ሲኖዶስ፡ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሲኖዶስ ብመሰል ሰማዕያን ንዝሳተፉ መንእሰያት ዘቕረብዎ ህያብ ሲኖዶስ፡ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሲኖዶስ ብመሰል ሰማዕያን ንዝሳተፉ መንእሰያት ዘቕረብዎ ህያብ 

ሲኖዶስ፡ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሲኖዶስ ብመሰል ሰማዕያን ንዝሳተፉ መንእሰያት ዘቕረብዎ ህያብ

ቅዱስ ኣቦና ነቶም ብመሰል ሰማዔ ንዝሳተፉ ዘለዎ መንእሰያት ናይቲ ካብታ ሓዳስቲ ነገራት ዘርእስቱ ናይ ር.ሊ.ጳ. ሊዮነ መበል 13ን ክሳብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝደረስዎ ይሴባሕ ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽትን ሓዋርያዊ ምዕዳን ናይ ፍቕሪ ሓሴትን ዘጠቓልል ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ማሕበረተሰብኣዊ ትምህርቲ ኣስተዋጽኦ ዓዲሎም

ዕለት 24 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ድሕሪ ቐትሪ 254 ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ኣብ ምስንዳው ናይ ሲኖዶስ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ኣብ ዝዘተይሉ መበል 19 ውዕሎ፡ ቅዱስ ኣቦና ነቶም ብመሰል ሰማዕያን ንዝተረኽቡ ተሳታፊያን መንእሰያ፥ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ሕብረተሰብ ጠመቕ ትምህርቲ ሰነድ ኣስተዋጽኦ ከምእተበርከተሎምን ድሕሪ ቐትሪ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶን እቶም መእሰያትን ኣብ ሮማ መፈሳዊ ንግደት እውን ከምዘካየዱ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ካብ ዕለት 3 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ኣትሒዙ መንእሰያትን እምነትን ልልያ ጸዋዕታን ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣተኵይሩ ዝካየድ ዘሎ ሲኖዶስ ብፁዓን ኣበው ዕለት 24 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ነቲ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ዘበገሶ ኣብ ምስንዳው ናይ ሲኖዶስ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ዘማእከለ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ርእይቶን ሓሳብን ዘቕረብሉን ኣብቲ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ክሳዃዕ ብጽሑፍ ዘዳለውዎ መልእኽቲ እውን ንናይ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ሰርጆ ዳ ሮካን ነቶም ናይዚ ዝካየድ ዘሎ ሲኖዶስ ክልተ ፍሉያት ዋና ጸሓፍት ኣባ ጃኮሞ ኮታን ኣባ ሮሳኖን ሳላን ዘረከቡሉ መበል 19 ውዕሎ፥

ካብ ቅዱስ ኣቦና ንመንእሰያ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ማሕበረሰብኣዊ ጠመቓዊ ትምህርቲ ኣስተዋጽኦ

ቅዱስ ኣቦና ነቶም ብመሰል ሰማዔ ንዝሳተፉ ዘለዎ መንእሰያት ናይቲ ካብታ ሓዳስቲ ነገራት ዘርእስቱ ናይ ር.ሊ.ጳ. ሊዮነ መበል 13ን ክሳብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝደረስዎ ይሴባሕ ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽትን ሓዋርያዊ ምዕዳን ናይ ፍቕሪ ሓሴትን ዘጠቓልል ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ማሕበረተሰብኣዊ ትምህርቲ ኣስተዋጽኦ ዓዲሎምክሕበር እንከሎ፡ እዚ ኸኣ መንእሰይ ወለዶን ማሕበረ ክርስቲያንን ኣብ ዝነብረሉ ሕብረተሰብን ማሕበረሰብን ንቑሕ ተዋሳእቲ ንኽዀኑ ኣብ ማሕበራዊ ጉዳያን ክንክን ፍጥረትን ተፈጥሮን ከይድታትን ብሓይሊ ወንጌል ተደሪኾም ዓለምን ሕብረተሰብን ኣብ ምልዋጥ ግዴኦም ንኸበርክቱ ንቑሓት መታን ክዀን ዝብል ሓሳብ ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ናይቲ ሰነድ ዝደረስዎ መእተዊ ሰነድ ዘስፈርዎ ሓሳብ ከም ተልኾ ዘረክብ ገጸ በረከት እዩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ብፁዓ ኣበው ሲኖዶስን ተዓዘብንቲ ኣብ ሲኖዶስን ብመሰል ሰማዔ ካብ ዝሳተፉ መንእሰያት ብጠቕላላ 300 ምዝጉባት ብሓባር ዘሳተፈ ካብ ሞንተ ማርዮ ክፍለ ከተማ ተበጊሱ ክሳብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘሎ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ቅዱስ ዓጽም ኣብ ዝዓረፈሉ ስፍራ ዝካየድ መንፈሳዊ ንግደት ኣብኡ እውን ቅዱስ ኣቦና ከምዝሓበሩን ኩሎም ኣብቲ መንፈሳዊ ንግደት ዝተሳተፉ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ሎረንዞ ባልዲሰሪ ኣብ ዝሰርዕዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዝሓበሩን፡ ናይ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ሪኖ ፊዚከላ ከምዝሓበርዎ፡ ኣብቲ መንፈሳዊ ንግደት 192 ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ፡ ካብኣቶም 101 ብፁዓን ጳጳሳትን 9 ብፁዓን ካርዲናላትን ብመሰል ሰማዔ ዝሳተፉ መንእሰያትን ክኢላታትን ዓለማውያን ምእመናን ዝርከብዎም 82ን  ካብ ሰበኻ ሮማ ዝተዋጽኡ 100 መንእሰያትን ከምእተሳተፉ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ሲኖዶስ፡ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሲኖዶስ ብመሰል ሰማዕያን ንዝሳተፉ መንእሰያት ዘቕረብዎ ህያብ
25 October 2018, 16:36