ድለ

መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ናብ ኦርተጋ፥ ዕርቅን ሰላማዊ ማሕብራዊ ናብራን ኣብ ኒካራጉዋ መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ናብ ኦርተጋ፥ ዕርቅን ሰላማዊ ማሕብራዊ ናብራን ኣብ ኒካራጉዋ 

መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ናብ ኦርተጋ፥ ዕርቅን ሰላማዊ ማሕብራዊ ናብራን ኣብ ኒካራጉዋ

ናይ ሰላም ንጉስ ኢየሱስ ንዅሉ ጸጋ ሕውነታዊ ዕርቅን ሰላምን ምትሕብባርን ዝዓሰሎ ናይ ሓባር ናብራ ጸግው ዝብል ቅዱስ ኣቦና ናብ ርእሰ ብሔር ኒካራጉዋ ዕለት 15 መስከረም 2018 ዓ.ም. ዝበዓል በዓል ናጽነት ኒካራጉዋ ምኽንያት ዕለት 31 ነሓሰ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ልባዊ ሰላታኦምን ጸሎቶምን ንመላእ ሕዝቢ ናይታ ፍቕርቲ ሃገአ ኒካራጉዋ።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ናይ ኒካራጉዋ ርእሰ ብሔር ብምኽንያት ዕለት 15 መስከረም 2018 ዓ.ም. ዓመታዊ ብሔራዊ በዓል ሃገረ ኒካራጉዋ ዕለት 31 ነሓሰ 2018 ዓ.ም. መልእኽቲ ኣመሓላሊፎምን ንመላእ ደቂ ኒካራጉዋ ከምዝጽልዩን ኣረጋጊጾም፡ ናይ ማናጉዋ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ብረነስ እውን ብወገኖም ኣብ ኒካራጉዋ ሰላም ክነግስ ናይ ሰላም ዘተ ብዅሉ መዳይ ክሰፍሕ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብታ ሃገርን ናይታ ሃገር ብፁዓን ጳጳሳትን ድላይ ከምዝዀነ ደጊሞም ከምዝሓበሩ ተገሊጹ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ናይ ሰላም ንጉስ ኢየሱስ ንዅሉ ጸጋ ሕውነታዊ ዕርቅን ሰላምን ምትሕብባርን ዝዓሰሎ ናይ ሓባር ናብራ ጸግው ዝብል ቅዱስ ኣቦና ናብ ርእሰ ብሔር ኒካራጉዋ ዕለት 15 መስከረም 2018 ዓ.ም. ዝበዓል በዓል ናጽነት ኒካራጉዋ ምኽንያት ዕለት 31 ነሓሰ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ልባዊ ሰላታኦምን ጸሎቶምን ንመላእ ሕዝቢ ናይታ ፍቕርቲ ሃገአ ኒካራጉዋ።

ማሕበራውን ፖለቲካውን ቅልውላው

ዕለት 15 መስከረም 2018 ዓ.ም. ኒካራጉዋ መበል 197 ዓመት ናጽነታ እተብዕለሉ ዕለት ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ናይ ለምዘበን በዓል ናጽነት ኒካራጉዋ እቲ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2018 ዓ.ም. መግስቲ ዝሓንጸጾን ከጽድቖ ምዃኑ ዝገለጾ ሓድሽ ናይ ማሕበራዊ ውሕስነት ጉዳያት መምርሒ ሕዳሴ ብምቅዋም ዝተበገሰ ሕዝባዊ ናዕቢ፡ ናይ ኒካራጉዋ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ተሟገቲ ውድብ ከምዝሕብሮ ኣስታት ኣርባዕተ ሚእቲ ዝግመቱ ዜጋታት ንሞት ሓደጋ ዘቃልዔ ፖለቲካውን ማሕበራውን ቅልውላው ኣብ ዘለሉ እዋን ዝበዓል ብምዃኑ ብዙሕ ፍልይ ዝበለ በዓል ናጽነት ክኸውን እንከሎ፡ ናይ ማናጉዋ መንግስቲ ብወገኑ ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞም 400 ዘይኮኑስ 198 ዜጋታት እንክብል ይሕብር፡ እዚ ከምዚ ኢሉ እንሎከ መንግስቲ በቲ ዝተለዓዓለ ሕዝባዊ ናዕቢ ምኽንያት እቲ ከጽድቖ ዝነበረ ናይ ማሕበራዊ ውሕስነት መምርሒ ከምዘልዓሎ ይፍለጥ።

ግደ ቤተ ክርስቲያን

ዕለት 3 ሰነ 2018 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ ምስ ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ ኒካራጉዋ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ምኽንያ ሞትን ማህሰይትን ዝዀነ ከቢድ ቅልውላው ናይ ዘስዓበሎም ሓዘን ተኻፋሊ ምዃኖም ገሊጾም፡ ደም ምፍሳስ ክውገድ ጻውዒት ከምዘቕረቡ እንክዝከር፡ ናይ ኑካራጉዋ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ፡ ናይ ሃገሩ ቅልውላው መፍትሒ ክረክብ ብሓባር ምስ በርገሳውያን ማሕበራት ኣብ መንጐ መንግስትን በርገሳያን ማሕበራትን ዝግበር ዘተ ክሽምግል ድላይ ከምዘለዎን ርእሰ ብሔር ዳኒኤል ኦርተጋ እቲ ኣብ 2021 ዓ.ም. ዝካየድ ናይ ርእሰ ብሔር ምርጫ ናብ ወርሒ መጋቢት 2019 ዓ.ም. ከቕርብዎን ሓቲቱ ከምዝነበረ ክፍለጥ እንከሎ ርእሰ ብሔር ኦርተጋ ብወገኖም እቲ ሕዝባዊ ምርጫ ናብ 2019 ዓ.ም. ምቕራብ ዝብል ሓሳብ ዘይቅቡል እንክብሉ መልሲ ከምዝሃብሉ ይፍለጥ።

ብፁዕ ካዲናል ብረነስ፡ ዘተ ኣብ ኩሉ መዳይ ክሰፍሕ

ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ናይ ማናጉዋ ሊቀ ጳጳሳትን ናይ ኒካራዋ ብፁዓን ጳጳሳት ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ለዮፖልዶ ብረነስ፡ ናይ መላእ ብፁዓን ጳጳሳት ኒካራጉዋ ድላይ ዘተ ኣብ ኩሉ መዳይ ክሰፍሕ ዝብል እዩ፡ ርእሰ ብሔር ኦርተጋ ክንሽምግል ኣብ ዝሓተቱና እዋን ብመንፍስ ኣገልግሎት ተቐቢልናን ኣብዚ መዳይ ክዓዪ ሕራይ ዝበልና ኢና፡ ክኽፈለናን ኵሉ ከጣቕዓልናን ግና ኣይኰነን፡ ዘተ ምስ እትደልዮም ምስ ዝሰማምዓካን ዘይኰነስ ምስ ኩሉን ብፍላይ ከኣ ምስቲ ከም እትሓስቦ ምስ ዘሓስብ ዝግበር እዩ ከምዝበሉ ይዝከር፡

ሃውሪ ካብ ስራሕ ምስጓግ

ብፁዕነቶም ዓለም ብፍላይ ከኣ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ጸጥታን ድሕነትን ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ እቲ ካብ ናይ ሕቡራት መግስታት ዓለም ላዕለዋይ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ሓልዮ ድርገት ዝቕረበ ጸብጻብ መሰረት ነቲ ኣብ ኒካራጉዋ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ኣተኩሮ ከምዝሃበሉን ገሊጾም፡ ዓለም ሓቆፍ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ተማጓቲ ማሕበር እውን ብወገኑ ኣብ ቀረባ እዋን መንግስቲ ብዙሓት ሰብ ሙያ ሕክምና ካብ ስራሕ ብሃውሪ ምስጓጉ ኰኒኑ፡ ብጠቕላላ ኣስታት 300 ሰብ ሙያ ሕክምናን ከምኡ እውን ብዙሓት ኣብታ ሃገር ናይ ዝርከብ ብሔራዊ ርእሰ ምምሕዳራዊ መንበረ ጥበብ መምሃራንን ኣካየድቲ ስራሕን ካብ ስራሕ ከምዝሰጐገን ካልኦት ልዕሊ 80 ዝግመቱ ተመሃሮ ኣውን ካብ ትምህርቲ ክስጐጉ ከምዝገበረ ኣፍሊጡ።

ሓፈሻዊ ሰላማዊ ናይ ተቓውሞ ኣድማ

ዕለት 7 መስከረም 2018 ዓ.ም. ንሳልሳይ ግዜ ጸረ ርእሰ ብሔር ዳኒኤል ኦርተጋ ዝሃቀነ ሓፈሻዊ ናይ ተቓውሞ ሰላማዊ ሰልፊ ከምእተኻየደን ብፍላይ ዕለት ሸሞንተን ትሽዓተን መስከረም 2018 ዓ.ም. ናይ ፖለቲካ እሱራት ክፍትሑ ዝጽውዕ ሰላማዊ ሰልፊ ምክያዱ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያን

ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ዝድግፉ ሓይልታት ኣብ ኒካራጉዋ ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስትያን ዝተፈላለየ መጥቃዒት የስዕቡ ከምዘለዉ ክሕበር እንከሎ፡ ዕለት 8 መስከረም 2018 ዓ.ም. ኣብ ልዕሊ ናይ ማናጉዋ ካድራል መናድቕ፡ ቤተ ክርስቲያንን ካህናታን ዘጥቅዕ ጽሑፋት ከምእተጽሓፈን ብፁዕ ካርዲናል ብርነስ ነዚ ኣመልኪቶም፡ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዘዕረግሉ እዋን ነዚ ጸረ ቤተ ክርስቲያን ተግባር ኰኒኖም፡ ብዙሓት መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዝዓርገሉ እዋን መጕልሒ ድምጺ ሒዞም ናብ ኣቢያተ ክርስቲያን ብምእውታው መንፈሳውን ስርዓተ ኣምልዀን ከምዝሃወኹ ገሊጾም፡ መሰልን ክብርን ኩሉ ክኽበርን ናይ ምእመናን መሰል እውን ክኽበር ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ምእመናን ስለ እቶም ዝጸርፍዎምን ዘባጭውሎምን ክጽልዩ ሓደራ ከምዝበሉ ዝሓበረ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎ ኣስዒቡ፡ ናይ ግራናዳ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኾርገ ሶሎርዛኖ ፐረዝ፡ መስዋዕተ ቅዳሴ እናዕረጉ እንከለዉ ደገፍቲ መንግስቲ ብምእታው መስዋዕተ ቅዳሴን መእመናንን ከምዝሃወኹ ብትዊተር ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ ኣድራሻኦም ኣቢሎም ከምዘፍለጡን ዝሓለፈ ዕለት 10 ሓምለ 2018 ዓ.ም. መሰል ሓይሊ ምክልኻ ዝዀኑ ደገፍቲ ርእሰ ብሔር ኦርተጋ ኣብ ልዕሊ ብፁዕ ካርዲናል ብረነስን ተሓባባሪኦም ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ሲልቪዮ ኾሰ ባኤዝን ኣብ ኒካራጉዋ ናይ ቅድስቲ መንበር ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ዋልደማ ስታኒስላው ሶመርታግን  ካብ ማናጉዋ ብሸነኽ ምዕራብ 40 ርሒቓ ኣብ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሰባስቲያን ዘዲሪያምባ ነቲ ዘሎ ስርዓት ዝቃወሙ መንስያት ዑቕባ ክረኽቡ ንዝገበሩ ካህናት ድጋፎም ንምቕራብ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝተረኽብሉ እዋን ካብ ደገፍቲ መንግስቲ ኦርተጋ መጥቓዕቲ ወሪድዎም ከምዝነበረ የዘኻኽር።

መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ናብ ኦርተጋ፥ ዕርቅን ሰላማዊ ማሕብራዊ ናብራን ኣብ ኒካራጉዋ
12 September 2018, 16:53