ድለ

ሓጺር ጸብጻብ ና ሻድሻይን ሻብዓይን ውዕሎ ውዕሎ ሲኖዶስ ሓጺር ጸብጻብ ና ሻድሻይን ሻብዓይን ውዕሎ ውዕሎ ሲኖዶስ  

ሓጺር ጸብጻብ ናይ ሻድሻይን ሻብዓይን ውዕሎ ሲኖዶስ

ኣብ ታሪኽ ኩሉ ዝሓለፈ ናይ ዝተፈላለየ ዘመን መንእሰይ ወለዶ ኣብቲ ዝነበረሉ እዋን ምስ ዝነበረ ባህሊ ገዛእ ርእሱ ዘላዘበ እዩ፡ ኰይኑ ግና ናይ እዋንና መንእሰይ ወለዶ፡ ኣብ እንነብረሉ ዘሎና እዋን ናይ ሓባር ረቛሒ እንብሎም ሓባራውያን ዕሴታት ፈልዩ ከለልይ ዓቢይ ጸገም የጓንፎ ኣሎ፡

ናይ ሉሰምበርግን ናይ ከተማ መክሲኮን ሊቀ ጳጳሳትን ሓንቲ ካብቶም 49 ኣብ ሲኖዶስ ብመሰል ሰማዒ ካብ ዝሳተፉ መንእሰያት ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዜጋ ብሓባር ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ናይቲ ሻድሻይ ጠቕላሊ ዋዕሊ ስኖዶስ ኣማእኪሎም ጋዜጣዊ መግለጺ ከምዝሃቡን፡ ኣብቲ ብስነ ኣሓዝ ዝተራቐ ዓለም ልእኽቲ ዝዀነት ቤተ ክርስቲያን፡ ምንእሰይ ኣብ ክውንነቱ ኰይና ነጻነቱ ብምኽባር እተሰንዮን ክትከውን ይግብኣ ዝብል ሓሳብ የስምሩሉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ናብቲ መንእሰይ ወለዶ ዝርከበሉ ስፍራ ገዛእ ርእሳ እትኸፍትን ናብቲ ናይ መንእሰይ ስፍራ ልእኽቲ ዝዀነት ኣዚያ ዝተለወጠት ቤተ ክርስቲያን፡ ብፍላይ ከኣ ኣብቲ ብስነ ኣሓዝ ዝተራቐ ዓለም ክትብጽሕ እትኽእል በዚ መገዲ’ዚ ኣቢላ ንመንእሰይ ነጻነት ብምኽባር ኣብ ሕይወት እተሰንዮን ነዚ ዝበሉ ኣብቲ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተሳተፉ ኣብ ሃገረ መክሲኮ ናይ ከተማ መክሲኮ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ካርሎስ ኣጉያር ረተስ ክዀኑ እንከለዉ ብፁዕነቶም ኣብቲ ናይት ሲኖዶስ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ናይ ዘቕርብ ድርገት ንላቲን ኣመሪካ ዝውክሉ ኣባል ከምዝዀኑ ይሕበር፥

ብዘይ ናይ ሓባር ዕሴታት መንእሰይ ወለዶ ዝተደናገረ እዩ ዝኸውን

ብፁዕ ካርዲናል ረተስ ፈላስፋ ተወላዲ ስፐይን ኾሰ ኦርተጋ ይ ጋሰት ጠቒሶም፡ ኣብ ታሪኽ ኩሉ ዝሓለፈ ናይ ዝተፈላለየ ዘመን መንእሰይ ወለዶ ኣብቲ ዝነበረሉ እዋን ምስ ዝነበረ ባህሊ ገዛእ ርእሱ ዘላዘበ እዩ፡ ኰይኑ ግና ናይ እዋንና መንእሰይ ወለዶ፡ ኣብ እንነብረሉ ዘሎና እዋን ናይ ሓባር ረቛሒ እንብሎም ሓባራውያን ዕሴታት ፈልዩ ከለልይ ዓቢይ ጸገም የጓንፎ ኣሎ፡ በዚ ምኽንያት’ዚ መንእሰይ ወለዶ ናበይ ከምዘብል መገዱ ዝተደናገሮ ከምዝመስል ኣብሪሆም።

ስም ኣልቦ ምልካዊ ስርዓት ማሕበራውያን መረብት

ኣብቶም ዝተኻየዱ ሻድሻይን ሻብዓይን ውዕሎ ሲኖዶስ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ መላእ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ሓድሽ ዓይነት ምልካዊ ስርዓት ማሕበራውያን መረብት፡ ስም ኣልቦ መላኺ ናይ መንእሰይ ኣተሓሳስባን ምርጫታትን ዝቆጻጸርን ዝጠናዝዝብ ናብ ዝደለዮ ሕቡኣን ርእየት ዓለም ዝድርኽ ከምዝዀነን፡ እዚ ዝርአይ ዘሎ ሓድሽ ዓይነት ምላካዊ ስርዓት’ዚ ብብዝሒ ንመንእሰይ ወለዶ ዘጥቕዕ ከምዝዀነን፡ ብዙሓት እውን ብዝተፈላለዩ በመረብት ዝመሓላለፉ ዘይሓይንጹ ሕንጸታት ተማሪኹ ርእሰ ቅትለት ከም ሸቶ ክቕበልን ክፍጽምዎን እውን ይረአዩ፡ ስለዚህ ርክባት ኣብ ሕውነታውን ምትሕብባርን ዝቖመ ማሕበረሰብ ንምሕናጽ ንመንእሰይ ወለዶ ኵለንተናዊ ሕንጸት ምቕራብ ኣገዳሲ እዩ ኢሎም።

ብፁዕ ኣቡነ ሆለሪኽ፡ ሓደገይን ዝዀነ ሕዝበይናውነት

ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ኣቦ መንበር ናይ ሉሰምበርግ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ዣን ክላውደ ሆሊሪኽ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኣብ ቅድመ ሲኖዶስ ኰነ ሲኖዶስ ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን ግደ መንእሰያት ዕዙዝ ምዃኑ ሓቢሮም፡ ከም ኤውሮጳዊ ጳጳስ እቲ ኣብ ክፍለ ዓለም ኤውሮጳ ዝሰፍሕ ዘሎ ሕዝብተይናነት ርእየት ዓለም ብዙሕ የስክፈኒ፡ እዚ ኸኣ እቲ ሕብረት ኤውሮጳ ክቐውም ዝግበረ ናይ ሰላም መሰረት ዝኸነ ዕሴት ክዕንው ዝኽእል ዓቢይ ብድሆ እዩ። ንድኻታት ኤውሮጳውያን ብዝብል ርእየተ ዓለም ንኻልኦት ድኻታት ዝነጽግ ሓደገይና ዝዀነ ኢጐነት ብማሕበረሰብ ዝነብር ሃዋሁ ይፍጠር ኣሎ ምስ በሉ፡ ቤተ ክርስቲያን ከም ቤተ ኩሉ ብዘይ ምንም ዓይነት ኣፋላላይ ንድኻታትን ንዝተናዕቁን ኣብ ሓሳርን መክራን ዝንርከቡ ኣብ ምግልጋል እንተድኣ በርቲዓ ብርግጽ ንሕዝብተይናውነት ኣቐዲምካ ምጥንቃቕ ንዝግበር ጻዕሪ ዓቢይ ድጋፍ እዩ ዝኸውን ኢሎም።

ብሪያና፡ ጉዕዞ ልልያ ንውፉይ ሕይወት ጸዋዕታ

ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ሲኖዶስ ብመሰል ሰማዒ ካብ ዝሳተፉ ዘለዋ ኣብቲ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝሓበራ መንእሰያ ተወላዲት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ካብ ግዝኣት ተክሳስ ከተማ ሳይንት ኤንቶንይ ዝመጻ ጓል 27 ዓመት ዕድመ ብሪያና ሳንቲያጐ ኣብ ማሕበረሰብ ውፉያን ሓዋርያት ካብ ሓሙሽተ ዓመት ኣትሒዘን ሕንጸት ምንኵስና ሕይወት ዝቐስማ ዘለዋ ኣብ ጳጳሳዊ ላተንራነንሰ መንበረ ጥበብ ናይ ፍልስፍና ተመሃሪት፡ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ሲኖዶስ ቃል ምስክርነት ካብ ዘስምዑ ቀዳመይቲ ምዃና እውን በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ሓቢረን፡ ጉዕዞ ልልያ ንናይ ሕይወት ውሳኔ መሰረት እዩ እዚ ኸኣ ኣብ እምነት ምስ ዝኸውን ሓቅነት ዝህልዎ ምዃኑ ኣብቲ ዝተኻየደ ሲኖዶስ ከምእተሓበረ ገሊጸን።

ሓጺር ጸብጻብ ና ሻድሻይን ሻብዓይን ውዕሎ ውዕሎ ሲኖዶስ
11 October 2018, 17:19