ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ንምልከ ዕደ ጥበባዊ ምዕባለ ኣይፋል፡ ዓቢይ ግምት ንሰብኣዊ ክብሪ ኣብ ልዕሊ መኽሰብ ር.ሊ.ጳ.፥ ንምልከ ዕደ ጥበባዊ ምዕባለ ኣይፋል፡ ዓቢይ ግምት ንሰብኣዊ ክብሪ ኣብ ልዕሊ መኽሰብ 

ር.ሊ.ጳ.፥ ንምልከ ዕደ ጥበባዊ ምዕባለ ኣይፋል፡ ዓቢይ ግምት ንሰብኣዊ ክብሪ ኣብ ልዕሊ መኽሰብ

ሃይማኖታት ብሉጽ መፍትሒ ንምርካብ ናይ ዝካየዱ ርክባትን ዋዕላ ዘተን ኣብነት ክዀናን ጻውዒት ኣቕሪቦም ዘተ ክበሃል እንከሎ ናይ ነፍስ ወከፍ መንነታዊ መለለዪ ከየጥፋእካ ካብ ሕድ ሕዳዊ ጽን ምብህሃል ዝነቅል ሰብኣዊ ተራኽቦነት ዘኽብር ነቲ ካባኻ ዝተፈልየ ኣረኣእያ ዘለዎ ብምኽባር፡ ፍልልያት መሰረት ሃብቲ ኣብ ብዝሃነት ምዃኑ ምቕባል ማለት እዩ፡ ስምምዕ፡ መጻኢ ፍልልያት ዘእንግድ ናይ ሓባር ናብራ ኣብ እንኰኣዊ ፍካረ ዝቖመ ማለት ከምዘይኰነ ምፍላጥ የድሊ ኢሎም።

መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቲ ኣብ ቦነስ ኣይረስ ሎሚ ዕለት 26 መስከረም 2018 ዓ.ም. ዝተጀመረ ዓውደ ጉባኤ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ብኢዳስትሪ ናይ ዝማዕበላ 20 ሃገራት፥ ኣብ ምኽባር ሰብኣዊ ክብሪ እምበር ኣብ መኽሰብ ዘይተመሰረተ  ፍጥረትን ተፈጥሮን ዝከላኸል ተቐባልነት ዘለዎ ምዕባለ ኣብ ምኽዋን ዓቢይ ኣስተዋጽኦ ንምብርካት ዘብቅዕ ሓናጺናይ ሓባር ዘተ ክተባባዕ ምዒዶም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

እተን ካብተን ብኢንዳስትሪ ዝማዕበላ 20 ሃገራት ዝተዋጽኣ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዘካይድኦ ዘለዋ ናይ ሃባር ዓውደ ጉባኤ፡ ሃይማኖታት ካብ እምነት ኣብ እግዚኣብሔር ዝምንጭው ሓድሽ ዓይነት ሰብኣዊ ኣተኩሮ ከቕርባ ኣብ መልእኽቶም ሓደራ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና፡ እዚ ሓድሽ ዓይነት ካብ እምነት ዝምንጨው ኣመለኻኽታ’ዚ ንኤክኖሚያዊ ረብሓ ሓለፋ ዘይብል ሓቀይና ምዕባለ ንምኽዋን ዓቢይ ኣበርክቶ እዩ፡ እዚ ክሳብ ዕለት 28 መስከረም 2018 ዓ.ም. ዝቕጽል ኣብ ላቲን ኣመሪካ ንኽካየድ ንፈለማ ግዜኡ ዝዀነ ኣብ ቦኖስ ኣይረስ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ጉባኤ መርሕ ቃሉ፥ ምዕሩይን ተቐባልነት ንዘለዎን መደብ ምዕባለ ዘተኩር ናይ ሓባር ስምምዕ ኣብ ምሕናጽ ግደ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ሰብኣዊ ክብሪ ንዘማእከለ መጻኢ ዝብል ክኸውን እንከሎ፡

ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ኣስተዋጽኦ

ቅድሱነቶም መልእኽቶም ንናይ ሰብኣዊ መጻኢ ስግኣት ዝዀኑ ዝተፈላለዩ ጸገማ ምህላዎም ኣብ ዘነጽር ሓሳብ ኣሞርኵይዞም፡ እዚ ጸገም’ዚ መላእ ዘርኢ ሰብን ተፈጥሮን እውን ንሓደጋ ዘቃልዕ ምዃኑ ገሊጾም፡ ኣተሓሒዞም እቲ ናይ ቦኖስ ኣይረስ ናይተን ብኢንዳስትሪ ዝማዕበላ ሃገራት 20 ዝተዋጸኣ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዘካይድኦ ዘለዋ ናይ ሓባር ዋዕላ፡ ክቡር መጻኢ ዝውሕስ ምዕባለ ንኽረጋገጽ ፍሉይ ኣበርክቶ ሃይማኖታት ዘመላኽት ክኸውን ተላብዮም።

ፍርያም ዘተን ኣይፋል ንእንኰኣዊ ፍካረ

ሃይማኖታት ብሉጽ መፍትሒ ንምርካብ ናይ ዝካየዱ ርክባትን ዋዕላ ዘተን ኣብነት ክዀናን ጻውዒት ኣቕሪቦም ዘተ ክበሃል እንከሎ ናይ ነፍስ ወከፍ መንነታዊ መለለዪ ከየጥፋእካ ካብ ሕድ ሕዳዊ ጽን ምብህሃል ዝነቅል ሰብኣዊ ተራኽቦነት ዘኽብር ነቲ ካባኻ ዝተፈልየ ኣረኣእያ ዘለዎ ብምኽባር፡ ፍልልያት መሰረት ሃብቲ ኣብ ብዝሃነት ምዃኑ ምቕባል ማለት እዩ፡ ስምምዕ፡ መጻኢ ፍልልያት ዘእንግድ ናይ ሓባር ናብራ ኣብ እንኰኣዊ ፍካረ ዝቖመ ማለት ከምዘይኰነ ምፍላጥ የድሊ ኢሎም።

ምዕባለ ምልከ ዕደ ጥበብ ኣይፋል

ኣብ እንነብረሉ ዘሎና ዓለም ምልካዊ ዕደ ጥበባዊ ምዓባለ ይሰፍሕ ከምዘሎ ዝጠቐሱ ቅዱስ ኣቦና፡ እዚ ልክዕ ከም ሓደ ዋቕዕ ወይ ኣመክንዮ ዝሰፍሕ ዘሎ ሓቅነት ብምቁጽጻር ሓለፋ ንጥቕሚ ኤኮኖምን መኽሰብን ዝብል እዩ፡ ዝዀነ ይኹን ምዕባለ ሰብኣዊ ክብሪ ዘማእከለ እዩ ክኸውን ዘለዎ፡ ናይ ኩሉ ኤኮኖሚያውን ማሕበራውን ፍኖት፡ ሰብ፡ መሃዝን ማእከልን መዓልቦን ዝብል እዩ።

ሰብኣዊ ክብሪ ማእከል ተቐባልነት ዘለዎ ምዕባለ

ሃይማኖታት፡ ንክውንታን ሰብን ብሓድሽ ዓይነት ኣገባብ ርእየት ናይ ምምልካት ክእለት ዘቕርባ ኰይነን ካብቲ ዝውንን ናይ ገዛእ ርእሱ ኣረኣእያ በስገዳድ ዘቕርብ ኣይፋል ንምባል ዘኽእል ኣብ ልዕሊ ክውንነትን ሰብን ናይ ሓድሽ ዓይነት ርእየት ኣገጋባት ዘቕርባ ንናይ ሓባር ቤትናን መላእ ዘርኢ ሰብ ዝግደስ ተቐባልነት ዘለዎ ምዕባለ ዘነቓቕሓ ክዀና ምዒዶም፡ ፍጥረትን ተፈጥሮን ንምክልኻል ኵለን ሃይማኖታት መጋበርያ እግዚኣብሔር ኰይነን ክዓያ ሓደራ ኢሎም፡ እቲ ዓውደ ጉባኤ ውጽኢታዊ ክኸውን እምነይ እንክብሉ መልእኽቶም ዛዚሞም።

ር.ሊ.ጳ.፥ ንምልከ ዕደ ጥበባዊ ምዕባለ ኣይፋል፡ ዓቢይ ግምት ንሰብኣዊ ክብሪ ኣብ ልዕሊ መኽሰብ
26 September 2018, 17:30