ድለ

ቃለ ኣስተንትኖ ር.ሊ.ጳ. ዛዕባ ጸሎት ሰላም ለኪ ኣብ ቲቩ2000

ቅዱስነቶም ኣብቲ ዕለት 16 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ዝተመሓላለፈ መደብ፡ ምስ ኣባ ፖዞ ብቃለ መሕትት መሰረት ኣብ ዝሃብዎ ኣስተንቶ፡ ንማርያም ክትርዳእ ናብቲ ንኡስ ዝነበርካሉ እዋን ተመሊስካ ምንባር የድሊ፡ ልክዕ ከም ሓደ ሕጻን ብኣግራሞን ምድናቕን ሰላም ነዓኺ ኦ ማርያም ምባል የድሊ፡

ምስጢረ ማርያም፡ ኣደነታን እቲ ኣብ ዓለም ኣዚዩ ፍሉጥ ዝዀነ ጸሎት፡ ዝብሉ ነጥብታት ዝድህስስ ቅዱስ ኣቦና ዛዕባ ጸሎት ሰላም ለኪ ዘቕርብዎ መደብ ኣስተንትኖ ብናይ ኢጣሊያ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቲቪ2000 እተሰምየ ናይ ተለቪዥን ጣቢያ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ብምትሕብባር ዝተዳለወ ክሳብ ዕለት 23 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም. ዝቕጽል ብኣባ ማርኮ ፖዛ ተመሪሑ ዕለት 16 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ከምእተጀመረ ተሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ማርያም እዋናዊት ጓለንስተይቲ፥ ኩሉ ንኣኣ ክመስል ይኽእል፡ ዝብል ሓሳብ ኣማእኪሎም ቅዱስ ኣቦና ዝሃብዎ ኣስተንትኖ ኣብቲ ዕለት 16 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም ብቲቩ2000 ዝተመሓላለፈ ቀዳማይ መደብ ኣብ ፓዶቫ ናይ ዝርከብ ቤት ማሕቡስ ቤተ ጸሎት ቆሞስን ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ብኣባ ፖዞ ተመሪሑ ክምእተበገሰን እዚ 11 መደባት ዘጠቓልል ኣብ ነፍሲ ሰሉስ ዝመሓላለፍ ኰይኑ ናይ መወዳእታ መደብ ከኣ ዕለት 23 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም. ከምዝቐርብን፡ ናይዚ መደብ ፈነወ ተለቪዥን ኣርእስቲ፥ ሰላም ኦ ማርያም ምልእተ ጸጋ ዝብል ክኸውን እንከሎ፡

ጻውዒት ቅዱስ ኣቦና

ቅዱስነቶም  ኣብቲ ዕለት 16 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ዝተመሓላለፈ መደብ፡ ምስ ኣባ ፖዞ ብቃለ መሕትት መሰረት ኣብ ዝሃብዎ ኣስተንቶ፡ ንማርያም ክትርዳእ ናብቲ ንኡስ ዝነበርካሉ እዋን ተመሊስካ ምንባር የድሊ፡ ልክዕ ከም ሓደ ሕጻን ብኣግራሞን ምድናቕን ሰላም ነዓኺ ኦ ማርያም ምባል የድሊ፡ ኣግራሞትን ምድናቕን ዝነበረ ታሪኽ ክኸውን የብሉን፡ ኣብ ናይ ሎሚ ቤተ ክርስቲያን ሕይወት እውን ክንርእዮ ይግባእ። ማርያም፥ ተራ ዝዀነት ናይ ትማልን ሎምን ዘይከተማዊት ኣብ ንእሽተይ ቝሸት እትነብር ከም ናይ ግዚኣ ደቀንስትዮ ተራ ዝዀነ ሕንጸት ዝቐሰመት ንመርዓ ክፍትቲ ዝዀነት፡ ስድራ ቤት ንምቛም ስንድውቲ ዝነበረት እያ።

እቶም ኣጋይሽ

እዚ ታሪኽ ቅድሚ 2 ሺሕ ዓመት ኣቢሉ ኣብ ናዝሬት ዝተበገሰ፡ እግዚኣብሒር ብሓንቲ ጓለንስተይቲ ተሰንዮ ታሪኽ ዳግም ክሰርሕ ደለየ፡ … እቲ ታሪኽ ከኣ ኦ ማያም ሰላን ንኣኺ ብዝብል ቃል ዝተጀመረ ክኸውን እንከሎ፡ “ዝዀነት ትዅን ጓለንስተይቲ ኣብዚ ዓለም’ዚ” ይብሉ ቅዱስ ኣቦና፥ “ንማርያም ምምሳል ኣኽእሎቱ ኣሎኒ ክትብል ትኽእል” ስለምንታይ ሕይወት ማርያም ተራ ሕይወት ስለ ዝዀነ፡ ዋላ’ኳ ሕጸንን መርዓትን ማርያም ንጽሕናን ድንግልናን ዝዓቀበትን፡ ዕለታዊ ሕይወታ ስድራ ቤት ምግልጋል፡ ዕዳጋ ምውራድን ዕዮታት ዘቤት ምፍጻምን ሕንጸት ውላድ ምሕላይን በዓል ቤታ ምሕጋዝን ዝብል እዩ” እንክብሉ ሕይወት ማርያም ተራ ሕይወት ደቀንስትዮ ምዃኑ የብርሁ።

ቃለ ኣስተንትኖ ር.ሊ.ጳ. ዛዕባ ጸሎት ሰላም ለኪ ኣብ ቲቩ2000
17 October 2018, 17:03