ድለ

ሲኖዶስ፡ መንእሰይ ሓባሪ ናይ ርእደ ክውንነትን ናይ ቤተ ክርስቲያን ቀንደይና ተዋሳእትን እዩ ሲኖዶስ፡ መንእሰይ ሓባሪ ናይ ርእደ ክውንነትን ናይ ቤተ ክርስቲያን ቀንደይና ተዋሳእትን እዩ 

ሲኖዶስ፡ መንእሰይ ሓባሪ ናይ ርእደ ክውንነትን ናይ ቤተ ክርስቲያን ቀንደይና ተዋሳእትን እዩ

መንእሰይ ቤተ ክርስቲያን እዩ፡ ናይ ክውንነት ሚዛን እዩ፡ ስለዚ እዚ ዝካየድ ዘሎ ሲኖዶስ፡ ነዚ መንእሰይ ወለዶ ብዘይ ግብረ ግብነታዊ ፍርድታትን ሕይወት ንናይ እግዚኣብሔር ጸዋዕታ መልሲ ምዃኑ ንኸስተዕልን ሕይወት ሰናይ ስለ ዝዀነ ትርጉም ዘለዎ ብምዃኑ ዘስተውዕል ናይ ምንባርን ምትስፋውን ርትዒ ክቐርበሉ ይግባእ፡

እቲ መንእሰያትን እምነትን ልልያ ጸዋዕታን ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ዝዝትይ ዘሎ መበል 15 መደበይና ጠቕላሊ ጉባኤ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ብሹዱሽተ ቋንቋታት ዝካየድ ብዓሰርተ ኣርባዕተ ነኣሽቱ ናይ ዕዩ ዘተ የካይዱ ከምዘሎ ክሕበር እንከሎ፡ ኣብቲ ናይ ሲኖዶስ ናይ መካየዲ ዕዮ ሰነድ ምስማዕ ዝብል ኣርእስቲ ኣብ ቀዳማይ ክፍሊ ዘንበሮ፡ ብነኣሽቱ ጉጅለ ተመዳዲቡ ዕለት 8 ጥቅምት 2018 ዓ.ም. ዘካየዶ ናይ ዘተ ዕዮዘደገፈ ጋዜጣዊ መግለጺ ተዋሂቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ኣብቲ ብነኣሽቱ ጉጅለ ተመዳዲቦም ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ ዘካየድዎ ዓውደ ዘተ፡ ስኒቲ ዝዀነትን ኣብ ገዛእ ርእሳዊ ውካሰን ቅድመ ፍርድን ኣይፋል እትብል፡ ኣብ እሙን ምስክርነት ዘተኰረት ናይ ቤተ ክርስቲያን ተክለ ሰብነትን ከምእተቓልሔን ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ፡ መንእሰይ ግቡእ ክብሪ ክወዋቦን፡ ኣብ ሕይወት ቤተ ክርስቲያን ንቑሕ ሱታፌ ክህልዎ ክተባባዕ ከምዝግብኦ የተሓሳስቡ፡ እዚ ኸኣ ኣብ ዓበይቲ ክዋኔታት ጥራሕ ዘይኰነስ ኣብ መላእ ከይዲ ቤተ ክርስቲያን ሓላፍነታዊ ተዋሳእነት ክህልዎ ምግባርን ብተራኡ ንመሳትኡ ወንጌል ኣብሳሪ ክኸውን ኣለዎ ዝብል ሓሳብ ከምእተሰመረሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

መንእሰይ ናይ ርእደ ክውንነት ሊቅ እዩ

መንእሰይ ቤተ ክርስቲያን እዩ፡ ናይ ክውንነት ሚዛን እዩ፡ ስለዚ እዚ ዝካየድ ዘሎ ሲኖዶስ፡ ነዚ መንእሰይ ወለዶ ብዘይ ግብረ ግብነታዊ ፍርድታትን ሕይወት ንናይ እግዚኣብሔር ጸዋዕታ መልሲ ምዃኑ ንኸስተዕልን ሕይወት ሰናይ ስለ ዝዀነ ትርጉም ዘለዎ ብምዃኑ ዘስተውዕል ናይ ምንባርን ምትስፋውን ርትዒ ክቐርበሉ ይግባእ፡ ኣብ ሕይወቱ ውሳኔታት ክገብር እውን ስለ ዝግብኦ፡ ናይ ሓጺር እዋን ዘይኰነስ ናይ ርሑቕን ነባርን ውሳኔ መታን ክወስድ ክድገፍ ኣለዎ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስግኣት ጽላለ ብስነ ኣሃዝ ዝተራቀ መራኽቢ - ብዙሃን

ብፁዓን ኣበው ብዛዕባ እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣዚዩ ዝሰፍሕ ዘሎ ብስነ ኣሃዝ ዝተራቀ ባህሊ ኣማእኪሎም እውን እዚ ሓድሽ ባህሊ’ዚ ንናይ መንእሰይ ሕይወት ይዕብልል ከምዘሎን ኣዚ ባህሊ’ዚ ናይ ገዛእ ርእሱ እወታውን ኣሉታውን ጐድኒ ዘለዎ ኰይኑ፡ ብዙሓት መንእሰያት ንብሕትው ሕይወት ይዳርግ እውን ምህላዉ ገሊጾም፡ ናይቲ ናይ መራኸቢ ብዙሓን ጸፍሒ መስትያን ቅሱብ ኰይኑ ብስነ ኣሃዝ ናይ ዝተራቀ መጋበርያ ጽሉልን ንኣልቦ ትኵርነትን ሰነዳት ብምልኣት ካብ ምርዳእ ብኹር እናዀነ ቁንጹል ፍልጠት ዘዋህልልን ምናባዊ ስደተይና ኰይኑ፡ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ ዓለም ክሕጸር ይገብሮ ምህላዉ ኣብሪሆም፡ ነዚ መንእሰይ’ዚ ቤተ ክርስቲያን ቀሪባ ከተሰንዮን ኣብ ትኽክለይና ኣጠቓቕማ ስነ ኣሃዝ ዝተራቀ መጋበርያ ከትሓንጾን ምስ እዚ ብምትሓሕዝ ከኣ ብዙሓት መንእሰያት ዓለም ካብ ምጥቃም እዚ ሓድሽ ዕድል ዘይብሉ ኰይኑ ከምዘሎ ብምስትውዓል ነዚ መንእሰይ’ዚ ኣብ ከይዲ ተቐጣምነት ክትድግፎ ይግባእ ይብሉ።

እቲ ዕንቅፋት ዝዀነ ናይ ወሲብ ዓመጽ ክገጥሙ

እቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ተኣማንነት እዚዩ ንሓደጋ ዘቃልዔ ብገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት ዝተፈጸመ ናይ ወሲብ ዓመጽ ብጥልቂ ክምርመርን፡ ቤተ ክርስቲያን ነቲ ኣብ ውሽጣ ዝተፍጸመ ናይ ወሲብ ዓመጽ ከይዘንገዓት፡ ተኣማንነታ ዳግም ንኽትረክብ ተመሳሳሊ ገበን ዳግም ከይኽሰት ኣብ ኣቐዲምካ ምጥንቃቅ ከይዲ ተጊሀ ክትዓይን፡ ነቶም ግዳይ ናይዚ ዓመጽ’ዚ ክትድግፎምን ምሕረትን ዕርቅን ክትሓትት ኣለዋ ዝብል ሓሳብ ከምዘቃልሑ፡ ብዛዕባ ናይ ስነ ጾታዊ ሕንጸትን ብግልጽን ሰብኣውነት ብዝዓሰሎ መገዲ ብቲዮሎጊያዊ ቋንቋ ከተቕርቦ ከምዘለዋ የመላኽቱ።

ጸኣት ስደተይና፥ ናይ ስደተይናታት ሕቶ ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ድጋፍ ክረክብ

ብዛዕባ ጸኣት ስደተይናታት ዝዘተዩ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ፡ እቶም ንስደት ዝዳረጉ ክፍሊ ሕብረተሰብ መብዛሕቲኡ ብመንእሰይ ዝሽፍፈን ከምዝዀነን፡ ስደት ነቲ ኣብ ጉዳይ ፍትሕን ፖለቲካን ዘሎ ንናይ መንእሰያት ግዳሴ መርኣያ እዩ፡ ስለዚህ እዚ ከኣ ኣብዚ መዳይ’ዚ ሓገዝ ቤተ ክርስቲያን ዘድልዮም ምዃኑ ዘመላኽት እዩ፡ ነዚ መሰረት ብምግባር፡ ናይ ስደተይና ሕቶ ዓለም ለኻዊ ድጋፍ ረኺቡ፡ መንእሰይ ንስደት ከይዳረግ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ዕድል ክፍጠረሉን ኣብ ዝተሰደለን ሃገራት እውን ከምኡ፡ ኣተሓሒዞም ኣብ ገዛእ ሃገሮም ውሽጢ እውን ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዝስደዱን ዝመዛበሉን ከምዘለዉ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ጠቒሶም፡ ነዚ ጸገም’ዚ ዝዳርግ ብብሔራውን ዓለም ለኻውን ደረጃ መፍትሒ ክረክብን ቤተ ክርስቲያን ኣብዚ መዳይ ፍትሕን ሰላምን ማዕርነትን ብምንቕቓሕ ኣብ ምግልጋሉ ከምእትርከብ የነጽሩ።

ሕንጸት ጽኑዕን ኣብ መንጐ ዝተፈላለዩ ጨንፈር ትምህርቲ ውስጠ ርክብን ምሉእን

ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ፡ ብዛዕባ ሕንጸትን ትምህርትን ኣብ ዝገለጽዎ ሓሳብ፡ ሕንጸት ጽኑዕን ከምኡ እውን ኣብ መንጐ ዝተፈላለየ ዓይነት ጨንፈር ትምህርቲ ተራኻብነት ክህሉ ብምግባር ሕንጸት ኵለንተናውን ምሉኣውን ምግባር ዘለዎ ኣገዳስነት ኣበኪሮም፡ ኣብዚ መዳይ ካቶሊካውያን ኣባይቲ ትምህርትን መናብርተ ጥበብን ዘለወን ዓቢይ ግደ እውን ሓቢሮም፡ መንእሰይ ኣብ እምነቱ ክሕነጽን ካብ ዝተፈላለየ ዓይነት ጸንፈይናውነትን ኣኽራርነትን ገዝእ ርእሱ ክከላኸል መታን ኣብ ምክብባርን ዘተን ስኒትን ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ከምኡ እውን ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያንን ናይ ሓባር ዘተ ክህሉን ምክብባር ኣብ ፍልላይትን እውን ክነብር ዝሕነጸሉ ምዃኑ ይሕብሩ።

ኣባይቲ ስድራ ምብርታዕ

ሕቶ ሕንጸት በቲ ብቑዕ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ነቲ ካብ ትውልዲ ናብ ትውልዲ እምነት ናይ ምትሕልላፍ ተልእዀ ንዘለዎ ስድራ ቤት ምቕራብ ብዝብል ብድሆ እውን ዝሓልፍ እዩ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ስድራ ቤተ ኣብ ከቢድ ቅልውላው ዝርከብ ምዃኑ ዘመላኸቱ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ፡ ኣስዒቦም፡ እቲ በጽሒ ወለዶ ክምንእስ ዘርእዮ ድላይን ጻዕርን ውልቃውነት ዝብል ብዃኑን ናይ ወላዲ ምዃን ሓላፍነት ምቕሃምን፡ መንእሰይ ወለዶ ቃል ቅዱስ መጽሓፍ ከስተውዕል ዘይድግፍ ብምዃኑ፡  እቲ በጽሒ ወለዶ ዘርእዮ ዘሎ ጉድለታትን ገሊጾም፡ መንእሰይ ወለዶ እውን ነቲ ካብ ወለዱ ንዝመሓላለፈሉ እምነት ክርስትና መሰረት ዝዀነ ምስ ኢየሱስ ውልቃዊ ርክብ ምቛም ካብ ዝብል ኣነን ንስኻን ዝብል ክሌኣዊ ርክብ ዘይነብር ብምዃኑ ናይ ገዛእ ርእሱ ሓላፍነት እውን ከምዘለዎ ኣስተውዒላ፡ ምእንቲ’ዚ ቤተ ክርስቲያን ከም ስድራ ቤት ንስድራ ቤት ብምዃና ንመንእሰይ ወለዶ ናይ ስድራ ቤታውነት ተመክሮ ብምቕራብ እንጉድን ፍቑርን ሕሉይን ምዃኑ ክስምዖን ከይድን ኩለንተናዊ ዕብየቱን ትምኒታቱን ተስፋታቱን ኽኽውኑ ብእተቕርበሉ ድጋፍ ዝስነይ ምዃኑ ብጭብጢ ክርድኦ ትጽዕር።

ቤተ ክርስቲያን፥ ቤት ትምህርቲ ሕንጸት

ብቑዕን ግቡእን ሕንጸት ንጓሶት እውን ኣገዳሲ እዩ፡ ስለዚህ ሓድሽ ኣገባብ ክህነታዊ ሕይወት ዘለዎ ኣገዳስነት ጳጳሳት እውን መንእሰያት ብብቕዓት ከሰንዩ ኣኽእሎቱ ዘለዎም ክዀኑ ይግባእ፡ ምኽንያት ኣብዚ እዋን’ዚ ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ግብረ ገብን ሃይማኖትን ዝንጽል ባህሊ ዝብድህን እዋናውነትን ትውፊትን ከሳንይ ዝኽእል ብቑዕን ስሉጥን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝጐድለ ስለ ዝመስል፡ ብመሰረቱ ቤተ ክርስቲያን ኣደን መምህርን እያ፡ ስለዚህ መንእሰይ ዝሕነጸሉ ኣብ መንጐ ንሳነታን መንእሰይን ዝረአይ ዘይተቃድዎነት እትሰግር ክትከውን ከምዝግብኣ የተሓሳስቡ።

ንመንእሰይን ናብ መንእሰይን ስመሓላለፍ መልእኽቲ

ብፁዓን ጳጳሳት ኣበው ሲኖዶስ ኣብቲ ብ14 ነኣሽቱ ናይ ዘተ ጉጅለ ተኸፋፊሎም ዕለት 8 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ኣብ ዘካየድዎ ዋዕላ፡ ፍጻሜ ኣብ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ካብዚ ዝካየድ ዘሎ ሲኖዶስ ናብ መንእሰይን ንመንእሰይን ዝብል መልእኽቲ ክቐርብ ኣለዎ ዝብል ሓሳብ ከምዝዘመንጨወን፡ እዚ ኸኣ ቤተ ክርስቲያን ብነቢያዊ መንፈስ ብዛዕባ መንእሰይ ዘለዋ ንጹር ኣረኣእያን ክርስቲያናዊ ተስንፋ ብሓላፍነት ከተረክቦም መታን ዝብል ኰይኑ፡ በዚ መንጽር’ዚ ኅብረ-መራኸቢ ብዙሃን ናይ ምጥቃም ብቕዓታ ኣበሪኻ ምስ መንእሰይ እትዝትይን ንመንእሰይ እትዛረብን እዚ ኸኣ ብጽሑፍ ሕራሕ ዘይኵነስ ብምስማዐ ርእየት ዝተሰነየ ክኸውን ኣለዎ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ሲኖዶስ፡ መንእሰይ ሓባሪ ናይ ርእደ ክውንነትን ናይ ቤተ ክርስቲያን ቀንደይና ተዋሳእትን እዩ
10 October 2018, 17:36