2018.09.21 ዘተ ምስ ቻይና - ናይ ዳሊ ካቶሊካዊ ቤተክርስትያን 2018.09.21 ዘተ ምስ ቻይና - ናይ ዳሊ ካቶሊካዊ ቤተክርስትያን  

ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ን8 ጳጳሳት ሃገረ ቺና ምስ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ምሉእ ውህደት ክህልዎም

ኣብ መንጎ ቅድስት መንበርን ሪፓብሊካዊት ሃገረ ቻይናን ብዝተበጽሐ ስምምዕ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ነቶም ቅድሚ ሕጂ ብዘይ ፍቃድ ር.ሊ.ጳ መዓርገ ጵጵስና ንዝተቀበሉ 8 ጳጳሳት ናብ ምሉእ ውህደት ምስ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ተቀቢሎሞም።

ንስብከተ ወንጌል ኣብ ሃገረ ቻይና ንምድንፋዕን ንምድጋፍን ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ነቶም ቅድሚ ሕጂ ብዘይ ፍቃድ ር.ሊ.ጳ መዓርገ ጵጵስና ዝተቀበሉ ጳጳሳት እንደገና ናብ ምሉእ ሱታፌ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ከምዝተቀበልዎም ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና ሓቢሩ፣

እዞም ነዚ ብያኔ እዚ ዝረኸቡ ብፁዕ ኣቡነ ጁሰፐ ጕኦ ጂንካይ ብፁዕ ኣቡነ ጁሰፐ ሁዋንግ ቢንግዝሃግ ብፁዕ ኣቡነ ፓውሎ ለይ ሺዪን ብፁዕ ኣቡነ ጁሰፐ ልዩ ሺንሆንግ ብፁዕ ኣቡነ ጁሰፐ ማ ዪንግሊን ብፁዕ ኣቡነ ጁሰፐ ይወ ፉሸንጝ ብፁዕ ኣቡነ ቪንቸንሶ ዝሃን ሲሉ ከምኡ እውን ዝሓለፈ ዕለት 4 ጥሪ 2017 ካብዚ ዓልመ ብሞት ዝተፈልዩ ኮይኑ ግን ቀቅድሚ ሞቶም ምስ ሓዋርያዊት መንበረ ሮሜ ክዕረቅ እደሊ ኣሎኹ ኢሎም ዝነበሩ ነፍሰ ኄር ብፁዕ ኣቡነ ኣንቶንዮ ቱ ሺህዋ ምዃኖም ተሓቢሩ።

ቅዱስነቶም ምስዚ ዝተወስደ ውሳኔ ሓዲስ ጒዕዞ ክጅመርን ነቲ ቊስልታት ናይ ዝሓለፈ ሰጊሮም ሓዲስ ንኩሎም ካቶሊካውያን ቺና ምሉእ ሱታፌ ዝፈጥር ሃዋሁ ክፍጠር ዘለዎም ሰናይ ምንዮት ይገልጹ።

 

22 September 2018, 19:48