዩ። ብትኽክል ንጐይታ መልሲ ምሃብ ማለት ናብቲ ውዕዉዕ ሓይለ ኣካልን መንፈስን ትብዓትን ዝብል ነቲ ፍሉዩ መለለዪ መንእሰይ ኩሉ ዳግም ብምጽናዕ ናብቲ እውነተይና ናይ ሕይወት ትርጉም ምንቃል ማለት እዩ።

ንሓደ ሓድሽ ጰንጠቆስጠ

ናይቲ ናይ ኣሲዚ ኵሉ ዝሓደገ ፍራንቸስኮን ናይ ካልእቶ ቅዱሳትን ቅዱሳንን ናይ ዝነበርዎ ሕይወት ተክለ ሰብነት እዋናዊ ኣርኣያ ሕይወት ምዃኑ ብፁዓን ኣበው ኣብ ዘካየድዎ ዘተ ገሊጾም፡ ኢየሱስ ቤተ ክርስቲያን ናይ ሓድሽ ጴንጠቆስጠ ዘመን መሪቓ ንኸተበግስ መታን ካብቲ ጥንታዊ ኣገባባታ ክትላቐቕን ክትወጽእን ግድን እዩ። ሞት ዝሰዓረን ኣንጻር እቲ ቅቡልን ልሙድን ኩሉ ዝኸደን ክርስቶስ ምፍላጥ ንመንእሰይ ናብ ዓለም ቃል ምስርነት ንኸቕርቡ መዳርግቲ ዘይብሉ ድርዀት ምዃኑ እቶም ኣብ ዝተፈላለዩ ኣንጻር እቲ ዓይነት ድርዀት ኣብ ዝንበረሉ ከባቢታት ዝነብሩ ልኡካነ ሕይወት ዝነብርዎ ጭቡጥ ኩነት የረጋግጾ፡ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ከምዝሕብርዎ፡ ኣብቲ ውግእን ውጥረትን ዝረኣየሉ ከባቢ፡ ናይ ሕብረተሰብ ጨውን ብርሃንን መባኹዕትን ናይ ምዃን ተልእኾ ዝነብሩ ልኡካን ዘረጋግጽዎ ሓቂ ምዃኑ ይፍለጥ።

ግብረ ምስናይ ሃደበታዊ ምህዞ ዘይኰነስ ብተኻፋልነት ዝኽወን እዩ

ኣቲ መንፈሳውን ናይ ልላይን ኣሰንዮ ጥበብ ናይ ካህናትን ውፉያን ሕይወት መሰል ስልጣን ዝብል ነጻሊ ተግባር ኣይኰነን፡ ስለዚህ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ፡ ኣብ መንፍሳውን ልልያን ስንዮታ መንእሰያት ሰብ ሓዳርን ክዋስኡ ምግባር ኣገዳሲ እዩ፡ ኰይኑ ግና ምስናይ ሃንደበታዊ ምህዞ ዘይኰነስ ብተኻፋልነት ዝፍጸም እዩ ይብሉ። ሓደ መንእሰይ ብዝረኣዩ መሰናኽላት ዘይተገዳስነትን ሸለልተይናነትን ዘጋንፎ ዕንቅፋታትን ተተሓሒዙ እውን እንገዳ ከምዘይረኸበ ዝስምዖ እንተድኣ ኰይኑ፡ ናብ ምርሓቕን ዝተጋገዩ መልስታት ሓሰስ ንምባል ሓደጋ ይቃላዕ። ስለዚህ ንመእሰይ ዘሰንይ እቲ ዘቕርቦ ኣገልግሎት እሙን መስካሪ ምዃኑ ዘርእየሉ ጽኑዕ እምነት ከምዘለዎ ዘረጋግጽን፡ ጽን ክብልን ክሰምዕን ምኽሪ ክልግስን እዚ ምስ ፈጸመ ብዝተበጽሐ ዓወት ምኽንያት ክምስገንን ረኣዩለይን ካብ ዝብል ፈተና ገዛእ ርእሱ ክኣልይ ይግብኦ፡ እዚ ኸኣ ብተኻፋልነት እምበር ብተራ ድንጋጸ ዝፍጸም ኣገልግሎት ኣይኰነን፡ ሓነጽቲ ናይ መንእሰይ ወለዶ ሰብኣውነትን ብቐሊሉ ተነቃፍነቱን ግንዛበ ክህብሉ ግድን እዩ፡ ስለምንታይ ክራኸቦምን ተንስእ ክብሎምን ዝደልይ ክርስቶስ ከምዘሎ ዘረጋግጽ ብምዃኑ፡ ኣብ ተነቃፍነቶም ተንስእ ዝብል ሓይሊ ክርስቶስ ኣሎ። ምእንቲ’ዚ እቶም ናይ መንእሰያት ኣበ ነፍስ ናይ ገዛእ ርእሶም ተነቃፍነት ተዘክሮ ዘለዎም ክዀኑ ይግባእ፡ ብርግጽ ከኣ ጸጋ ኣብ ታሪኽ ዝዓዪ ብተራዊ ኣገጋብን ብማዕባሊ ለውጢ ብምኽዋን እዩ።

ሓዳርን (መርዓ) ውፉይ ሕይወትን ብማዕራዊ መዕቀኒ ዝኽበሩ ጸዋዕታ እያቶም

ብቐዳምነት እቲ ዘገድስ መንፈሳዊ ኵርናዕ እዩ፡ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ፡ ሱታፌ ኣብ ቅዳሴን ኣስተንትኖ ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቁርባንን የተባብዑ፡ ይዅን ደኣ እምበር ርክብ ዓንዳዊ ወይ ከኣ ትዅል ጥራሕ ዘይኰነስ እቲ ጋድማዊ ኵርናዑ እውን ይሓትት፡ ስለዚህ መንእሰይ ካብቲ ጋድማዊ ተመክሮታቱ ናብ ዓንዳዊ ርክብ ማለት ጠመተኡ ናብ ላዕሊ ከብል ናብ ዝብል ድምዳመ ወይ ከኣ ናብ ላዕሊ ዘሰጋግር እዩ ክኸውን ዘለዎ።

ኣእንጋዲ ምዃን፥ ሸቶታት ምሕባርን እቲ ጥንቃቔን ጻዕርን ዝሓትት ወንጌላዊ ሓሳብ ምቕራብ ዝብል ክልተ ዓይነት ባህርይ ዘለዎ እዩ፡ ስለዚህ ናብ ምስጢረ ትክሊል ድዩ ወይ ከኣ ምእንቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንንጽሕና ሕይወት ምስናይ ይዅን፡ እቶም ዝተጠቕሱ ባህርያት ስንዮታ ዝንበሮ እዩ። እዞም ክልተ ዓይነት ጸዋዕታ ይብሉ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ፥ ብቤተ ክርስቲያን ማዕረ ክብሪ እዩ ክወሃቦ ዝግብኦ፡ ምኽንያቱ እዞም ክልተ ጸዋዕታ ኣብቲ ናይ ኩሉ ክርስቲያን ዝዀነ ዓይቢ ጸዋዕታ ምስጢረ ጥምቀት ዝኣትዉ  እያቶም። እቲ ዓቢይ ማለት በጽሒ ወለዶ ዓበይቲ ሕልምታት ዘለዎ እንተድኣ ዘይኰነ፡ ከመይ ቢሉ እዮም ንመንእሰይ ኣስተንፍሶ ክዀኖ ዝኽእል? ዝብል ሕቶ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ኣቕሪቦም፡ መንእሰይ ናይ ህልውን መጻእን ተስፋ ስለ ዝዀነ፡ ንሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ውዕዋዔ ዝብል ድምዳመ ዘለዎ ብዛዕባ ናይ መንእሰያት ጉዳይ ዝሓልይ ናይ ገዛእ ርእሱ ዝኸኣለ ጳጳሳዊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ክቐውም ዝብል ርእይቶ የቕርቡ።

ካብቶም ብመሰል ሰማዒ ዝሳተፉ ዘለዉ መንእሰያት ዝቐረበ ሓሳብ

እቲ ሻድሻይ ውዕሎ ካብቶም ብመሰል ሰማዒ ንኽሳተፉ ካብ ዝተዓደሙ ንናይ መላእ ዓለም መንእሰያት ዝውክሉ ብዘቕረብዎ ሓሳብ ዝተዝዘመ ክኸውን እንክሎ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ መንእሰይ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝንብሮ ዘሎ ጥልቂ ጽምኢ መንፈሳውነት’ዚ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ግበር ኣይትግበር ፍቑድን ኣይፍቑድን ኣብ ዝብል ግብረ ገብ ዘማእከለ እግዚኣብሔራውነት ዝብል መንፈስ ብምቕራ ተጸሚዳ ነቲ ዘሎ ጽምኢ መንፈሳውነት ክትብድህ ብቕዓት ዝጐደላ ከይና ዘላ ትመስልን፡ ኢየሱስ ሃረር ዝብሉ ምዃኖምን ቤተ ክርስቲያን ክኣ ኢየሱስ ከም ኢየሱስ ከተቕርበሎም እዮም ዝደልዩ። እዚ ኸኣ ኣብቲ ንመንእሰይ ብትኽክል ዝዳለው ሓዋርያዊ ግብር ኖልዎ ማእከል ክኸውን ከምዘለዎ የተሓሳስቡ። ኣብ ቅድሚ ዝተፈላለዩ ዝገራጨውን ማእለያ ዘይብሎም ድምጽታት፡ መእንሰይ እቲ ካብ ጐይታ ዝመጽእ ድምጺ ከለልዩ ዝደሊ እምበር በጽሒ ወለዶ ኣብ ቦታ መንእሰይ ኰይኑ መልሲ ክህብ ኣይኰነን ድላዩ። ኣብ ዓበይቲ ምርጫ ሕይወት ከሰንዮን ክድግፎን እዩ ዝደልይ። መንእሰይ ኣብ ክውንታውን ምናባውን ዓለም ዘጋጥሞ ብድሆታት በቐረባ ዝፈልጥ ክኸውን ኣለዎ። ልቢ ሰብ ነቲ ቤተ ክርስቲያን ጥራሕ ከም ኣደ ክተገልጸሉ ንውህበትን ሰናይነትን ሓቅንነትን ዝተፈረ ምዃኑ እቶም መንእሰያት ኣብ ዘቕረብዎ ሓሳብ ኣመልኪቶም።

ኣብ መዛዘሚ እቲ ሻድሻይ ውዕሎ ንሓሙሽተ ክፍለ ዓለም ዝውክሉ ኣብቲ ናይ ሲኖዶስ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ምስንዳው ዝዓዪ ብቕዱስ ኣቦና ብዝተሓርዩ ሓሙሽተ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ኣብ ዝቖመ ድርገት ዝተሓባበሩ ካልእቶ ሰለስተ ብፁዕ ኣበው ሱንዶስ ቅዱስ ኣቦና ከምዝሰመዩን፡ ናይቶም ሰለስተ ብፁዓን ኣበው ስም ብወግዒ ከምእተገልጸን፡ ንሳቶም ከኣ ኣብ ኡክራይን ናይ ግሪክ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ርእሰ ሲኖዶስ ናይ ኪየቭ ዓቢይ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ሃልይች ስቪኣቶስላቭ ሸቭቹክን ናይ ዓለማውያን ምእመናንን ስድራ ቤትን ሕይወትን ጉዳይ ሓልዮ ጳጳሳዊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ኣባ ኣለክሳንደር አዊ መሎን ኣብ ኩባ ናይ መንእሰያት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሓልዮ ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ኣባ ኤድዋርዶ ጐንዛሎ ረዶንዶን ከምዝዀኑን ተገሊጹ።

ሲኖዶስ፡ ብተኻፋልነትን ኣቑሳል ብምፍዋስን ዝለዓሉ ሸቶታትን ብምሕባር ምስናይ
11 October 2018, 16:56