ድለ

2018.09.05 Visita card. Krajewski a Mondo Migliore 2018.09.05 Visita card. Krajewski a Mondo Migliore 

ናይ ር.ሊ.ጳ. ቤተ ምጽዋት ሓላፊ ኣብ መዕቆቢ ስደተይናታት ምብጻሕ ኣካይዶም

ብባሕረ መዲትራኒያን ብንሽተይ ጀልባ ብምቑራጽ ናብ ኢጣሊያ ንምእታዊ ዝፍትኑ ዝነበሩ ኣብ ጉዕዞ ባሕሪ ንሓደጋ ተቓሊዖም ዝነበሩ ዲቾቲ ብእተሰምየት ናይ ኢጣሊያ ባሕሪ ሓሊይሊ መርከብ ካብ ሞት ሓደጋ ዝደሓኑን

ናይ ር.ሊ.ጳ. ቤተ ምጽዋት ሓላፊ ብፁዕ ካርዲናል ኮናርድ ካራዦውስኪ ኣብቲ ብሉጽ ዓለም እተሰምየ ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ  ንዝተዓቖቡ ስደተይናታት ምብጻሕ ኣካዶም ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቡራኬን ቅርበትን ሰላምታን ኣቕሪቦም።

ስምንዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ብባሕረ መዲትራኒያን ብንሽተይ ጀልባ ብምቑራጽ ናብ ኢጣሊያ ንምእታዊ ዝፍትኑ ዝነበሩ ኣብ ጉዕዞ ባሕሪ ንሓደጋ ተቓሊዖም ዝነበሩ ዲቾቲ ብእተሰምየት ናይ ኢጣሊያ ባሕሪ ሓሊይሊ መርከብ ካብ ሞት ሓደጋ ዝደሓኑን ኣብ ከባቢ ሮካ ዲ ፓፓ ኣብ ዝርከብ ኣብ ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ብሉጽ ዓለም መእለዪ ስደተይናታት ንዝተዓቖቡ ናይ ር.ሊ.ጳ. ቤተ ምጽዋት ሓላፊ ብፁዕ ካርዲናል ኮናርድ ካራዠውስኪ እቶም ስደተይናታት ናብ ዝተፈላለያ ቁምስናታት ናብ ዘዳለዋሎም መእንገዲ ዕለት 6 መስከረም 2018 ዓ.ም. ቅድሚ ምንቃሎም ዕለት 5 መስከረም ብካሪታስ ብና ዝጽዋዕ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበር ረድኤት ጨንፈር ኢጣሊያ ኣመሓዳሪ የኔታ ፍራንቸስኮ ሶዱ ተሰንዮም ምብጻሕ ኣካይዶም።

ብፁዕነቶም ምስቶም 340 ስደተይናታትን ምስቶም ዝከናኸንዎም 40 ወለንተይናታትን ብሓባር ናይ ምሳሕ መኣዲ ተቛዲሶም ነቶም ስደተይናታት ናይ ቅዱስ ኣቦና ምስሊ ገጸ በረክት ኣቕሪቦም ክልተ ስደተይናታት ሕጻናት ሶሪያ ባዕሎም ዝሰኣልዎ ቅብእን ሓንቲ ናይ ሃይማኖት ምስልምና ሰዓቢት ስደተይና ባዕላ ዝሰኣለቶ ምስሊ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ብብፁዕ ካርዲናል ካራዦውስኪ ኣቢላ ንቕዱስ ኣቦና ገጸ በረከት ከምዘቕረባ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ናይ ር.ሊ.ጳ. ቤተ ምጽዋት ሓላፊ ኣብ መዕቆቢ ስደተይናታት ምብጻሕ ኣክይዶም
07 September 2018, 10:10