ካርዲናል ኦለት፡ ብዛዕባ እቲ ንሕዝቢ ብዙሕ ተስፋ ዘቑረጸን ዘበሳጨወን ጉዳይ ካርዲናል ኦለት፡ ብዛዕባ እቲ ንሕዝቢ ብዙሕ ተስፋ ዘቑረጸን ዘበሳጨወን ጉዳይ  

ካርዲናል ኦውለት፡ ብዛዕባ እቲ ንሕዝቢ ብዙሕ ተስፋ ዘቑረጸን ዘበሳጨወን ጉዳይ

ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣደዳ ዝዀነ ብዛዕባ እቲ ዝወረዶም ዓመጽን በደልን ክዛረቡን ስቓዮም ክገልጹ ምሉእ ናጽነት ክህልዎም ይግባእ፡ ግብኡ እዩ፡ እቶም ኣደዳ ዝዀኑ ጥራሕ ዘይኰኑስ ካልኦት እውን ብዛዕባ እዚ ዝተፈጸመ ዓቢይ ዓመጽ ዘሕደረሎም ተስፋ ቁርጸትን ብስጭንት ክገልጹ ምሉእ ናጽነት ክህልዎም ይግባእ፥

ኣብቲ ካብ ዕለት 13 – 16 መስከረም 2018 ዓ.ም. ኣብ ፖላንድ ሰበኽ ፖዝናን ዝተኻየደ ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ሕብረት ኣብ ዘካየዶ ምሉእ ሓፈሻዊ ጉባኤ ዝተሳተፉ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ጉዳይ ዝከታተል ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ማርክ ኦለት ኣብ ሕዳገት እቲ ጉባኤ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ብዛዕባ ናይ ወሲብ ዓመጽ ዝምልከት ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ እትወስዶ ዘላ ውሳኔ ምሉእ ምትሕብባር ንቕዱስ ኣቦና ኣቕሪቦም ኣብዚ መዳይ ንቕዱስ ኣቦና ምንቃፍ ሓላፍነት ምጉዳል እዩ ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣደዳ ዝዀነ ብዛዕባ እቲ ዝወረዶም ዓመጽን በደልን ክዛረቡን ስቓዮም ክገልጹ ምሉእ ናጽነት ክህልዎም ይግባእ፡ ግብኡ እዩ፡ እቶም ኣደዳ ዝዀኑ ጥራሕ ዘይኰኑስ ካልኦት እውን ብዛዕባ እዚ ዝተፈጸመ ዓቢይ ዓመጽ ዘሕደረሎም ተስፋ ቁርጸትን ብስጭንት ክገልጹ ምሉእ ናጽነት ክህልዎም ይግባእ፥

ናይ ወሲብ ዓመጽ ናይ ብዙሓት ሕይወት ንኸቢድ መጉዳእቲ ኣቃሊዑ እዩ

ብፁዓን ጳጳሳት ይብሉ ካናዳዊ ብፁዕ ካርዲናል ኦለት፡ ነቶም ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣደዳ ዝዀኑ ዜጋታት ዝወረዶም መጉዳእንትን ስቓይን ክሰምዑ ጥራሕ ዘይኰነስ እቶም ተመሳሳሊ ዓመጽ ዝወረዶም ክነሶም ብዛዕባ ስቓዮም ዘይዛረቡ  ስነ ኣእምሮኣዊ ጸቕጢ ዝሓደሮም ብነጻነት ክዛረቡ ጻውዒት ብምቕራብ ኣብ ደገፎም ክዓዩ ይግብኦም፡ ናይ ወሲብ ዓመጽ ሕይወት ዘዕንው ዓቢይ ገበን እዩ፡ እቲ ናይ ወሲብ ዓመጽ ዘስዕቦ ኵለ መዳያዊ ማህሰይቲ ናይ መላእ ሕይወት ስምብራት እዩ፡ ይኹን ደኣ እምበር እቶም ናይቲ ጸያፍ ተግባር ኣደዳ ዝዀኑ ዜጋታት ክንክን ክረኽቡን ኣብ ፍትሒ ዝቖመ ዕርቂ ክስዕቡን ምድጋፎም የድሊ፡ ስለዚህ ብኹሉ ጽፍሕታት ነቕ ዘይብል ጽኑዕ ወሳኔ ክውሰድ ኣገዳሲ እዩ ኢሎም።

ኣብ ሕንጸት ካህናት ኣገዳስነት ሱታፌ ደቀንስትዮ

ኣብ ቀረባ እዋን ዝፍነዉ ዘለዉ ዜናታትን ሓበሬታን ርኢኻ እቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝተፈጸመ ወሲብ ዓመጽ ከቢድን ኣዚዩ ዘተሓሳስብን ምዃኑ ተስተውዕል፡ ስለዚህ እዚ ንገዛእ ርእሱ ኣብ ሕንጸት ካህናት ዘድሊ ጽኑዕ ክትትልን ጥልቂ ሕንጸትን ሚዛኑ ዝሓለው ስነ ኣእምሮኣዊ ብስለት ክረኽቡ ንዝግበር ጻዕሪ ወሳኒ ምዃኑ ዝሕብር እዩ፡ ካብዚ ሓሊፍካ ብዛዕባ ፍቕርን ጾታውነትን ዝተመዓራረየ ስነ ኣእምሮኣዊ ግንዛቤን እውን ክህልዎም ኣብቲ ዝረኽብዎ ሕንጸት ሱታፌ ደቀንስትዮ ኣገዳሲ እዩ ምስ በሉ፡ መላእ ቤተ ክርስቲያን ኣብዚ መዳይ ጥርኑፍ ኣገባብ ክህልው ናይ ከባቢ ኣቢያተ ክርስቲያን ምስ ቫቲካን ምሉእ ምትሕብባር ብዘለዎ ኣገባብ ክዓያ ይግባእ ይብሉ።

ምሉእ ድጋፍን ምትሕብባርን ንቕዱስ ኣቦና

ብፁዕ ካርዲናል ኦለት ኣስዒቦም፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ቅልውላው ትነብር ኣላ፡ እዚ ኸኣ ንተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝምልከት ዘይኰነስ ንናይ ነፍሲ ወከፍ ሰበኻ መርሕነት ብፁዓን ጳጳሳት ዝምልከት እዩ፡ ብዛዕባ ናይ ወሲብ ዓመጽ ጉዳይ ዝምልከት ሕቶን ክስን ከቢድን ረዚንን እዩ፡ ስለዚህ ብመንፈሳዊ ርእየት እምበር ብርእየት ፖለቲካ ኣይኰነን ክረአይ ዘለዎ ኢሎም፡ ቅዱስ ኣቦና ብዛዕባ ናይ ወሲብ ዓመጽ ዝምልከት ጉዳይ ዝኽተልዎ ቆራጽ ኣሰራርሓን ወሳኔን ርኢኻ እቲ ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ ናይ ወሲብ ዓመጽ ዝምልከት ቅድስ ኣቦና ተሓታቲ ንምግባር ዝግበር ዘሎ ጐስጓስ ጌጋ ጥራሕ ዘይኰነ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ እዩ እንክብሉ ምሉእ ምትሕብባር ንቕዱስ ኣቦና ኣቕሪቦም፡ ናይ ከባቢ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሕንጸት ካህናትን ውሉደ ክህነትን ጥብቂ ልልያን ጥንቃቔን ክተግበር ዘብቕዓ መገዲ ክትስዕብ ወሳኒ እዩ ኢሎም። 

ካርዲናል ኦለት፡ ብዛዕባ እቲ ንሕዝቢ ብዙሕ ተስፋ ዘቑረጸን ዘበሳጨወን ጉዳይ ናይ ወሲብ ዓመጽ ቆራጽ ውሳኔ ኣገዳሲ እዩ
17 September 2018, 16:49