ሲኖዶስ፡ መንእሰያት ቤተ እግዚኣብሔር፥ ቤተ ክርስቲያን ጽን ክትብልን መስካሪትን ሲኖዶስ፡ መንእሰያት ቤተ እግዚኣብሔር፥ ቤተ ክርስቲያን ጽን ክትብልን መስካሪትን 

ሲኖዶስ፡ መንእሰያት ቤተ እግዚኣብሔር፥ ቤተ ክርስቲያን ጽን ክትብልን መስካሪትን

መንእሰይ እግዚኣብሔር ጽን ዝበሃለሉ ስፍራ እዩ ኣብ ዝብል ሓሳብ ኣተኵይሮም፡ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ናይ ዓለም ቦታታት ህልውቲ ኰይና እዋናዊት ክትከውን ኣለዋ ይብሉ፡ ስለዚህ መንእሰያት ናብኣ ክመጹ ምጽባይ ዘይኰነስ ቤተ ክርስቲያን ናብ መንእሰይ ወለዶ ምብጻሕ ከምዘድልን፡ ብፍላይ ከኣ ናብቶም ዝተሓረጉን፡ ዝተነጸሉን ኣብ ሕሰምን መከራን ድኽነትን ናብ ዝርከቡ።

ጽማሬ ካልኣይ ውዕሎ ሲኖዶስ፥ ዕለት 4 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ፥ ኣብ ቀዳማይ ክፍሊ ሰነድ መጋበርያ ዕዮ ኣማእኪሎም ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ሓሳቦም ቅድሚ ምግላጾም ካብቶም 49 ኣብቲ ሲኖዶስ ብሰማዒ መሰል ካብ ዝሳተፉ ዘለዉ መንእሰያት ሓንቲ ቃለ ምስክርነት ከምዘስምዓት ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ዕለት 4 ጥቅምቲ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ኣተኩሮኦም ዝገበርሉ ቃል፡ ምስማዕ ዝብል ክኸውን እንከሎ፡ ብሓጺሩ ኣብቶም ዝቐረቡ ዝተፈላለዩ ርእይቶታትን ሓሳባትን፡ ምስማዕ ዝብል ቃል ንቤተ ክርስቲያን ኣብ ስነ ማሕበረሰብኣዊ ወይ ስነ ሜላዊ ዝተመርኰዘ መርመራ ዘይኰነስ፡ ከምቲ መጽሓፈ ጥበብ ዘተሓሳስቦ ቲዮሎጊያዊ ሕቶ ምዃኑ የመላኽቱ፡ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ምስማዕ ብቕዓት በቲ መንእሰይ ወለዶ ዘቕርቦ ብድሆን ትዕድልትን እትትንከፍ ክትከውን ይድርኻ፡ እዚ ኸኣ እታ ካብቶም 49 ብመሰል ሰማዒ ኣብቲ ሲኖዶስ ንኽሳተፉ ከብ ዝተዓደሙ መንእሰያት ካብ ዘቕረበቶ ቃለ ምስክርነት ንኸተስተውዕሎ ዝከኣል ሓቂ እዩ። መንእሰይ፡ ዘተን ሓቅነትን ሱታፌን ዘናድይን፡ ጽን ቢሉ ዝሰምዖን ገዛእ ርእሱ ብዝበለጸ ንኽፈልጥ ዝመርሖን የናድይ፡ …. ኣብዚ መዳይ እምበኣር ከስ ናይ ዝተወንገለ ሕይወት ምስክርነት ኣዚዩ ኣገዳሲ ይኸውን።

መንእሰይ ቤት እግዚኣብሔር

መንእሰይ እግዚኣብሔር ጽን ዝበሃለሉ ስፍራ እዩ ኣብ ዝብል ሓሳብ ኣተኵይሮም፡ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ናይ ዓለም ቦታታት ህልውቲ ኰይና እዋናዊት ክትከውን ኣለዋ ይብሉ፡ ስለዚህ መንእሰያት ናብኣ ክመጹ ምጽባይ ዘይኰነስ ቤተ ክርስቲያን ናብ መንእሰይ ወለዶ ምብጻሕ ከምዘድልን፡ ብፍላይ ከኣ ናብቶም ዝተሓረጉን፡ ዝተነጸሉን ኣብ ሕሰምን መከራን ድኽነትን ናብ ዝርከቡ። …. ቤተ ክርስቲያን ብመንጽር መንእሰይ ነቲ እዋናዊ ሕቶ እትህቦ መልሲ ተለልይ፡ እዚ ኸኣ ኣብ መንእሰይ እማኔን ቅርበትን ተስፋን ዘበራብር ዝተሓደሰ ኣገባብ’ዚ ንቤተ ክርስቲያን ኣገዳሲ እዩ ዝብል ይኸውን፡ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ዝብልዎ ካብ ፈሪሳውነት ኣነባብራ ክህነት ምልቃቕ የድሊ፡ ምልከ ክህነታውነት ምውጋድ ዝብል እዩ። … መንእሰይ ገባሬ ቤተ ክርስቲያን ጥራሕ ዘይኰነስ ቤተ ክርስቲያን እዩ። ጠመተኡ ብሩህ መጻኢ ክኸውን እንከሎ፡ ምእንቲ’ዚ እቲ በጽሒ ወለዶ እቲ ናይ መንእሰይ ዓሚዩቕ ኣስተንፍሶ ክሰርዖ ይግብኦ፡ ስለምንታይ ቤተ ክርስቲያን ንመንእሰይ ክትቅበል እንከላ፡ ብሓድሕዳዊ ምቅብባል ገዛእ ርእሳ ትልውጥን ፍልቀት እውን ይህልዋ። … ነዚ ዘይምስትውዓል ከኣ ቤተ ክርስቲያን ብዘይ መንእሰይን ብዙሓት ዝተፈላለዩ መንፈሳዊ ማሕበራትን ገዳማትን ኣባይቲ ውሉደ ክህነትን ብዘይ ተካኢ ወለዶ የትርፍ ኣሎ።

ከም ደቀ መዝሙር ኢየሱስ ንኽስዕቡ ኣብ ምሕታቶም፥ ካብ ቅያ ወንጌላዊ ሕይወት ዝለዓለ ካልእ ጽባኤ የሎን ቢሉ ብሕይወቶም ዝምስክሩ ብዙሓት ሕጉሳት ልኡካነ ወንጌል ይጠልብ፡ እዚ ኸኣ ናይ መጻእነት ምልክታ እዩ፡ መንእሰይ ብሓጢኣትና ምኽንያት ንኢየሱስ ኣይፋል ከይብል፡ ንቤተ ክርስቲያን ኣይፋል ከይብል፡ እዛ ቤተ ክርስቲያን ቤተ መእንሰይ እምንቲ ክትከውን ኣብ ምሕጋዛ ክውዕሉ ምግባር፡ እዚ እቲ ኣብ መንጐ ቤተ ክርስቲያን መንእሰይ ክህሉ ዝግብኦ ዘተ ምዃኑ እዩ።

ስድራ ቤት ምንቕቓሕን ስደተይናታት ምክልኻልን

ስድራ ቤት ፍቅርን እማኔን ዘተን ምሕረትን ዝበራታዓሉ ስፍራ ብምዃኑ እቲ ቀዳማይ እምነት ዘውርስን ዘመሓላልፍን እዩ፡ ስለዚህ ክድገፍ ይግብኦ፡ ነዚ ስዒቡ እውን እቲ ጉባኤ ሲኖዶስ ጸኣት ስደተይናታት ኣማእኪሉ፡ መንእሰይ ወለዶ ብዙሕ ግዜ እቲ ኣደዳ ዓመጽን ምዝመዛን ዝኸውን ክፍሊ ሕብረተሰብ ምዃኑ ኣብሪሁ፡ ንመንእሰይ ወለዶ እምነትን ሕንጸትን ባህልን ንዕብየቱን ንሱታፌኡን ኣዚዩ መሰረታዊ እዩ፡ እዚ ንገዛእ ርእሱ መንእሰይ ተሰዲዱ ኣብ ዝነብረሉ ሃገር ተወሃሂዱ ንኽነብር የብቅዖ፡ ቤተ ክርስቲያን ኣብዚ መዳይ’ዚ ዓቢይ ሓገዝ ምዃና እውን ኣበው ሲኖዶስ ኣረጋጊጾም፡ እቲ ስደተይና እውን ንቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ኣበርክቶ ከምዘለዎ ይምስክሩ።

ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ክህሉ ዘይግብኦ ዓቢይ ገበን እዩ

ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ኣብቲ ዕለት 4 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ዘካይድዎ ካልኣይ ውዕሎ ብዛዕባ ናይ ወሲብ ዓመጽ ዝምልከት ንናይ መንእሰያት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንዝነብርዎ እማኔ ዓቢይ ዕንቅፋትን ሓደጋን ብምዃኑ ገበን እዩ፡ ጸረ ሰብኣዊ ገበን እውን እዩ። እዚ ኸኣ ንቤተ ክርስቲያን ዘዋርድን ዘሕፍርን ዓቢይ ገበን ምዃኑ ሓቢሮም። ነቲ ብገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት ዝተፈጸመ ናይ ወሲብ ዓመጽ ይቕረታን ምሕረትን ብፍላይ ከኣ ከም ጳጳሳት ብቑዕ መልሲ ብዘይ ምሃቦም ምሕረተ ሓቲቶም። ንመንእሰይ ምክልኻል ናይ ቤተ ክርስቲያን ሓላፍነት እዩ እዚ ሓላፍነት’ዚ ምፍራስ ገበን እዩ ምስ በሉ ኣተሓሒዞም እውን፥

ዛዕባ ጾታዊ ስምዒት ኣስተንትኖ ኣገዳሲ እዩ

በዚ ማዕሕቝፍ’ዚ ኣብቲ ህያብ ጐይታ ንፍጥረቱ ዝዀነ ባህርይ ጾታዊ ስምዒት ኣስተንትኖ ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊጾም፡ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ’ዚ መንእሰይ ንጹርን ሓናጽን ሓበሬት ክህልዎ ምግባር ግድን ጥራሕ ዘይኰነስ ዝሓቶ እውን እዩ፡ ስለዚህ ጾታዊ ስምዒት ምንጻግን ድዩ ወይ ከኣ ምምላኹ ክልተ ዓበይቲ ነቲ ጾታዊ ስምዒት ዘሕስር እዩ፡ ነዚ ክምልስ ዝክእል ኣብ ጾታዊ ስምዒት ዝሓንጽ ብቁዕ ዝዀነን ናይ ገዛእ ርእሱ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ የድሊ። እዚ ኸኣ መንእሰይ ንጸያፍ ኣሳእል ኣይፋል ክብልን ገና ዕድመኡ ከይኣኸለ ናብ ሓላፍነት ኣልቦ ጾታዊ ስምዒት ከይወድቕን፡ ምስ እዚ ተተሓሒዙ ምስ ዝመጽእ ጽንሲ ናይ ምንጻል ፈተናን ከሰንፍ ዝድግፎ ምዃኑ ኣብሪሆም።

እቲ ሰብ ከም ውዳቕ ዝሓስብ ባህሊ ከመይ ገርካ ተሰንፎ?

ካልኦት ንመእሰይ ወለዶ ንዝተፈላለዩ ሓደጋታት ዘቃልዑ፡ ብፍላይ ከኣ እቲ ኣብ ዓለም ዝረአይን ዝሰፍሕን ዘሎ ሰብ ከም ውዳቕ ክሕሰብ ባህሊ እዩ፡ ነዚ ጐዳኢ ባህሊ’ዚ ንኸሰንፍ መታን ቤተ ክርስቲያን እቲ መንእሰይ ወለዶ ዝብሎ ንምስማዕ ቀረባ ክትከውንን ጽን ካብ ምባሉ ዝነቐለ ብቑዕ ሓገዝ ንኸተቕረርበሉ ስንድውቲ ክትከውን ይግብእ፡ … ሰብ ከም ሰብ እምበር ብርኪ እንታይ ዶ ካበይ ዶ ናይ መን ዶ ብዝብሉ ወዳዲብካ ምምልካት ዓቢይ ጌጋ እዩ።

ስፖርት መጋበርያ ኣፍሆተ ወንጌል ንመንእሰያት

ናይ ሲኖዶስ ኣበው ስፖርት ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ከምዝመኸሩን ስፖርት መጋበሪያ ኣስፍሆተ ወንጌል ንመንእሰይ ብዝብል ሓሳብ ብምንባብ፡ ኣእምሮን ኣካልን ንምቕራጽ ስፖርት ኣገዳሲ እዩ፡ ስለዚህ ንኵለንተናዊ ቀረጻ ሰብኣውነት መሰረታዊ ምዃኑ ኣቃሊሖም።

ሲኖዶስ፡ መንእሰያት ቤተ እግዚኣብሔር፥ ቤተ ክርስቲያን ጽን ክትብልን መስካሪትን
05 October 2018, 17:53