ድለ

ካርዲናል ቱርክሶን፥ ኣብ ኩነት ስደተይናታት ምኽባር ዓለም ሓቆፍ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ውሳኔ ካርዲናል ቱርክሶን፥ ኣብ ኩነት ስደተይናታት ምኽባር ዓለም ሓቆፍ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ውሳኔ 

ካርዲናል ቱርክሶን፥ ኣብ ኩነት ስደተይናታት ምኽባር ዓለም ሓቆፍ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ውሳኔ

እንነብረሉ ዘሎና እዋናውን ስልጡንን ዝበሃል ዓለም፡ ኣብ ሕድ ሕድዊ ምጥርጣርን ፍርሕን ዝገደደ ዓሌትን ሃይማኖትን ብሔርን መሰረት ገይሩ ዝፍጠር ጽልእ ብሰፊሕ ዝረኣየሉ እዩ፡

ኣብ ሮማ፥ ጽልኢ ጓኖትን፡ ጽልእ ዓሌትን ብሔርተይናዊ ሕዝብነትን ኣብ እዋን ዓውሎማ ጸኣት ስደተይናታትን ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ ዝተሳተፉን ዘረባ ዘስምዑን ናይ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ሓልዮ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ቱርክሶን፡ ኣብዚ ኣብ ዓለም ጸኣት ስደተይናታት ብሰፊሕ ኣብ ዝረአየሉ እዋን እቲ ቅድሚ 70 ዓመት ዝጸደቐ ዓለም ሓቆፍ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ውሳኔ ዘንበሮ መሰረተ ሓሳብ ዘይምኽባሩ ልሙድ ይኸውን ኣሎ ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ኣብ ሮማ ዕለት 18 መስከረም 2018 ዓ.ም. ኣገልግሎት ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ሓልዮ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቫቲካንን ናይ መላእ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ጉባኤ ቤት ምኽርን ምስ ጳጳሳዊ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስትያን ውህደት ሓልዮ ቤት ምኽሪ ብምትሕባር ዘዳለዎ ጉባኤ ይካየድ ምህላዉ ክንገር እንከሎ፡

ናይ ስደተይናታት ሕይወት ንናይ ኵላትና ሕልና ሕቶ እዩ

ናይ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ሓልዮ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቫቲካን ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ፒተር ቱርክሶን ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ እንነብረሉ ዓለም ምንቅስቓስ ሰብ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ብሰፊሕ ዘርኣየሉን ክኸውን እንከሎ ስደተይና ዘእንግድ ሕብረተሰብ ኣብ መጋጠሚያን ከምኡ ኣውን ምስቲ ናይቲ ስደተይና ወጅሂ ኣብ ምርኻብ ኩነት ይርከብ፡ እዚ ኸኣ ጸኣት ስደተይና ሎማዊ ዘይኰነስ ካብ ጥንቲ ዝነበረ ማሕበረሰብኣዊ ስክተት ምዃኑ የመላኽት ቢሎም፡ ኣብዚ እዋን’ዚ  ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ናይ ውሳኔ ዝጸደቐሉ መበል 70 ዓመቱ ኣብ ዘብዕለሉ ዘሎ ኣዋን ዓሌታውነትን ብሔርተይናነትን ሸለልተይናነትን ምንጻልን ጽልእን ብቛንቋን ባህልን ሃይማኖትን ናይ ቆርበት ሕብርን ምኽንያት ጽልእን ዝለዓዓል ኣድልዎን ኣግላልነትን ሰብ ከም ውዳቕ ምርኣይን ዝብሉ ጸረ ሰብኣውያን ተግባራት ክዋኔታቶም ክንደይ የሕዝን፡ እዚኹሉ ዝረአይ ዘሎ ጸረ ሰብኣዊ ተግባር’ዚ ንናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ሕልና ዓቢይ ሕቶ እዩ ኢሎም።

ስደተይና ምእንጋድ ካብ ወንጌል ብርታዔ ዝረክብ ግብረ ገባዊ መትከል እዩ

ኣብ እንነብረሉ ዘሎና እዋናውን ስልጡንን ዝበሃል ዓለም፡ ኣብ ሕድ ሕድዊ ምጥርጣርን ፍርሕን ዝገደደ ዓሌትን ሃይማኖትን ብሔርን መሰረት ገይሩ ዝፍጠር ጽልእ ብሰፊሕ ዝረኣየሉ እዩ፡ እዚ ጸረ ሰብኣዊ ጉዳይ’ዚ ንክርስቲያን ማሕበረሰብ ዓብይ ሕቶ እዩ፡ ኢየሱስ ኣብ ዝሳደድን ድኻን ዝተናዕቀን ኣብ መጻእተይናን ዝልለይ ምዃኑ ባዕሉ ኣብ ወንጌሉ (ማቴ. 25, 31-16 ረኣ) የመላኽተና፡ ክርስቲያን ማለት ናይ ክርስቶስ ምዃን ማለት እንተድኣ ኰይኑ፡ እቲ ኣብ ኣሕዋት ዘሎ ብፍላይ ኣብ ድኻታትን ዝስደዱን ዝተናዕቁን ህሟማንን ወጅሂ ኢየሱስ ዘይምልላይ ተኻታሊ ክርስቶስ እየ ምባልካ ሓሶት እዩ ዝኸውን ኢሎም።

ቅድስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16፥ ዓውሎማነት እዚዩ ዘቀራርብ ካብ ሕውነታውነት ዘረሕቕ ኰይኑ ኣሎ

በነዲክቶስ መበል 16 ኣብታ ፍቕሪ ኣብ ሓቂ እተሰምየት ዓዋዲት መልእኽቶም፡ እንነብረሉ ዓለም ኣብ ዓውሎማነት ኣዚዩ እናዓበየን ኣብ መንጐ ሃገራት ዝነበረ ኣካላዊ ምርሕሓቅ ከምዘሎ ኰይኑ፡ ዘቐራርብ ክነሱ እቲ ኣብ መንጐ ሰብኣዊ ፍጥረት ክህልው ዝግብኦ ሕውነት ግን የብርሶ ኣሎ እንክሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ፡ ብፁዕ ካርዲናል ቱርክሶን ጠቒሶM እቲ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ መጽናዕቲ፡ ክርስቲያን ኣብ ምዃንና ሕቶን እቲ ክርስቲያን እየ ዝብል ዓለም ዝስዕቦ ክርስትና ብጥልቂ ክምርምርን ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምዃንና ሕቶን ዘቕርብ እዩ፡ ሓሊፉ እውን ነቲ ናይ ኣቢይተ ክርስቲያን ኣብ ምንቕቓሕ ሰብኣዊ ፍጥረት ዝቐርብ ኣገልግሎት እውን ዓቢይ ሕቶ እዩ እንክብሉ ዘስምዕዎ ዘረባ ኣጠቓሊሎም።

ኣብ ኩነት ስደተይናታት ምኽባር ዓለም ሓቆፍ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ውሳኔ
19 September 2018, 16:48