“ተኣምራት ቅዱስ ቍርባን”፥ ዕለት 30 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ቀዳሜ ሰነዳዊ ምርኢት

ብዛዕባ ተኣምራት ቅዱስ ቁርባን ብምስማዐ ርእየት ዝተሰነየ ሰነድ ምቕራብ ቀንዲ ዕላማኡ፡ ኣብ ታሪክ ቤተ ክርስቲያን ዝተነብሩ ኩነታትን ቦታታትን ጭብጥታትን ተኣምራት ቅዱስ ቍርባን ብስነ ኣሃዝ ዝተራቐ ምዕባለ መራኸቢ ብዙሃን ብምጥቃም ንምምክሳር

ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዘዳለዎ ዛዕባ ተኣምራት ቅዱስ ቁርባን ዘዘንትው ናይ ምስማዐ ርእየት ሰነድ ብወግዒ ንምቕራብ ኣብ ዝካየድ ዓውደ መመረቕታ፡ ቅድመ ምርኢት ኣብ ቫቲካን ቤተ ምርኢት ዕለት 30 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ሰዓት 11.00 ክቐርብ እዩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

እቲ ቅድመ ምርኢት ካብቲ ምሉእ ተኣምራት ቅዱስ ቍርባን ናይ ምስማዐ ምርኢት ሰነድ ብወግዒ ንምልላይ ኣብ ዝካየድ ናይ ዓውደ መመረቕታ፡ ካብ ፖላንድ ኣብ ዝርከብ ጐቦ መሳቕል ክሳብ ኣብ ቦሎኛ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ቁርባን ዝተዓቀበ ናይ ኢዮሱሳዊ ካህን ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅን ናይ ስነ  ቅብእን ንድፍን ሊቅ ናይ ኣባ ማርኮ ኢቫን ሩፕኒክ ቅንስላዊ ቅብእን ንድፍን ዘጠቓልል፡ ቀንጺቡ ዘቐርብ ክኸውን እንከሎ፥

እቲ ናይ ምስማዐ ርእየት ሰነድ እዋናዊ ቋንቋን ኩነት ብምጥቃም ተኣምራት ቅዱስ ቁርባን የዘንትው

ከምዚ ዝኣመሰሉ መደባት ምድላውን ምዝርጋህንናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሃን ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ተልእዀ እዩ፡ ድምጺ ቤተ ክርስቲያንን ድምጺ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ምዃን፡ ብዛዕባ ተኣምራት ቅዱስ ቁርባን ብምስማዐ ርእየት ዝተሰነየ ሰነድ ምቕራብ ቀንዲ ዕላማኡ፡ ኣብ ታሪክ ቤተ ክርስቲያን ዝተነብሩ ኩነታትን ቦታታትን ጭብጥታትን ተኣምራት ቅዱስ ቍርባን ብስነ ኣሃዝ ዝተራቐ ምዕባለ መራኸቢ ብዙሃን ብምጥቃም ንምምክሳር ዝብል ክኸውን እነክሎ፡

ቅድመ ትርኢት

ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሃን ጉዳይ ዝከታተል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኣባል ምሕደራ የኔታ ዳሪዮ ኤድዋርዶ ቪጋኖን ኤሊዛበታ ሶላን ኒኮላ ሳልቪን ናይ ፊልም ቀራጽን ደራስን ማተዮ ቸካረሊን ናይ ስነ ልቢ ሕክምና ሊቅ ፍራንኮ ሰራፊኒ ኣብቲ መደብ ቅድመ ትርኢት ዘረባ ከስምዑ ከምዝዀኑን፡ ወለዲ ናይ ተኸባርነቱ ካርሎ ኣኵቲስ ገና ኣብ ንኡስ ዕድመኡ ካብዚ ዓለም ብሞት ቅድሚ ምፍላዩ ኣብ ሕይወቱ ዝተፈጸመ ኣብ ሓሙሽተ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ዝበጽሔ ቅዱስ ታሪኽ ተኣምር ቅዱስ ቁርባን ዝምልከት እውን ዘረባ ከስምዑ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ። እቲ ዝካየደ መደብ ቅድመ ምርኢት፡ ኣብ ኣርጀንቲና ፖላንድን ኢጣሊያ ዘጠቓልል ብዛዕባ እምነት ስነ ምርምርን፡ ኣብ መንጐ እምነትን ስነ ምርምርን ዘሎ ርክብን ቃለ ምስክርነትን ቤተ ክርስቲያን እወ ተኣምር እዩ ቢላ ዘጽደቐቶምን ተኣምራት ቅዱስ ቁርባን ኣርእስታት ዘማእከለ ሓሳብ እውን ከምዝቐርብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የመልክት።

“ተኣምራት ቅዱስ ቍርባን”፥ ዕለት 30 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ቀዳሜ ሰነዳዊ ምርኢት
27 October 2018, 16:58