ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን፡ ክርስቲያን ኣባይቲ ስድራ በዳሂ ውልቃውነት ንዝብል ባህሊ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን፡ ክርስቲያን ኣባይቲ ስድራ በዳሂ ውልቃውነት ንዝብል ባህሊ 

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን፡ ክርስቲያን ኣባይቲ ስድራ በዳሂ ውልቃውነት ንዝብል ባህሊ

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮኒን፡ ኣስዒቦም ነቶም ተጋባእያን ናይ ቅዱስ ኣቦናን ምትብባዕን ድጋፍን ኣቕሪቦም፡ ስድራ ቤት ዝብል ሓሳብን ሓቅን ንቕዱስ ኣቦና ቀረባ እዩ፡ እዚ ኸኣ ናይ ፍቕሪ ሓሴት እተሰምየ ሓዋርያዊ ምዕዳኖም የረጋግጸልና፡ ቅዱስ ኣቦና ናይ ፍቕሪ ሓሴት ክብሉ እንከለዉ እቲ ኣብ ምስጢረ ተክሊል ዘሎ ሓጐስን ጽባቔን ዝመላኽት እዩ፡ ነዚ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እቲ ዘሎ ንስድራ ቤት ዘሰናኽሉ ብድሆታት ግምት ብምሃብ ኰይኑ ኣብ ምብዳሁ እውን ዘለዎ ናይ ፍቕሪ ሓይሊ የመልክቱ።

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ኣብ ሞልዳቫ ከተማ ኪሲናኡ ካብ ዕለት 13 ክሳብ ዕለት 16 መስከረም 2018 ዓ.ም. ዛዕባ ኣባይቲ ስድራ ኣብ ዝዘተየ ዓለም ለኻዊ ዓውደ ጉባኤ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ንተጋባእያን ናይ ቅዱስ ኣቦና ቅርበት ኣረጋጊጾም፡ ስድራ ቤት፥ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሕብረተሰብ ሕጡብ እዩ እንክብሉ ይገልጹ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ኣብቲ ኣብ ሞልዶቫ ከተማ ኪሲናዉ ዛዕባ ኣባይቲ ስድራ ዝዘተየ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ ዝተሳተፉን ዕለት 15 መስከረም 2018 ዓ.ም. መደረ ዘስምዑ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን መጽሓፍ ቅዱስ ከምዝብሎ፡ እቲ ዝዓበየ እግዚኣብሔር ዘቖሞ፡ ስድራ ቤት እዩ፡ ንሱ ሰብኣይን ሰበይትን ገይሩ ፈጠሮም፡ መላእ ተፈጥሮ ኣብ ሓላፍነቶም ከኣ ኣንበረሎም። ብዙሑ ተባዝሑን ነዛ መሬት ድማ ኣፍርይዋን በሎም  ዝብል ቅዱስ ኣቦና ኣብ 2015 ዓ.ም. ኣብ ፊላደልፊያ ኣብ ዝተኻየደ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ስድራ ቤት ዋዜማ ጸሎት ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ዝበልዎ ኣዘኻኺሮም እዚ ናይ ኪሲናው ዓውደ ጉባኤ ምልስ ቢሉ ነቲ ጽባቄ ስድራ ቤትን ዓቢይ ናይ ተፈጥሮ ውጥንን ከስተንትን ብዘይ ምኽንያት ኣይኰነን ኢሎም።

ስድራ ቤት ጩራ ተስፋ እዩ

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ምልስ ቢሎም ነቲ ኣብ ዱብሊን ዝተኻየደ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ካቶሊካውያን ኣባይቲ ስድራ ዘኪሮም፡ ኣብቲ ናይ ዱብሊን ጉባኤ ዝተለዓሉ ነጥብታትን ዝቐረቡ ምስክርነታትን ናይ ኣባይት ስድራ እቲ ካብ ምስጢረ ተክሊል ዝምንጭው እንኰን ኣብ ናይ እግዚኣብሔር ናይ ምድሓን መደብን ዝተነብረ ጽባቔኡን ጠቒሶም፡ ኣብዚ ኣዚዩ ተኣፋፊ ኣብ ዝዀነ እንበብረሉ ዘሎና ዓለምን ኣብ ልዕሊ ተራኽቦነት ባህርይ ሰብ ዝርአይ ዘሎ ኣሉታዊ ኩነታትን እቲ ባህርይ ጸዋዕታን ፍቕሪ ካብ እግዚኣብሔር ዝተዓደሎ ሎሚ ካብ ቀደም ስድራ ቤት ናይ ተስፋ ጩራ ምዃኑ የረጋግጸልና፡ እዚ ኣብ ዓለም ጮራ ናይ ምዃን መለለይኡ እቲ ናይ መርዓ ወይ ቃል ኪዳንን ስድራ ቤትን ሓቅነቱ ነባሪ ምዃኑ ይምስክረልና ኢሎም።

ስድራ ቤት ናይ ሰብኣውነት መባእታ እዩ

ናይ ሕብረተሰብ ናይ ሓባር ሰብኣውነት መግለጽን ናይ ሰብኣውነት መባእታዊት ቤት ትምህርቲ እያ፡ ኣብ ዓለም ዝተፈላለዩ ሃይማኖታውያን በርገሳውያን ማሕበራት ስድራ ቤት ዝድግፉን ናይ ስድራ ቤት ዓሴታት ዘነቓቕሑ ብዙሓት እያቶም፡ እዚ ኻኣ ዓቢይ ተስፋ እዩ … ፡

ድጋፍን ቅርበትን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮኒን፡ ኣስዒቦም ነቶም ተጋባእያን ናይ ቅዱስ ኣቦናን ምትብባዕን ድጋፍን ኣቕሪቦም፡ ስድራ ቤት ዝብል ሓሳብን ሓቅን ንቕዱስ ኣቦና ቀረባ እዩ፡ እዚ ኸኣ ናይ ፍቕሪ ሓሴት እተሰምየ ሓዋርያዊ ምዕዳኖም የረጋግጸልና፡ ቅዱስ ኣቦና ናይ ፍቕሪ ሓሴት ክብሉ እንከለዉ እቲ ኣብ ምስጢረ ተክሊል ዘሎ ሓጐስን ጽባቔን ዝመላኽት እዩ፡ ነዚ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እቲ ዘሎ ንስድራ ቤት ዘሰናኽሉ ብድሆታት ግምት ብምሃብ ኰይኑ ኣብ ምብዳሁ እውን ዘለዎ ናይ ፍቕሪ ሓይልን ዘመልክት ምዃኑ ሓቢሮም።

ብድሆ ውልቀይናነት ባህሊ

ኣብዝ እዋን’ዚ እቲ ዓብይ ንኣባይቲ ስድራ ዘጥቕዕ ውልቃውነትን ኣህላኽነትን እክንዲ ሓቅነት ፋይዳውነትን ዘቐድም ባህሊ ምዃኑ ብፁዕነቶም ሓቢሮም፡ እቶም ኣሉታውያን ባህልታት ኣብ እንነብረሉ ዓለም ዓቢይ ተቐባልነት ረኺቦም መሰረት ርክባትን ብሓፈሻኡ መሰረት መነባብሮን እናዀነ መላእ ዘርኢ ሰብ ንዓቢይ ሓደጋ ኣቃሊዑ ይርክብ ምስ በሉ፥

ኵሉ ዓይነት ርክባት ኣብ ሓደ ዓይነት ጸፍሒ ዘንብር

ዝዀነ ይዅን ዓይነት ርክባት ኣብ ሓደ ጸፍሒ ዘንብር ካብቲ ማሕበራዊ ርክባት ክንየው ኤኮኖሚያዊ ረብሓ ዝጥምት ውልቃዊ ረብሓ ሕዙእ ዝገብር ግብረ ገባዊ ርእየት መሰረት ዝንበብ ዓይነት ርክብ እውን እዩ፡ ስድራ ቤት ግና ናይ ሕብረተሰብ መሰረት ብምዃኑ ናይ ፍቕሪ ማሕበረሰብ ዘጽንዕ ኣብ ጾታዊ ፍልልይ ዘስምር ናይ ሓባር ምዕባለ ዘዕትር ዕብየት ዘነቓቕሕ መጻኢ ትውልዲ ዝውሕስ እዩ ኢሎም።

ስድራ ቤት ንዓለም ድልድል እዩ

ስድራ ቤት ኣብ ዓለምን ንዓለምን ድልድል እዩ፡ እሞ ክርስቲያን ኣባይቲ ስድራ ኣብ ዓለም ነቲ ንዓለም ናይ ተስፋ ምንጪ ዝዀነ ወንጌል ንምብሳር ተባዓትን ሕጉሳትን ክዀኑ ብፁዕነቶም ምዒዶም፡ ዘስምዕዎ ዘረባ እንከጠቓልሉ፥ ስድራ ቤት ናይ ጸዋዕታኡ ሓይሊ ኣሓዲሱ ንናይ ቤተ ክርስቲያን ሕብረተሰብ ሕንጸት ከውዕሎ ሓደራ ኢሎም።

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን፡ ክርስቲያን ኣባይቲ ስድራ በዳሂ ውልቃውነት ንዝብል ባህሊ

 

18 September 2018, 16:28