ድለ

ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ናብ ሃገረ ዮርዳኖስ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ናብ ሃገረ ዮርዳኖስ 

ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ናብ ሃገረ ዮርዳኖስ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞም እግዚኣብሔር ኣብ መንግስቲ ክቕበሎምን ንኣባይት ስድራ ካብዚ ዓለም ብሞት ንዝተፈልዩ ምጽንናዕን ማሕሰይቲ ንዘጋጠሞም ሓገዝን ቅልጡፍ ፈውስን ተመንዮን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት እቲ ኣብ ዮርዳኖስ ብርቱዕ ዝናም ብዝፈጠሮ ምዕልቕላቕ ማይ ዘስዓቦ ሞትን መጉዳእትን ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም ከምዘመሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ -  ከተማ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ብርቱዕ ዝናም ዘስዓቦ ምዕልቓላቕ ማይ ኣብ ዮርዳኖሶ ከቢድ ሰብኣውን ንዋታውን መጉዳእቲ ከምዘስዓበ ምስ ተሓበሮም፡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም ኣብ ዮርዳኖስ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ኣልበርቶ ኦርተጋ ማርቲን ከምዘመሓላለፉን፡ ብፍላይ ነቶም ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞም እግዚኣብሔር ኣብ መንግስቲ ክቕበሎምን ንኣባይት ስድራ ካብዚ ዓለም ብሞት ንዝተፈልዩ ምጽንናዕን ማሕሰይቲ ንዘጋጠሞም ሓገዝን ቅልጡፍ ፈውስን ተመንዮን ነቶም ናይ ኣገልግሎት ሕጹጽ ሓደጋ ሰራሕተይናታትን ማሕበራት ወለንተይናታትን በርገሳውያን ናይ ሓገዝ ማሕበራትን ቅርበቶም ኣረጋጊጾም ኣብ ዝህብዎ ኣገልግሎት መድሕን እግዚኣብሔር ከበርትዖምን ኣብ ልዕሊ ኵሎም መለኮታዊ ሓይልን ሰላምን ክወርድ ጸሎቶም ምዃኑ ከምዘረጋገጹ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞም 21 ምዃኖም ተገሊጹ

በቲ ብርቱዕ ዝናም ዘስዓቦ ምዕልቕላቕ ማይ ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞም 21 ከምዝበጽሑ ዝሓበረ ኣል ኣራቢያ መደብር ተለቪዥን ኣስዒቡ፡ ናይ ሓደጋ ምክልኻል ኣባላት ኣብቲ ብርቱዕ መጉዳእቲ ዘጋጠሞ ከባቢ ናይ ካልእቶ ዜጋታት ሕይወት ኣብ ምድሓንን ነቶም ሃለዋቶም ገና ዘይተፈልጠ ኣብ ምድላዮም ይረባረቡ ከምዘለዉን ገሊጹ፡ መብዛሕቲኦም እቶም ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠመሞ ኣብ ኣማን ኣብ ዝርከብ ናይ ቤት ትምህርቲ ቪክቶሪያ ተመሃሮን መምህራንን ብሓባር ኣብ መደብ ጉዕዞ ዝነበሩ ክምዝዀኑ ኣፍሊጡ።

ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ናብ ሃገረ ዮርዳኖስ
27 October 2018, 16:52