ድለ

ብምስማዐ ርእየት ቃል ምስጋና መንእሰያት ዒራቕ ናብ ቅዱስ ኣቦና

ሞሳን ሓሴትን፡ ብዝብሉ ክልተ ቃላት ዝጠቓለል ውዕዉዕ ውሉዳዊ ፍቕሮም ዝገለጽሉ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ናብ ቅዱስ ኣቦና ከምዝሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ካቶሊካውያን መንእሰያት ዒራቕ፥ ቅዱስ ኣቦና በቲ ኣብዚ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዛዕባ መንእሰያት ኣቶኵይሩ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ሲኖዶስ ካብቶም ብምስማዕ መሰል ዝሳተፉ ካብ ዘለዉ ዒራቓዊ መንእሰይ ኣቢሎም ንዝገለጹሎም ፍቕርን ቅርበትን  ሞሳን ሓሴትን፡ ብዝብሉ ክልተ ቃላት ዝጠቓለል ውዕዉዕ ውሉዳዊ ፍቕሮም ዝገለጽሉ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ናብ ቅዱስ ኣቦና ከምዝሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ዕለት 13 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ነቲ ኣብ ሲኖዶስ ብምስማዕ መሰል ካብ ዝሳተፉ ዘለዉ ዒራቓዊ መንእሰይ ሳፋኣል ኣቢያ ተቐቢሎም ኣባታዊ ፍቕሮም ገሊጾም ናብ ዓዱ ዒራቕ ዕለት 14 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ይምለስ ስለ ዝነበረ ሰላምታን ፍቕርን ቅርበትን ንመንእሰያት ዒራቕ ከብጽሓሎም ብሓደራ ዝሃብዎ መልእኽቲ ዝበጽሖም መእሰያት ዒራቕ ቅዱስነቶም ንዘመሓላለፉሎም ኣባታዊ ፍቕርን ቅርበትን ዘመስግን ዕለት 22 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ሞሳን ሓሴትን ብዝብሉ ቃላት ዝጠቓለል ናይ ውዕዉዕ ውላዳዊ ፍቕሮም ዝገለጽሉ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥  

ሓውርያዊ ቡራኬ ቅዱስ ኣቦና ንመላእ መንእሰያት ዒራቕ

ቅዱስ ኣቦና ምስ መንእሰይ ኣቢያ ተራኺቦም እዚ መንእሰይ ንወላዲቱ ካብ ቅዱስ ኣቦና ዝተላእከ መቝጸሪያ ተቐቢሉን ብኣኡ ኣቢሎም እውን ንመንእሰያት ዒራቕ ዘበራትዕ ተስፋ ከይቆረጹ ኣብ መጻኢ እማኔኦም ከየዕበሩ ኣብ ጐይታ ተኣሚኖም ንቕድሚት ክብሉ ሓደራ ዝብል መእኽቲ እውን ኣረኪቦም መንእሰያት ዒራቕ ኣብ ጸሎቶም ህልዋን ምዃኖም እውን ከምዘረጋገጽሉ ጠቒሱ፡

ሞሳን ምስጋናን መንእሰያት ዒራቕ

መንእሰይ ኣቢያ ካብ ቅዱስ ኣቦና ዝተቐበሎ መልኽቲ ምስ ኣብጸሔ መንእሰያት ዒራቕ ቅርበት ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዘረጋጽ ጸሎት ቅዱስ ኣቦና ዘሕደረሎም ዓቢይ ሓጐስ ምስ ናይ ባግዳድ ተሓባባሪ ብፁዕ ኣቡነ ሽለሞን ዋርዱኒ ሓቢሮም  ንቕዱስ ኣቦና ፍቕሮም ገሊጾም ኣብ ጸሎቶም እውን ህልው ምዃኖምን ምስ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ሱታፌኦም ብዘረጋጽ ቃል ዝጠቓለል ናይ ምስማዐ ርእየት መልኽቲ ከምዘመሓላለፉ የመልክት።

 

23 October 2018, 17:10