ድለ

ዮሓንስ ጳውሎስ ቀዳማዊ፥ ፍቕሪ ኵሉ ይኽእል

ካብቲ ዘቕረብዎ ሽዱሽተ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ እቲ ቀዳማይ ዕለት 6 መስከረም 1978 ዓ.ም. ዘቕረብዎ ክኸውን እንከሎ፡ በታ ዕለት እቲኣ፥ ትሑታን ኩን፡ ዘይንጠቅም ኣገልገልቲ ኢና በሉ (ሉቃ. 17,10) ኣብ ዝብል ወንጌላዊ ቃል ኣምሪሖም ዘቕረብዎ ከምዝነበረን፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2017 ዓ.ም. ኣብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ምእመናን ተቐቢሎም መርሕ ቃል ኣብ ዝለገሱሉ እዋን፡ ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር እንክብሉ ከምዝኣወጁሎም እውን ናይ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና የዘኻኽር።

ከም ሎሚ ዕለት 28 መስከረም ቅድሚ ኣርብዓ ዓመት 1974 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ኣልቢኖ ሉቻኒ ልክዕ ድሕሪ 33 መዓልታት ኣብ ኣገልግሎት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ስልጣን ከምዝዓረፉ ክዝከር እንከሎ፡ ብፍላይ እቲ ዘቕረብዎ ናይ መወዳእታ ናይ ዕለተ ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ምስቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮ ምስ ዝተረኽቡ መንፈሳያን ነጋዶ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ቅድሚ ምድጋሞም ዝለገስዎ ቃለ ኣስተንትኖን ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔርን ቅድሚ ሓደ መዓልቲ ካብዚ ዓለም ብሞት ምፍላዮም ዓመጽ ዘይኰነ እቲ ኩሉ ዝኽእል ፍቕሪ እዩ ዝብል ፍቕሪ ወትሩ ተዓዋቲ እዩ ዝብልዎ ደሓር ብቕዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን፡ ብቕዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16ን ዝተተንተንን ዘቕረብዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስን ብፍሉይ ይዝከር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ዕለት 28 መስከረም 1978 ዓ.ም. ወጋሕታ ዕለት 17 ጥቅምቲ 66 ዓመቶም ዕድመ ከቑጽሩ ዝነበሮም ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ቀዳማዊ ካብዚ ዓለም ብሞት ከምእተፈልዩን፡ እዞም ፍሹኽ ር.ሊ.ጳ. ተባሂሎም ዝግለጹን ብዙሓት ብዝነበሮም ብሩህ ገጽ ዝድነቑሎም ዝነበሩን ዕለት 26 ነሓሰ 1768 ዓ.ም. ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይኖም ተሓርዮም ልክዕ ድሕሪ 33 መዓልታት ር.ሊ.ጳጳስናኦም ዝዓረፉ ር.ሊ.ጳ. ኰይኖ ቅድሚ ምሕራዮም ናይ ሰበኻ ቨነዚያ ፓትሪያርክ ከምዝነበሩ ይፍለጥ።

ናይ ር.ሊ.ጳጳስና መንፈሳዊ መርሕ ቃል፡ ናይ ቪቶሪዮ ቨነቶ ሰበኻ ጳጳስ እንከለዉ ዝመረጽዎ ትሕትና ዝብል ቃል ክኸውን እነከሎ፥

ፍቕሪ ወትሩ ሰዓሪ እዩ

እታ ኣብ እዋን ፈረንሳዊ ሶውራ ዝተሰየፈት ቀርመለሳዊት ብፅዕት ሰማዕት ተረዛ ዘቅዱስ ኣጐስጦኖስ፥ ፍቅሪ ወትሩ ሰዓሪ እዩ ትብሎ ዝነበረት ቃል ኣብታ ቅድሚ ሓደ መዓልቲ ዕረፍቶም ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ኣስተምህሮ ከምዘቃልሕዎ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ታሪክ ማህደር የዘኽኽር።

እቶም ድሕሪ ዮሓንስ ጳውሎስ ቀዳማዊ ዝተሓርዩ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝብል መጸውዕ ስም ዝሓረዩ ር.ሊ.ጳ. ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ዝኽሪ መበል 10 ዓመት ዕረፍቲ ዮሓንስ ጳውሎስ ቀዳማዊ ኣብታ ኣብ ዮሓንስ ጳውሎስ ቀዳማዊ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይኖም ቅድሚ ምሕራዮም ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ዝመርሕዋ ዝነበሩ ሰበኻ ሓውጾተ ኖልዎ ብምክያድ ከምዘብዓለዎ ይንገር።

ካብቲ ዘቕረብዎ ሽዱሽተ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ እቲ ቀዳማይ ዕለት 6 መስከረም 1978 ዓ.ም. ዘቕረብዎ ክኸውን እንከሎ፡ በታ ዕለት እቲኣ፥ ትሑታን ኩን፡ ዘይንጠቅም ኣገልገልቲ ኢና በሉ (ሉቃ. 17,10) ኣብ ዝብል ወንጌላዊ ቃል ኣምሪሖም ዘቕረብዎ ከምዝነበረን፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2017 ዓ.ም. ኣብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ምእመናን ተቐቢሎም መርሕ ቃል ኣብ ዝለገሱሉ እዋን፡ ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር እንክብሉ ከምዝኣወጁሎም እውን ናይ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና የዘኻኽር።

በነዲክቶስ መበል 16፥ ናይ ዮሓንስ ጳውሎስ ቀዳማዊ ትሕትና ንኹሉ ዝዛረብን ዝትንክፍን እዩ

ድሕሪ 20 ዓመት ዕረፍቲ ዮሓንስ ጳውሎስ ቀዳማዊ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ከባቢ ሮማ ኣብ እትርከብ ከተማ ካስተል ጋንዶልፎ ፍርቂ መዓልቲ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ቅድሚ ምዕራጐም፡ ዮሓንስ ጳውሎስ ቀዳማዊ ኣብ ልቢ ኩሉ ክኣትዉን ወትሩ ዝዝኸሩ ንኽዀኑ ሰላሳን ሰለስተን መዓልታት ጥራሕ ዝኣኸሎም እንክብል ገሊጾም፡ ኣብ ጭቡጥ ኵነት ዘተኵሩን፡ ተዘክሮ ሕይወት ኣብ ስድራ ቤቶምን ናይ ሕዝቢ ጥበብን ብዙሕ ዝዝክሩ ከምዝነበሩን፡ ኣብነቶም ንሓብሕብ ትሕትናኦም ናትና ንግበር፡ ን33 መዓልታት ጥራሕ ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዘገልገሉ እውን እንተዀኑ ኣብ ልቢ ኵሉ ክኣትዉ ዝገበሮም ትሑት ሕይወቶም እዩ … እንክብሉ ከምዝዘከርዎም ይፍለጥ።

ዕለት 27 መስከረም 1978 ዓ.ም. ዘቕረብዎ ናይ መወዳእታ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ

ፍቕሪ እግዚኣብሔርን ትሕትና ፍጥረት ሰብን፡ ዝብላ ቃላት ናይ ዮሓንስ ጳውሎስ ቀዳማዊ ዕለት 27 መስከረም 1978 ዓ.ም. ናይ ዘቕረብዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ መደምደሚ ቃላት ከምዝነበራ ክንገር እንከሎ፡

“ንዅሉ ክርስቲያን ጐይታ ዝብሎ፡ ንስኻትኩም ብርሃን ዓለምን ጨው ምድርን ኩኑ፡ ከምቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦዅም ፍጹም ዝዀነ ንስኻትኩም እውን ከማኡ ፍጹማን ኩኑ፡ ብጭራሽ ደውታ ዘይምንባር፡ ብሓገዝን ብፍቕርን ጐይታ ምዕባይ፡ ተሰማሚዕና ዶ?”

እንክብሉ ብዝገለጽዎ ሓሳብ ወትሩ ይዝከሩ።

ዮሓንስ ጳውሎ ቀዳማዊ፥ ፍቕሪ ኵሉ ይኽእል
28 September 2018, 16:20