2018.08.28 test nucleare 2018.08.28 test nucleare 

ቅድስቲ መንበር ኑክለሳዊ ኣጽዋር ምሉእ ብምሉእ ክእገድ ደጊማ ተተሓሳስብ

ብምኽንያት መዓልቲ ዓለም ሓቆፍ ጸረ ፈተነ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ሕቡራት መንግስታት ዓለም ኣብ ዘካየዶ ክፍለ ጉባኤ ዝተሳተፉ ኣብቲ ውድብ ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ኣውዛ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፡ ብግልጺ ኩለን ሃገራት ምሉእ ብምሉእ እገዳ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ከኽብራ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡

ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም  ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ በርናርዲቶ ኣውዛ ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ጸረ ፈተነ ኑክለሲያዊ ኣጽዋር ኣብ መላእ ዓለም ኑክለሳዊ ኣጽዋር ምሉእ ብምሉእ ክእገድን እንነብረሉ ዓለም ካብ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ናጻ ክኸውንን መንግስታት ንሰብኣዊ ረብሓ፡ ሕጋዊ ጻዕሪ ዘይኰነስ ግብረ ገባዊ ሓላፍነት ዘመላኽት ስምምዕ ምርጋፍ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ብብሔራዊ ደረጃ ኣጽዲቖም ክትግብሩ ብሕቡራት መንግስታት ዓለም ንመላእ ሃገራት መንግስታት ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ብምኽንያት መዓልቲ ዓለም ሓቆፍ ጸረ ፈተነ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ሕቡራት መንግስታት ዓለም ኣብ ዘካየዶ ክፍለ ጉባኤ ዝተሳተፉ ኣብቲ ውድብ ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ኣውዛ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፡ ብግልጺ ኩለን ሃገራት ምሉእ ብምሉእ እገዳ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ከኽብራ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ኣብ 1945 ዓ.ም. ዕለት 16 ሓምለ እቲ ብሑቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንፋልማ ጊዜ ብትሪኒትይ ፈተነ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ቅድሚ ምፍጻሙ፡ ክልተ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ኣቐዲሞም ኣብ 1943 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 12 ምጥቃም ኣቶማዊ ጸዓት ዘሰክፍ ምዃኑ ገሊጾም ከምዝነበሩን፡ ድሕሪ ሂሮሺማን ናጋሳኪን ኣብ ዓለም ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ዝዀነን ዘይፈላልን ምድላብ ኣብ ኑከሲያዊ ኣጽዋር ከምእተራእየን ነዚ ዘስተውዓሉ ር.ሊ.ጳ. ፓቸሊ (ፒዮስ መበል 12) ምሉእ ብምሉእ እገዳ ኣቶማዊ ውግእ ክረጋገጽ ከምዝሓትቱ ብፁዕ ኣቡነ ኣውዛ ኣዘኻኺሮም።

ካብ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ናጻ ዝዀነ ዓለም ንርግጋጽ ዝካየዱ ተበግሶታት ምድጋፍ

ቅድስት መንበር ናይቲ ሰብኣዊ ፍጡር ካብ ብኑክለሲያዊ ኣጽዋር ዝተሰነየ ውግእ ናጻ ክኽውን ዘስምዖ ኣውያት ናታ ገይራ ከምእትዓይን፡ እዚ ከምዘሎ ኰይኑ እንነብረሉ ዓለም ካብ ኑክለሲያዊ ኣጽዋር ናጻ ክኸውን ዝግበር ኩሉ ተበግስቶታት ምሉእ ብምልኡ ትድግፍ፡ “እገዳ ፈተነ ኑክለኢያዊ ኣጻር - ይብሉ ብፁዕ ኣቡነ ኣውዛ - እቲ ክብጻሕ ዝድለይ ዓቢይ ሸቶ እዩ፡ መዓልቲ እገዳ ፈተና ኑክለሲያዊ ኣጽዋር ኣዚዩ ኣገዳሲ ክኸውን እንከሎ፡ ነቲ ናይ ሓባር ዝዀነ ፍተነ ኑክለሲያ ኣጽዋር ንምእጋድ ዝፍጸም ቆራጽ ኩነትን ኣድላዪ ስጉምትን ንእገዳ ፈተና ኑከሲያዊ ኣጽዋር ጻዕርታት ምሉእ ብምሉእ ዘረጋግጽን ዝድግፍን እዩ፡ ምእንቲ’ዚ ቅድስቲ መንበር ነቲ ምሉእ ብምሉእ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ፈተነ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ውሳኔ ኣብ ግብሪ ክውዕል ተተሓሳስብ” ኢሎም።

ነዚ ውሳኔ’ዚ ኣብ ግብሪ ከይውዕል ዘተዓናቕፍ ኩሉ ምስናፍ የድሊ፡ ኣብ 2003 ዓ.ም. እቲ ምሉእ ብምሉእ ፈተነ ኑከለሳዊ ኣጽዋር እገዳ ዝብል ውሳኔ ትግባሬኡ ንምብጋስ ዓሚቱ ዝተኻየደ ዓወደ ጉባኤ፡ 168 ሃገራት ነቲ ውሳኔ ብኽታተም ክቕበለኦን 104 ሃገራት ድማ ኣብ ብሔራዊ ሕዝባዊ ባይቶ ሃገረን ኣቕሪበን ብድምጸ ውሳኔ ከምዝተቐበልኦን ዘዘኻኸሩ ብፁዕ ኣቡነ ኣውዛ ኣስዒቦም ኣብዚ እዋን’ዚ 183 ሃገራት ብኽታመን ከምእተቐበልኦን 166 ሃገራት ድማ ኣብ ናይ ነፍሲ ወከፈን ሕዝባዊ ባይቶ ኣቕሪበን ብድምጺ ውሳኔ ከምዘጽደቐኦ እውን ብምምልካት፡ እዚ ውሳኔ’ዚ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ግብሪ ምውዓል ዓለም ኣልቦ ኑክለሲያዊ ኣጻዋር ዝገብር ክነሱ ብዙሕ መተዓናቕፎ የጋጥሞ ከምዘሎን ጠቒሶም እቲ ውሳኔ ኣብ መላእ ዓለም ናይ መላእ ሃገራት ሕጊ ኰይኑ ኣብ ምሉእ ትግባሬ ክዕለብ ቅድስቲ መንበር ቀጻሊ ጻውዒት ተቕርብ ኢሎም።

ስምምዕ ምርጋፍ ኑክለሳዊ ኣጽዋር፥ ኣብ መንጐ መንግስታት ኣብ ምትእምማን ዝቖመ ግብረ ገባዊ ግዴታ

እቲ ስምምዕ ናብ ትግባሬ ዝልውጥ ኣብ መንጐ ሃገራት ዝፍጠር ሕድ ሕዳዊ ምትእምማን እዩ፡ ስለዚህ ብዅለን ሃገራት ቅቡል ኰይኑን ሕጊ ኰይኑ ምስ ዝጸድቕ ሕጋዊ ሓላፍነት ጥራሕ ዘይኰነስ ኣብ ምትእምማን ዝጸንዔ ግብረ ገባዊ ግዴታን ሓላፍነትን ይኸውን፡ ነቲ ስምምዕ ትግባሬ ዝድግፍ ምትእምማን ንምሕናጽን ንምጽናዕን ኩለን ሃገራት ዘበርክትኦ ኣስተዋጽኦ ካብ ኑክለሲያዊ ኣጽዋር ንዝዀነ ዓለም ኣገዳሲ እዩ፡ ሕድ ሕዳዊ ምትእምማን ንኽዋኔ እቲ ውሳኔ ዓንዲ እዩ ኢሎም።

እገዳ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ዝብል ውሳኔ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዕለት 7 ሓምለ 2017 ዓ.ም. ዝጸደቐ ክኸውን እንከሎ፡ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ኰነ ህልዋት ፍተነ ኑክለሲያዊ ኣጽዋርን ሓደስት ኣገባብ ኑክለሲያሳዊ ኣጽዋር ካብ ሕጊ ወጻኢ ዝገብር እዩ፡ 122 ሃገራት እወታዊ ድምጺ ዝሃባሉን ሆላድ ከምእተቓወመቶን ሲንጋፖር ድምጸ ተዓቅቦ ከምዝገበረት እንክዝከር፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ሩሲያን  ሕቡራት ግዝኣተ ንግስነትን ፍረንሳን ቻይናን ሕንድን ፓኪስታንን እስራኤልን ሰሜን ኮርያን ፈተነ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ዘየቋረጻ ምዃኑን ገሊጾም።

ቅድስቲ መንበር ኑክለሳዊ ኣጽዋር ምሉእ ብምሉእ ክእገድ ደጊማ ተተሓሳስብ
08 September 2018, 17:08