ሲኖዶስ መንእሰያት፡ እቲ ብስነ ኣሃዝ ዝተራቀ መረብት ስቡእ ክኸውን መታን ምውንጋል ሲኖዶስ መንእሰያት፡ እቲ ብስነ ኣሃዝ ዝተራቀ መረብት ስቡእ ክኸውን መታን ምውንጋል 

ሲኖዶስ መንእሰያት፡ እቲ ብስነ ኣሃዝ ዝተራቀ መረብት ስቡእ ክኸውን መታን ምውንጋል

ካብ ስድራ ቤት ንላዕሊ ናይ ሕንጸት ስፍራ ኣሎ ክትብል ዘይሕሰብ እዩ፡ ኣብ ስድራ ቤት ምስማዕን ሓድ ሕዳዊ ዘተ ኣብ መንጐ ትውልዲ ትመሃረሉን፡ እቲ መሰረታዊ ዝዀነ ስርዓት ማሕበራዊ ናብራ እትቐስመሉ ስፍራ እዩ፡ … እዚ ኸኣ ናይ ወለዲ ስልጣን ክሕሎን ስድራ ቤታዊ ክቡር ስምዒት ዝነቓቓሓሉን ሕድ ሕዳዊ ተገዳስነትን ቅድሜኻ ዝብል ምእንታኻ ንዓይ ዝብል ናይ ሓላይነት ልዕሉ መንፈስ ተወፋይነት እትቐስመሉ ቀዳማይ ስፍራ ስድራ ቤት እዩ፡

ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ኣብ ናይ ሲኖዶስ መዛተዪ ሰነድ ኣብ ዘሎ ሳልሳይ ክፋል ዘተኰረ፡ ብፍላይ ኣብ ሕርየት ዝብል ቃል ዘመርኰዘ ዕጽው መበል 14 ውዕሎ ዕለት 17 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ከምዘካየዱን ኣብዚ ውዕሎ’ዚ 256 ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ከምእተሳተፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቤተ ክርስቲያን ኣብቲ ብስነ ኣሓዝ ዝተራቐ ምዕባለ ኣብ ምንባር ዘሎ መንእሰይ ክትሕግዞን፡ ብፍላይ ከኣ እዚ ሓድሽ ተበጽሖ’ዚ ንኣኣ ስግኣት ዘይኰነስ ከም ዕድል ተቐቢላ ብልልያን ብትኽክለይና ኣገባብን ብዛዕባኡ እውን ትኽክለይና ርእዮት ካብ ምሃብ ክይተቖጠበት ንኣስፍሆተ ወንጌል ሓድሽ መገዲ ገይራ ብሓላፍነትን ብነጻነትን ብጥንቓቔ ክትጥቀመሉ ከምዝግብኣ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ኣተሓሳሲቦም፡ ኣብዚ ሳልሳይ ሺሓዊ እዋን ብስነ ኣሃዝ ዝተራቀ መራኸቢ ብዙሃን ዝጥቀም ሓዋርያዊ ጳውሎስ ንምዃን ዝተጸዋና ኢና ቢሎም ናይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ብስነ ኣሃዝ ዝተራቐ መራኸቢ ብዙሃን ጉዳይ ዝምልከት ንኣስፍሆተ ወንጌል ዘተኰር ናይ ቤተ ክርስቲያንን ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጰጥሮስ ስልጣናዊ ትምህርቲ ብትኽክል ዘይመሓላልፉ ዘይወግዓውያን መረብታውያን መራኸቢ ብዙሓን ፈልዩ ዝሕብርን ናይ ገዛእ ርእሱ ቤት ጽሕፈት ክቐውም ዝብል ሓሳብ ኣቕሪቦም። …  መንእሰይ ወለዶ ኣብ ዕለታዊ ሕይወቱ እቲ ዝበዝሐ ግዜ ዘሕልፈሉ ስፍራ መረብት ድዩ ወይ ከኣ እቲ ብስነ ኣሃዝ ዝተራቐ ናይ ኢድ ተለፎንን ክላኦት ምስ ሓድሽ ብስነ ኣሓዝ ዝተራቑ መራኸቢ ብዙሓን መጋበርያታት ከይከውንን ናይዚ መረብታዊ ባህሊ ጽግዕተይና ኰይኑ ንብሕትውናን ተነጽሎን ኣብ ገዛእ ርእሱ ተዓጺኻ ንምንባር ኵነት ኣሕሊፉ ከይህብን ካብ ክውን ዓለም ወጻኢ ኣብ ምናባዊ ዓለም ከይጥሕል ምድጋፍ የድልዮ፡ ነቲ ኣብ 2019 ዓ.ም. ኣብ ፓናማ ንኽካየድ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝጸውዕዎ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት እናሓሰቡ ቤተ ክርስቲያን ምእንቲ ጭቡጥ ምራኻብን ምሕዝነትን ኣብ እምነት ብሓባር ምጉዓዝን ዝብሉ ዕሴታት ኣማዕድያ ብሓልዮት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ዘበገሰት እንክብሉ ይገልጹ።

ሕንጸት ኣብ ፖለቲካን ኣብ ዜጋውነትን ንንጡፍ  ተሳታፍነት

ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ሕንጸት ኣብ ዝብል ቃል ኣተኵይሮም፡ ቤተ ክርስቲያን ኰነ ሕብረተሰብ እውን መንእሰያት የድልይዎም፡ እዚ ግን በጋጣሚ ዘይኰነስ ብስሩዕ ኣገባብ ዝራኸብ ድላይ ክኸውን ኣለዎ፡ ቀጥዒ ዘለዎ መደብ ሕንጸት ምቕራብ ክበሃል እንከሎ፡ ግብረ ገባዊ ሸለልተይናነትን ውልቃውነትን ተዛማድነት ዝብሉ ናይ መንእሰይ ውዕዉዕ መንፈስ ዘቐምስሉ ጠባያት ምውጋድ ማለት እዩ፡ ስለዚህ ንዜጋውነትንን ንንጡፍ ሱታፌ ኣብ ፖለቲካዊ ሕይወት ዝድግፍ ስነ ሜላ ምኽዋን ኣገዳሲ እዩ፡ ኣብዚ ከይዲ’ዚ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሕብረተሰብኣዊ ጠመቕ ትምህርትን ዕቱብ ኣገባብ ሕይወትን ስነ ምህዳራዊ ኵለንተናዊ ሰብኣውነት ምቕራብን ሰለይ እናበለ ናብ ኵሉ ዝተኣታተው ምግባረ ብልሽውና ንምውጋድን፡ እዚ ከም ሸቶ ንምግባ ከኣ ምትሕብባር ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ንምርግጋጽ  ህብረ ባህላውነት ክህሉ እዚዩ ኣገዳሲ እዩ ኢሎም።

ኣገዳሲ ናይ ሕንጸት ስፍራ፥ ስድራ ቤትን ከባብን

ካብ ስድራ ቤት ንላዕሊ ናይ ሕንጸት ስፍራ ኣሎ ክትብል ዘይሕሰብ እዩ፡ ኣብ ስድራ ቤት ምስማዕን ሓድ ሕዳዊ ዘተ ኣብ መንጐ ትውልዲ ትመሃረሉን፡ እቲ መሰረታዊ ዝዀነ ስርዓት ማሕበራዊ ናብራ እትቐስመሉ ስፍራ እዩ፡ … እዚ ኸኣ ናይ ወለዲ ስልጣን ክሕሎን ስድራ ቤታዊ ክቡር ስምዒት ዝነቓቓሓሉን ሕድ ሕዳዊ ተገዳስነትን ቅድሜኻ ዝብል ምእንታኻ ንዓይ ዝብል ናይ ሓላይነት ልዕሉ መንፈስ ተወፋይነት እትቐስመሉ ቀዳማይ ስፍራ ስድራ ቤት እዩ፡ …  ነዚ መሰረት ብምግባር ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ቤተ ክርስቲያን ስድራ ቤት ንኽትከውን ዝተጸውዐት ኣያ ቢሎም፡ ኩሉ ዝሕቆፈላ ኣባል ስድራ ቤት ዝዀነላ ስድራ ቤት ኣብ ምዃን ዝሕነጸላ እያ ኢሎም።

መንእሰይ ወለዶካብ ልሳነ ክርስቶስ ዘየስሕቶም ደላይ ግልጺ መልሲ እዩ

ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ መንእሰይ ካብ ቤተ ክርስቲያን ዘርሕቖ ነቲ ተኣምኖተ እምነት ድኹም ስለ ዝዀነ እዩ፡ ስለዚህ ካብዚ ንሕቶታትን ንጽምኢ ፍቕርን ትርጉም ዘለዎ ዕቱብ መልሲ ከቕርብ ዝኽእል ትምህርተ ክርስቶስን ዘለዎ ኣገዳስነ ተስተውዕል፡ መንእሰይ ግልጺ ዝዀነ ተደናጊሩ ዘየደናግር ካብ ልሳነ ክርስቶስ ዘየስሕቶ ነቲ ምቹእ ዝመስል እዋናዊ ዓለም ዝቕርቦ ልሙድ ዝዀነ ብመራኸቢ ብዙሃን ዝንዝሑ ኣተሓሳስባ ዘይስዕብ ዝገብር ሓበሬታ ከምዘድልዮ የተሓሳስቡ፡ ነዚ ዅሉ ግምት ብምሃብ ስሉጥን ውጽኢታውን ንመንእሰይ ወለዶ መልሲ ክህብ ዘኽእሎን ንብጾቱ ክውንግል ዘኽእሎ ድርኾትን እምንቶን ዘሕድረሉ ናይ ጸዋዕታ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ከምዘድልዮ ብፁዓን ኣበው ገሊጾም፡ …. እምነት ኣብ ዕለታዊ ሕይወት መልሲ ይሓትት፡ ጸዋዕታኻ ብምንባር ዝንበር እምነት ማለት እዩ፡ ካብ ኣእምሮ ናብ ልቢ ዝወርድ ኣስፍሆተ ወንጌል። ሕንጸት ኣብ ዘርኣ ክህነት ንዝለዓለ ሰብኣውነት ዘዘንበለ ክኸውን የተሓሳስቡ።

ንስደተይናታት መንእሰያት መወከስ ዝዀነት ቤተ ክርስቲያን

ጸኣት ስደተይናታት፥ ንምርኻብ ባህልታት፡ ኣብቲ ካባኻ ዝተፈልየ ካልእነት ዘሎ ብሉጽ ኵነት ንምልላይን ንምስትውዓልን፡ ንናይ ድኻታትን ንኡሳንን ኣሕዋት ድላይ ኣተኵሮ እተገብርን ልቢ መንእሰያትን ናይ ኵሉ ልብን ናብ እግዚኣብሔር ክፉት እትገብርን፡ ዝነብርዎን ዝርከብሉን ሕይወት ብዘየገድስ፡ ልብ ሰብ ናብ እግዚኣብሔር ክፉት ክኸውን እትሕግዝ ቤተ ክርስቲያን፡ እዚ ንምግባር ዘብቅዕ ከኣ ምስክርነት እዩ፡ እውነተይና ቃልን ሕይወትን ዘጣመረ ምስክርነት፡ … ሕይወት ቅዱሳትን፡ ውፉያያንን ሕይወት ኣብ ውፉይ ሕይወት ዘሎ ሃሴት ዝምስክር ካህን ድዩ ገዳማዊ፡ ኣብ ስድራቤት ዘሎ ኣድካሚ ጻዕሪ ከምዘሎ ኰይኑ ስድራ ቤታውነት ሕዳሴ ዘብጽሕን ፡ እቲ ዝቐርብ ምስክርነት ኣብ ተቐባሊ ምስክርነት ዝዀነ ኣካል  ሕቶ ዘበራብርን ሕይወት ኣብ ኢድካ ዓቲርካ ኣብ ናይ ገዛእ ርእስኻ ጉዕዞ ከተብል ይድግፍ ብዝብል ሓሳብ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ መበል 14 ውዕሎ ሲኖዶስ ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ። 

ሲኖዶስ መንእሰያት፡ እቲ ብስነ ኣሃዝ ዝተራቀ መረብት ስቡእ ክኸውን መታን ምውንጋል
18 October 2018, 17:59