ብፁዕ ኣቡነ ጋላገር፡ ኣብ ጸረ ናይ ሞት ፍርዲ ጐስጓስ ልዑል ኣበርክቶ ቤተ ክርስቲያን ብፁዕ ኣቡነ ጋላገር፡ ኣብ ጸረ ናይ ሞት ፍርዲ ጐስጓስ ልዑል ኣበርክቶ ቤተ ክርስቲያን 

ብፁዕ ኣቡነ ጋላገር፡ ኣብ ጸረ ናይ ሞት ፍርዲ ጐስጓስ ልዑል ኣበርክቶ ቤተ ክርስቲያን

ኣብ ዝሓለፈ ናይ መወዳእታ ዘመን ቅድስቲ መንበር ናይ ሞት ፍርዲ ክሕከኽ ኣብ ዝብል ውሳኔ ምልኣተ ድምጺ ክረጋገጽ ብዙሕ ከምዝዓየየትን፡ ትዓዪ እውን ከምዘላ ኣረጋጊጾም፡ ኣብ ዝሓለፉ ናይ መወዳእታ ዓሰርተ ዓመታት እቲ ናይ ሞት ፍርዲ ምስራዝ ዝብል መትከል ብብርቱዕ ኣገባብ ኣቋሪና ከምዘቕረበቶን እዚ ኸኣ ብማንም ክርገጽ ኰነ ክገሃስ ዘይብሉ ናይ ሰብኣዊ ክብርን ግደ ሕጋዊ ስልጣን ናይ ማሕብረተሰብ ናይ ሓባር ጥቕሚ ብቕኑዕ ኣገባብ ምክልኻል ማለት ምዃኑ ኣብ ዝትንትን ቅኑዕ ማዕቅፍ ስነ ምግባር መቂና ከምዝዀነ ኣረዲኦም።

ኣብ ኒው ዮርክ ኣብ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዋና ሕንጻ ኣብ ዝካየድ ዘሎ መበል 73 ጠቕላሊ ሓፈሻዊ ዋዕላ ናይ ቅድስቲ መንበር ልኡካን መሪሖም ዝሳተፉ ዘለዉ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳያት ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ፓውል ሪቻርድ ጋላገር፡ ዕለት 25 መስከረም 2018 ዓ.ም. ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፡ ናይ ሕዝቢ ረብሓን ጸጥታን ውሕስነትን ንምርግጋጽ መንግስታት ካልእ ዓይነት መጋበርያ እንከለዎም እቲ ተቐባልነት ዘይብሉ ናይ ሞት ፍርዲ ከም መጋበሪያ ምጥቃም ተቐባልነት ዘይብሉ ምርጫ እዩ ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ናይ ሞት ፍርዲ ካብ ምድሪ ዓለም ጠሪሹ ክስረዝ ዝብል ምርጫ ዝቕበላ ናይ ሞት ፍርዲ ካብ ናይ ገበነይና ምቕጽዒ ሕጊ ክሕከኽ ዝብላ ሃገራት ብዝሒ ክብ ክብልን ኣብዚ ዕላማ’ዚ ኣብ ዝፈጥረኦ ሕብረት ቅድስቲ መንበር እውን ሓቢራ፡ ናይ ሞት ፍርዲ መፍትሒ ዘይኰነስ ናይ ውድቀት ምልክት ምዃኑ ብሰፊሕ ተተሓሳስብ።

ሰብኣዊ ክብርን ግደ ስልጣንን

ብፁዕ ኣቡነ ጋላገር ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፡ ኣብ ዝሓለፈ ናይ መወዳእታ ዘመን ቅድስቲ መንበር ናይ ሞት ፍርዲ ክሕከኽ ኣብ ዝብል ውሳኔ ምልኣተ ድምጺ ክረጋገጽ ብዙሕ ከምዝዓየየትን፡ ትዓዪ እውን ከምዘላ ኣረጋጊጾም፡ ኣብ ዝሓለፉ ናይ መወዳእታ ዓሰርተ ዓመታት እቲ ናይ ሞት ፍርዲ ምስራዝ ዝብል መትከል ብብርቱዕ ኣገባብ ኣቋሪና ከምዘቕረበቶን እዚ ኸኣ ብማንም ክርገጽ ኰነ ክገሃስ ዘይብሉ ናይ ሰብኣዊ ክብርን ግደ ሕጋዊ ስልጣን ናይ ማሕብረተሰብ ናይ ሓባር ጥቕሚ ብቕኑዕ ኣገባብ ምክልኻል ማለት ምዃኑ ኣብ ዝትንትን ቅኑዕ ማዕቅፍ ስነ ምግባር መቂና ከምዝዀነ ኣረዲኦም።

ናይ ሞት ፍርዲ ምጥቃም ኢምኽንያታዊ እዩ

ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ጋላገር ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብቲ ወንጌላዊ ሕይወት ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቶም፡ ሰብኣዊ ሕይወት ካብ ዝዀነ ይኹን ዓይነት መጥቃዕቲ ንምክልኻል ኰነ ማሕበራዊ ስርዓትን ዜጋታትን ንምውሓስ ናይ ሞት ፍርዲ ብዘይ ምጥቃም፡ እዋናውያን መጋበርያን ስልትን ኣባይቲ መአረሚ ቤት ማሕቡስ ብቝዕ እዩ፡ ዝበልዎ ቃል ጠቒሶም እቶም እዋናውያን መጋበርያ ንናይ ሓባር ጥቕሚ ድልያ ኵነ ሰብኣዊ ክብሪ ንዘይምግሃስ ንዝብል ኣመለኻኽታ ብጭቡጥ ዝመዓራረይ እዩ ኢሎም።

ናይ ሞት ፍርዲ ምጥቃም ከስዕቦ ዝኽእል ስግኣት

ናይ ሰብኣዊ ሕይወትን ሰብኣዊ ክብርን ቀዳምነት ዘለዎ ምዃኑ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንናይ ትግባሬ ሕግን ናይ መንግስቲ ናይ ሕግን ስርዓት ስልጣን መትከል ክኸውን ከምዝግብኦ ብዘነጽር ኣገባብ ኣበኪሮም፡ ናይ ሞት ፍርዲ ኣብ ምብያን ዝተፈጸሙ ማእለያ ዘይብሎም ጌጋታትን ምልካውያን ስርዓት ንተቓወምቲ ናይ ፖለቲካ ኣካላት ንምቕንጻል ዝተጠቀምሉን ብሃይማኖት ድዩ ብዓሌትን ብባህሎምን ውሁዳን ንዝዀኑ ዜጋታት ንኣሳዶ መጋበርያ ከይኑ እውን ከምዘገልገለ እውን የብርሁ።

ሕዳሴ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን መዝገበ ትምህርቲ ሃይማኖት

እቶም ቅድስቲ መንበር ብጥልቂ ዘማዕበለቶም ናይ ዝዀነ ይኹን ሰብን ኣብ ዝዀነ ይኹን ኩነት እውን ይሃሉ ሰብኣዊ ክብሪ ምዕቃብን ምኽባርን ናይ ሓባር ጥቕምን ዝብሉ ክልተ ዓንድታት፡ ነቲ ኣብ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን መዝገበ ትምህርቲ ሃይማኖት ተሓዲሱ ንዝተሳዅዔ ፍርዲ ሞት ዘይቅቡል ምዃኑ ንዝገልጾ ሓሳብ መሰረት ክኸውን እንከሎ፡ ኣዚ ከኣ ናይቲ ዘይገሃስ ናይ ሰብኣዊ ክብሪ ስለ ዘጥቅዕ ብምዃኑ ይብል።

ኣብ ሰብኣዊ ፍጥረት እማኔ ምንባር

ብፁዕነቶም ዘስምዕዎ ዘረባ፥ ኵላዊ ስራዘ ናይ ሞት ፍርዲ፡ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ገበን፡ በቲ ዝተፈጸመ ግብረ ክፍኣት ሰብኣዊ ፍጥረት ቀቢጸ ተስፋ ብዘይ ምዃን እቲ ገበን ዝፍጽም ናይ ምልዋጥ ኣኻእሎ ኣለዎ ዝብል እምንቶ ንምርግጋጽ ትብዓት ከምዘለዎ ይምስክር እንክብሉ ኣጠቓሊሎም።

ብፁዕ ኣቡነ ጋላገር፡ ኣብ ጸረ ናይ ሞት ፍርዲ ጐስጓስ ልዑል ኣበርክቶ ቤተ ክርስቲያን
27 September 2018, 16:58