ሲኖዶስ 2018 ዓ.ም. ካርዲናል ባልዲሰሪ፥ መንእሰይ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ንቤተ ክርስቲያን ብድሆ እዩ

ቤተ ክርስቲያን ናይቲ ንመጻኢ ብድሆ ዝዀነ መንእሰይ ወለዶ ድምጽን ግንዛበን እምነትን ጥርጣረን ህየሳን ጽን ንምባል ድልውቲ እያ፡ እዚ ሲኖዶስ ንገዛእ ርእሱ ነዚ ዘረጋግጽ እዩ እንክብሉ ናይ ብፁዓን ጳጳሳቲ ሲኖዶስ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ባልዲሰሪ ነቲ መደብ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣበጊሶም፡

“መእሰያትን እምነትን ልልያ ጸዋዕታን” ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ክዝትይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝጠለብዎ መበል 15 ጠቕላሊ ሓፈሻዊ መደበይና ሲኖዶስ ብፁዓን ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዕለት 3 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ቅዱስ ኣቦና ብተጋባእያን ሲኖዶስ ብፁዓን ጳጳሳት ተዓጂቦም ብዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝብገስ ኰይኑ ክሳብ ዕለት 28 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ዝቕጽል ክኸውን እንከሎ፡ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ሎረንዞ ባልዲሰሪን ናይ ሲኖዶስ ወሃቢ ቃል ብፁዕ ካርዲናል ሰርጆ ዳ ሮካን ምኽትል ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ፋቢዮ ፋበነ ዕለት 1 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ  ንዝተፈላለያ ናይ ዜና ማዕከናት ንልኡካን ጋዜጠይናታት ኣብ ቅድስቲ መንበር ጋዜጣዊ መግለጺ ሂቦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቤተ ክርስቲያን ናይቲ ንመጻኢ ብድሆ ዝዀነ መንእሰይ ወለዶ ድምጽን ግንዛበን እምነትን ጥርጣረን ህየሳን ጽን ንምባል ድልውቲ እያ፡ እዚ ሲኖዶስ ንገዛእ ርእሱ ነዚ ዘረጋግጽ እዩ እንክብሉ ናይ ብፁዓን ጳጳሳቲ ሲኖዶስ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ባልዲሰሪ ነቲ መደብ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣበጊሶም፡ እቲ መንእሰያትን እምነትን ልልያ ጸዋዕታን ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ንኽዝትይ ዝተጸውዐ መበል 15 ሲኖዶስ 267 ብፁዓን ጳጳሳት ኣበው ሲኖዶስ ካብ 18 ክሳብ 29 ዓመት ዕድመ ዝርከቡ ብጠቕላላ 34 መንእሰያት ኣብቲ ጉባኤ ሲኖዶስ ንመንእሰያት ሃገራት ዓለም ወኪሎም ድምጾም ብዘስምዑ መንእሰያት ተሰንዮም ከምዝሳተፉ ሓቢሮም፡ ኣስዒቦም ድሕሪ እቲ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ሕዝባዊት ረፓብሊካዊት ቻይና ዝተበጽሐ ግዝያዊ ስምምዕ ምኽንያት ክልተ ሃገረ ቻይና ዝውክሉ ብፁዓን ጳጳሳት ክሳተፉ ምዃኖም ገሊጾም።

ክንየው እቲ ዝተፈጸመ በደል

እቲ ሲኖዶስ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ተልእኾኣ ንመንእሰያት ኣብ ህላዌኦም እተቕርቦ ስንዮታ ዝብል ሓዋርያዊ ሓላፍነታ ብቐጥታ ኣብ ዘተ ብምቕራብ፡ እዚ ስንዮታ ንመንእሰይ ኣብ ህልውናኡ ዝብል፡ ምስ እግዚኣብሔር ምርኻብን ካብኡ ሓሊፉ እውን መንእሰይ ወለዶ ካብቲ ዝስማዕ ዘሎ ዝተፈጸመ ናይ ወሲብ ዓመጽ ገበናት ክንየው ቤተ ክርስቲያን ከም መርዓት ክርስቶስ ክርእያን ዝድግፍ ዘተ እዩ ዝኸውን፡ ክንየው ዝተፈጸሙ ዕንቅፋታት ምባል ዝድግፍ እዩ፡ መንእሰይ ይብሉ ብፅዕነቶም፡ ተኣፋፍነት ሰብኣዊ ፍጥሩ ኣዚዩ ዝርድኦን ዘስተውዕሎን እዩ፡ ስለዚህ ቤተ ክርስቲያን ኩላ በቶም ዝኣበሱ ገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት ኣትውከል ኣይኰነትን ምስ በሉ፡ እቲ ዝካየድ ሲኖዶስ ዘካይዶም ናይ ዕዮ ጉባኤታት፡ ኣብ ሰለስተ ጥምረት ዝነጻጸር ከይኑ ነፍሲ ወከፍ ስምረት ዕዮ ናይ ዕዮ ሰነድ ከምዘቕርብን፡ ቤተ ክርስቲያን ንኽውንነት ጽን በሃሊት ምዃኑ ምፍልጣን እምነት እትትርጉምን ልልያ ጸዋዕታ እተካይድን እትሓርይን ጉዕዞ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ለውጥን ልኡኽነትን እተሳልጥ ከምዝዀነት ዘስተውዕል እዩ።

እቲ ናይ መካየዲ ጉባኤ ሰነድ መበገሲ እዩ

ናይ ሲኖዶስ ወሃቢ ቃል ብፁዕ ካርዲናል ሰርጆ ዳ ሮካ እውን ብወገኖም፡ ብዛዕባ እቲ ናይ ሲኖዶስ መካየዲ ዕዮ ዝዀነ ሰነድ ኣማእኪሎም፡ እቲ ናይ ዕዮ መካየዲ ሰነድ ናይ መወከሲ መቓን እዩ፡ ናይቲ ቅድሚ እቲ ሲኖዶስ ንመካየዲ ሲኖዶስ ንምስንዳው ናይ ዝተኻየደ ናይቲ በሸሓት ዝቑጸር ገጻት ጽማሬኣዊ ሰነድ እዩ፡ ስለዚህ ካብታ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ካብ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክስቲያን ዝተዋጽአ ናይ ኣስተንትኖን ምስክርነትን ተመክሮን ውጽኢት እዩ፡ እዚ ኸኣ ቤተ ክርስቲያን ንመንእሰይ ኣብ እምነት ንምስናይን ኣብ ምልኣት ሕይወት እተቕርበሉ ስንዮታን ዝተመስረተ እዩ፡ ይኹን ደኣ እምበር ንዝተፈላለዩ ሕቶታት ዝተኣዘዘ ቀዲማዊ ዕሹግ መልሲ ከምዘይኰነ ምፍላጥ ይግባእ ኢሎም።

ሓደ ሓድሽ ሲኖዶስ

ኣብ መወዳእታ፡ ብዛዕባ ናይ ሲኖዶስ ጉባኤታት ኣበዓዕላን ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ንጥፈታቱን ኣብ ዝምልከቱ ነጥብታት፡ እቲ ብቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝጸደቐን ኣብ ሓዋርያዊ ቅዋም ኣብ ዘሎ ኤጲስ ቆጶሳዊ ሱታፌ (ዕለት 15 ነሓሰ 2018 ዓ.ም.) ኣብ ዝብል ዓንቀጽ 26 ዘሎ፡  ከምቲ ብፁዕ ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብቲ ሓዋርያዊ ግዳሴ ብዝብል ኣርእስቲ ዝኣወጅዎ ዓንቀጽ ዘመልክትዎ፡ ክሳብ እቲ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዘጽደቕዎ ናይ ብፁዓን ጳጳሳቲ ሲኖዶስ ስርዓተ ሕጊ ዘጠቓልል ካብ ርሑቕ እናተመሓየሸን ህልው ኩነታት ግምት እናሃበ ዝተሓደሰን፡ ነቲ ናይ ሲኖዶስ ከይድታትን ዘተን ናይ ሓሳብ ምልውዋጥን እንገዳ ርእይቶታትን ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ኣቢሉ ኣብ መላእ ሃገራት ናይ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ድምጺ ዘእንግድ ክኸውን ዘበራትዕ መምርሒ ዝስዕብ መበል 15 ጠቕላሊ ሓፈሻዊ መደበይና ሲኖዶስ ምዃኑ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ምኽትል ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ፋቢዮ ፋበነ ሓቢሮም።

ሲኖዶስ 2018 ዓ.ም. ካርዲናል ባልዲሰሪ፥ መንእሰይ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ንቤተ ክርስቲያን ብድሆ እዩ
08 October 2018, 09:06